ምጾታት ፈሪሖም ናብ ኢትዮጵያ ፈሊሶም ዝተባህሉ ዩጋንዳውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ክልተ ወርሒ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኡጋንዳውያን ንብረቶም ሸይጦም ከም ዝተሰወሩ ክግለጽ እንከሎ ኣብቲ ዝነብሩ ከባቢ ሓዊሱ ኣብ መላእ ኡጋንዳ ኣዝዩ መዘራረቢ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።
እዞም ኡጋንዳውያን ካብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ካብ እትርከብ ወረዳ ሴሬሬ ዝነብሩ ኰይኖም፡ ኩሎም ኣባላት ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓደ ጉጅለ እምነት ክርስትና እዮም።
ፖሊስ ምብራቕ ኡጋንዳ መጀመርታ ኣስታት 100 ዝዀኑ እዮም ዝበሎም ኣብ ዝኣተውዎ ዘይተፈልጡ ኣመንቲ እታ ከባቢ ዝምልከት የጻሪ ከም ዘሎ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኣፍሊጡ ነይሩ።
እዚኦም ተሰዊሮም ዝተባህሉ ሰባት ኣባላት ክራይስት ዲሲፕልስ ቸርች (ሲዲሲ) ዝተባህለ ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ምጽኣት ሰጊኦም ካብታ ሃገር ከም ዝወጽኡ ክግለጽ ጸኒሑ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም፡ ብሓሙስ (30/2023 ዓ.ም) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቶም ኡጋንዳውያን ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ኣረጋጊጹ።
“ካብ ኡጋንዳ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣለው ዝብል ልክዕ’ዩ፤ ከረጋግጸልኩም። ኣብ ከባቢና ምጽኣት ክህሉ’ዩ፤ ሞትን ምዝንባልን ክህሉ’ዩ ኢሎም ዝሰግኡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኡጋንዳውያን ካብ ምብራቕ ኡጋንዳ ብፍላይ ድማ ሴራሬ፣ ኩሚን ጎራን ዝተባህሉ ከባቢታት ናብ ኢትዮጵያ ብምምጻእ ኛንጋቶም ኣብ ዝብሃል ከባቢ ደቡብ ኢትዮጵያ ከም ዘለው ተረጋጊጹ ኣሎ" ኢሉ።
ዋላ’ውን ቲ ወሃቢ ቃል ከምዚ እንተበለ፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኛንጋቶም ዞባ ደቡብ ኦሞ ዝዀነ ኣቶ ሎኪኛኒጋ ሙርሌ ግን፡ እቶም ኡጋንዳውያን ምጽኣት ፈሪሖም ተሰዲዶም ዝብል ሓሶት እዩ ብምባል፡ ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዝመጽኡ’ዮም ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
“ንወንጌል’ዮም ናብዚ መጺኦም፤ ቤተክርስቲያን ድማ ተቐቢላቶም ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ኣካላት ጸጥታ ፌደራል መጺኦም እቲ ዘሎ ሓበሬታ ሂብናዮም ተመሊሶም" ይብል።
ቅድሚ ሕጂ እቲ ወረዳ ኣብ ዘዳለዎ መርሃ ግብሪ ካብ ኬንያ ቱርካና፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝመጽኡ ተመሳሳሊ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ተሳቲፎም ነይሮም እዮም ክብል እቲ ኣመሓዳሪ ይዛረብ።
እዚኦም፡ "ብታሪኽ ማሕበረሰብ ኛንጋቶም ካብ ኡጋንዳ’ዩ መጺኡ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ነቲ ከባቢ ንምርኣይ’ዮም መጺኦም። ስለዚ፡ ንወንጌል ኣብዚ ከም ዝጸንሑን ተመሊሶም ከም ዝኸዱን ነጊሮምና ኣለው” ይብል።
እዞም ኡጋንዳውያን በየነይቲ ሃገር ገይሮም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝብል ክሳብ ሕጂ ግልጺ ኣይኰነን፤ እቶም ኣባላት ክራይስት ዲሳይ-ፕልስ ቸርች ዝዀኑ ሰባት ግን ብመራሕቲ ሃይማኖት ከባቢኦም ኣብ ቀረባ ብሞት ከም ዝጥቃዕን ኩሎም ሰባት ክሞቱ ከም ዝኽእሉን ተነጊሩዎም ከም ዝተሰደዱ ጸብጻባት ክሕብሩ ቀንዮም።
ማዕከን ዜና ቱርኪ ኣናዶሉ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንፖሊስ ኡጋንዳ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ተኸተልቲ ሓደ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ዝዀኑ ኡጋንዳውያን ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰገሩን ፖሊስ ኣረጋጊጹ ኢሉ ነይሩ።
እዞም ኣረጋውያን፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ኣስታት 277 ኡጋንዳውያን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን መንበሪ ገዛ ውልቀሰባትን ተዓቚቦም ከም ዝርከቡ ምምሕዳር እታ ወረዳ ይገልጽ።
ኣቶ ሎኪኛኒጋ፡ እቶም ሰባት ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ እዮም ምምጻእ ጀሚሮም ብምግላጽ፡ ናብ ዓዶም ክንምለስ ኢና ካብ ምባል ወጻእ መዓዝ ከም ዝምለሱ ከም ዘይገለጹሎም ይሕብር።
“መዓዝ ከም ዝምለሱ ኣይንፈልጥን፤ ዝናብ ክሳብ ዝሃርም ጸኒሕና፣ ዘርኢ ዘሪእና ክሳብ እንህበኩም ክንጸንሕ ኢና፤ ፈጣሪ ዝሃበና መልእኽቲ ንሱ’ዩ እዮም ዝብሉ። ያው፤ ናይ ሃይማኖት ነገር ከምኡ’ዩ - ጸሊና ዝናብ ከም ዝመጽእ ርግጸኛታት ኢና። እዚ ድማ ናይ ፈጣሪ ድምጺ ስለ ዝዀነ፡ ንሳቶም’ውን እናጸለዩ ሓያል ዝናብ ይሃርም ኣሎ”።

ዞባ ደቡብ እሞ ሓደ ካብቲ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቂ ካብ ዝተሃስዩ ከባቢታት ኰይኑ፡ ብሰንኩ ብርክት ዝበሉ እንስስሳታት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ሰባት እውን ብኸቢድ ተሃስዮም እዮም።
ኣብዚ ግዜ ኣብቲ ከባቢ ወላ'ኳ ብርቱዕ ዝናብ ይዘንብ እንተሃለወ፡ እቶም ዩጋንዳውያን ግን ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ከም ዘለዉ’ውን እቲ በዓል ስልጣን ኣረዲኡ።
እቶም ውልቀሰባት ናብ ኢትዮጵያ ንኽስደዱ ናይ መጓዓዝያ ገንዘቡ ንምርካብ ንብረቶም ከም ዝሸጡ ተፈሊጡ።
ኣብ ኡጋንዳ ንሰባት ዘይኰነ ሓበሬታ ብምሃብ ንሞት ዘቃልዑ ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኣለው።
ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ 2000 ዓ.ም ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ዞባ ካኑንጉ፡ ጆሴፍ ኪብዌቴሬ ዝተባህለ መራሒ ሓደ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ንኣመንቱ ዓለም ኣብ ቀረባ ክትጠፍእ ስለ ዝዀነት ንብረትኩም ሽጡ ኢሉ ድሕሪ ምንጋር ገንዘቦም ተቐቢሉ በሪ ቤተክርስቲያን ዓጽዩ ብሓዊ ኣቃጺሉዎም’ዩ።
በዚ ምኽንያት ኣስታት 700 ሰባት ሞይቶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







