መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሞቓዲሾ ኣብ ዝተራኸብሉ ኣብታ ከተማ ነትጒ ቦምባታት ተሰሚዑ

መራሕቲ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ሞቓዲሾ፡ 01 ለካቲት 2023

ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia/Twitter

ናብ ሶማልያ ዝኣተዉ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ዝተዋደደ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብዛዕባ ዝካየደሉ መገዲ ኣብ ዝዝትይሉ ዘለዉ እዋን ኣብታ ከተማ ፍንጀራታት ሞርታር ተፈጺሙ።

እቶም ኣርባዕተ ሞርታራት ኣብ ጥቓ እቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ዝርከቡ ከባቢታት ከምዝተፈንጀሩ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ዝተገልጸ የለን።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ ኢሽማዒል ዑመር ጉለህ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን መሓመድ ተሳቲፎም።

ፕረዚደንት ኬንያ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብወግዒ መሻርኽቲ ኣልቓዒዳ ምዃኑ ዝእውጅ ዕጡቕ ጕጅለ ስጕምቲ ንምውሳድ ኣብ ዝግበር ዘተ ንምስታፍ ናብ ሶማልያ ክኣቱ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ መጥቃዕቲ ካብ ዘካይድ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ኣኼባ መራሕቲ እተን ሃገራት፡ ሰራዊት መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ኣልሸባብ ወሳኒ ዓወት ምስ ኣመዝገበ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ካብ ኣጀንዳታት ናይቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ፡ ካብ 2007 ጀሚሮም ኣብ ሶማልያ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣተኲሩ ክሰርሕ ምዃኑ ይንገር።

ኣልሸባብ ንምምካት ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ [ኣሚሶም]፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብታ ሃገር ንምውጻእ መደብ ሓንጺጹ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣርባዕተ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣኼባ ሞቓዲሾ

ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia/Twitter

እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት’ውን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ምፍናዉ ይዝከር።

ዝሓለፈ ሓምለ፡ ዕጡቓት ጕጅለ በቲ ኣጸጋምን ነዊሕን ዶብ ሶማልያን ኢትዮጵያን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ምስቶም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝነበሩ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተዋግኡን ብዙሓት ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉን ተገሊጹ ነይሩ።

ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን፡ ንኣልሸባብ ንምግታእ ኣብ ሶማልያ ንዝተዋፈረ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት ኣዋጺአን እየን።

ኣልሸባብ፡ ብወተሃደራት ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝድገፉ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲን ምልሻታት ውሽጢ ዓዲን ካብ ነሓሰ ጀሚሮም መጥቃዕቲ ከፊቶም ኣለዉ።

እንተዀነ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ኣብ ሞቃድሾን ኣብ ማእከላይን ደቡብን ሶማልያ ዝርከባ ከተማታትን መጥቃዕቲ ምክያድ ቀጺሉ ኣሎ።