ሓይልታት ሶማልያ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣልሸባብ ቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ሶማልያ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 130 ዕጡቓት እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ኣሜሪካ ዘጠቓለለ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ሶማልያ ዝተሳተፉሉ ሓባራዊ ስርሒት ከምዝተኻየደ’ውን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ እቲ ኣብታ ሃገር፡ ብተዛማዲ፡ ብዙሕ ህላወ ዘይነበሮ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ፡ በቲ ምስ መንግስቲ ሽርክና ብዘለዎም ሓይልታት ዝወስድዎ ስጉምትታት፡ ስፍሕ ዝበለ ግዝኣታት ተመንዚዑ እዩ።
ዝርዝር ናይቲ ልዕሊ 130 ዕጡቓት ዝተቐተሉሉ መጥቃዕቲ ካብ ሳልሳይ ኣካል ምርግጋጽ’ኳ እንተዘይተኸኣለ፡ መንግስቲ ሶማል ግን ንኣልሸባብ ዘጋጠሞ ርኡይ ውድቀት ዝመስል ነገር ክብል ገሊጽዎ።
ኣብቲ ምስ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ሶማልያ ዝተኻየደ ሓባራዊ ስርሒት፡ 136 ጅሃዳውያን ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ሚኒስተር ዜና ይሕብር።
ኣሜሪካ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፡ ፍሉይ ሓይላ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ብዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንሓደ ላዕለዋይ መራሒ ዕጡቓት ከምዝቐተለ ገሊጻ ነይራ።
ቢላል ኣል ሱዳኒ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ካብቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣልሸባብ ተፈንጪሉ ብምውፃእ ኣብ ሞዛምቢክን ምብራቓዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሓዊሱ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ኣህጉር ህላወ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ንምዕባይ ቁልፊ ተራ ተጻዊቱ ነይሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







