ሶማልያ፡ ትሽዓት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝርከብዎም 35 ሰባት ብመጥቃዕቲ ቦምባ ተቐቲሎም

ሰራዊት መንግስቲ ሶማልያን ምልሻታት እታ ሃገርን ካብ ኣልሻባብ ሓያለ ቦታታት ነጻ የውጽኡ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት መንግስቲ ሶማልያን ምልሻታት እታ ሃገርን ካብ ኣልሻባብ ሓያለ ቦታታት ነጻ የውጽኡ ኣለዉ

ኣብ ሶማልያ ማእከላይ ዞባ ሂራን ብዘጋጠመ ድርብ መጥቃዕቲ ቦምባ ትሽዓት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምዝተቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ፡ ካልኦት 26 ሰባት’ውን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ምክትል ኮምሽነር ምንዳፍ ፖሊሲ ናይቲ ዞባ ንሮይተርስ ገሊጹ።

እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ኣልሸባብ ዝተባሃለ ዕጡቕ ጉጅለ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ።

ኮምሽነር ናይታ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሂራን እትርከብ ወረዳ ማሃስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንገዝኡን ንገዛ ሓደ ኣባል ባይቶን ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ገሊጹ።

ከንቲባ ከተማ ማሃስ ሙሚን ሞሓመድ ሃላን እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ እታ ከተማ ከምዝተፈንጀረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር፡ እቲ ምፍንጃር ኣዝዩ ብርቱዕ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ ካብቲ ዝተፈንጀረሉ ቦታ ርሒቖም ዝነበሩ ሰባት’ውን ከይተረፉ ብጭልፍላፍ [ስኩጆ] ናይቲ ተፈንጃሪ ከምዝተሃረሙ ገሊጾም።

ሓደ ኣዳን ሓሳን ዝተባሃለ ናይ ዓይኒ ምስክር ነቲ ዝርኣዮ ሬሳታት ኣመልኪቱ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ “ኣዝዩ ዘሰንብድ መጥቃዕቲ’ዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንመሓመድ ፈርማጆ ተኪኡ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣልሸባብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ውሽጢ መቓድሾ ኣብ ዝርከብ ሓደ ኣዝዩ ፍሉጥ ሆቴል መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዕስራ ሰብ ከምዝቐተሉ ዝዝከር’ዩ።

ድሕሪ እዚ ክስተት’ዚ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ‘ምሉእ ኵናት’ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣልሸባብ ንመጥቃዕቲ ሰራዊት ሶማልያ ክጻወርዎ ስለዘይክኣሉ ካብ ብዙሕ ቦታታት ተደፊኦም ክውጽኡ ይግደዱ ኣለዉ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ’ውን ኣልሸባብ ኣብ ውሽጢ መቓዶሾ ኣብ ሓደ መካይን ብጻዕቒ ዝንቀሳቐሳሉ ቦታ ኣብ ክልተ መካይን ዝተጻወደ ቦምባ ብምፍንጃር ብውሕዱ 100 ሰባት ምማቶም ዝዝከር’ዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንሰራዊት ሶማልያን ምልሽታትን ናብ ኩሉ ኣንፈታት እታ ሃገር ብምንቅስቓስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ዝነበረ ሓያለ ገጠራትን ከተማታትን ክቖጻጸር ከኢሉ’ዩ።

ኣልሸባብ ዋላ’ኳ ብዙሕ ቦታታት ይሓድጉ እንተሃለዉ፡ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ሶማልያ ግን ገና መጥቃዕትታት ምፍጻም ኣየቋረጹን ዘለዉ።

ሶማልያ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ እተካይዶ ዘላ ውግእ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከሉ ሰራዊትን ናይ ኣሜሪካ ምወላን ይግበረላ ከምዝሎ ይፍለጥ።