ኣብ ኲናት ዘላ ዩክረይን፡ መውስቦ ሕደጾታ ሕጋዊ ትገብሮ’ዶ ትኸውን?

ኣብ 2019 ዝተገብረ ሰልፊ 'ፕራይድ' ሰላማዊ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዩክረይን፡ መውስቦ ሕደጾታ ሕጋዊ ንክኸውን ዝተገብረ ጻውዒት፡ እቲ ፕረዚደንት ንኽምርምሮ ዘኽእል እኹል ክታም ረኺቡ ኣሎ።

እቲ ጥርዓን ልዕሊ 28,000 ክታም ስለዝረኸበ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ መልሲንምሃብ 10 መዓልቲ ኣለዎ ማለት እዩ።

ግብረ ሕደጾታ ኣብ ዩክረይን ዘይሕጋዊ'ኳ እንተዘይኰነ እቲ መውስቦ ግን ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣይተዋህቦን።

እዚ ኸኣ ነቶም ደድሕሪ ወራር ሩስያ ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ንዝደልዩ ማሕበረሰብ ሕደጾታውነት ፍሉይ ጸገማት ኣስዒቡሎም እዩ።

ንኣብነት፡ ብመሰረት ሕጊ ዩክረይን ርክብ ሕደጾታ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ግንባር እንተ ሞይቱ መጻምዱ ነቲ ሬሳ ክርከብ ወይ ክቐብር ኣይክእልን እዩ።

እቲ ብኢንተርነት ዝቐረበ ጥርዓን፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ኽትከውን ትኽእል እያ" ይብል።

ሓደ ማሕበር ሕደጾታውነት፡ እቲ ጥርዓን ንኣባላት እቲ ማሕበረሰብ "ኣገዳሲ ህሞት" ከምዝኾነ ገሊጹ ኣሎ።

"ሰባት ንመጻምዶም ክርእዩ፡ ሬሳኦም ክወስዱን ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ካሕሳ ክሓቱን መሰል ኣለዎም" ክትብል ሃላፊት ህዝባዊ ርክባት 'ኪቭ ፕራይድ' ዝዀነት ኦክሳና ሶሎንስካ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ኵሎም ሰብ ሓዳር እዚ መሰላት እዚ ኣለዎም። መውስቦ ሕደጾታ ሕጋዊ ክኸውን ተስፋ ንገብር፣ ስለዚ ሰባት ንሓድሕዶም ክተሓላለዩ ይኽእሉ እዮም" ትብል።

ብመሰረት ሕጊ ዩክረይን፡ ልዕሊ 25,000 ክታም ዝኣከበ ዝዀነ ይዅን ጥርዓን ፕረዚደንት 'ታ ሃገር ንኽርእዮ ይግደድ። ይዅን እምበር፡ እዚ [ምርኣይ] ነቲ ሕጊ ክልወጥ ይገብር ማለት ከኣ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ነዚ ጕዳይ'ዚ ሕጋዊ ክገብሮን ዘይክገብሮን ከኣ ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ዩክረይን ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ሕደጾታውነት ውሕስነት ንምሃብ፡ ከምቲ ብ2015 ዝተኣታተወ ሕጊ ጸረ-ኣድልዎ ዝኣመሰለ ጻዕርታት'ኳ እንተ ተገብረ፡ ጽልኢ፡ ዘይተጻዋርነትን ዓመጽን ኣጋጢምዎም እዩ።

ብ2013፡ ተቓውሞታት እንተነበረ'ውን ኣብ ኪቭ ንመጀመርታ ግዜ ‘ፕራይድ’ ዝበሃል ወግዓዊ ሰልፊ ተገይሩ ነይሩ። እቲ ሰልፊ፡ ሓደ ዓመት ኣቐዲሙ ክግበር እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። እንተዀነ፡ እቶም ንሕደጾታውነት ክቃወሙ ዝተኣኻኸቡ ሰባት ነቶም ደገፍቲ ሰልፈኛታት ስለዘፍርሕዎም ተሰሪዙ።

ኣብ 2018 ኣብ ዝተገብረ ሰልፊ ‘ፕራይድ’ ከኣ ሰልፈኛታት ብዓቃባውያን ወተሃደራትመጥቃዕቲ ወሪድዎም እዩ።

ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻደ ሰልፊ ተሳተፍቲ መጥቃዕቲ ወሪድዎም ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እንተዀነ፡ እዚ ሓደጋታት እዚ እናሃለወ ክነሱ እቲ ሰልፊ ህቡብ እናዀነ ከይዱ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 7,000 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ከምዝነበሩ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ይገልጹ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ግንቦት ብኣህጉራዊ ትካል ሶሲዮሎጂ ኪቭ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመት ቍጽሪ ኣብቶም ማሕበረሰብ ሕደጾታውነት "ኣሉታዊ ኣረኣእያ" ዘለዎም ሰባት ካብ 60.4 ሚእታዊ ናብ 38.2 ሚእታዊ ነክዩ እዩ።

ኣስታት 12 ሚእታዊ ዝዀኑ ሰባት፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም፤ እዚ መጠን ቅድሚኡ 3 ሚእታዊ ጥራይ እዩ ነይሩ። 44 ሚእታዊ ዝዀኑ ኸኣ፡ ምንም ዘይግደሱ ምዃኖም ገሊጾም እዮም።