ምዕራባውያን፡ ሕደጾታውነት ከስገድዳ ‘ግዜ ዓሪቡወን' ክብል ሙሰቨኒ ከሲሱ

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቪኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ንጉዳይ ሕደጾታውነት ብዝምልከት ንዝቐረበ እማመ ድምጺ ንምሃብ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ መሰል ሕደጾታውነት ንኽተኣታቶ ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ ክብል ከሲሱ።

እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዝቐረበ እማመ፡ ኣብታ ድሮ ሕደጾታውነት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዘጽንዐት ሃገር፡ ንዝግበር ዝዀነ ይዅን ርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ክወሃብ ዝእምም እዩ።

እዚ እማመ ግን ካብ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሪር ነቐፌታ ይቐርበሉ’ሎ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሓሙስ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ባይቶ ኣብ ዘስምዖ ቓል፡ እተን ንባዕለን "ግርንቢጥ ዝዀነ ባህልታት" ዘለወን ሃገራት፡ ኣብተን ንሕደጾታውነት ዝቃወማ ሃገራት ኣፍሪቃ ብእገዳ ከፈራርሓን ጸቕጢ ክገብራን ምስሉይነት'ዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ "ሃገራት ምዕራብ እቲ ባዕላተን ዝገብራኦ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሕብረተሰባት ክጽዕናኦ ኣብ ምፍታን ዘዕርባኦ ዘለዋ ግዜ ሰብኣውነት ደው ከብላ ይግባእ” ኢሉ።

"ኣውሮጳውያንን ካልኦት ጕጅለታትን ቀረባ ኣዝማዶም ከይተረፈ ይምርዓዉ። ኣብዚ፡ ካብ ውሽጢ ዓሌትካ ምምርዓው’ውን ነውሪ እዩ። ስለዚ ንሕና’ኸ፡ ኣዝማድ ብምምርዓው ጸቕጢ ክንገብረሎም ዶ ይግባእ? እዚ ስራሕና ኣይኰነን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሙሰቨኒ፡ ንሕደጾታውያን ሰባት ዘይንቡር ወይ ዝንቡዕ ባህሪያት ከም ዘለዎም ሰባት ብምጥቃሱ፡ እቲ ጉዳይ ኣካታዒ ክኸውን ድርኺት ዝገብሩ ዘለዉ እዮም ኢሉ።

ብመሰረት እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሕጊ፡ ዝዀነ ኣብ ተግባራት ተመሳሳሊ ጾታ ዝተረኽበ ወይ ከምኡ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሰብ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ እዩ።

ኣብ ዩጋንዳ ዝነጥፋ ምዕራባውያን ሃገራትን ትካላት ረዲኤትን፡ ኣብታ ሃገር "ሕደጾታውነት የስፋሕፍሓ እየን" ከምኡ’ውን ንማሕበረሰብ ኤልጂቢቲ ምስ መንነቶም ዝተኣሳሰር ዝወርዶም መጥቃዕቲ ይከላኸላን ይሕለቓን እየን ተባሂለን ብተደጋጋሚ እየን ዝኽሰሳ።

ዩጋንዳ ዋላ’ኳ ጽኑዕ ሕጊ ጸረ ሕደጾታውነት እንተሃለዋ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት በዚ ጉዳይ ሰባት ከሲሳን ኣሲራን ኣይትፈልጥን።