ስዑዲ ዓረብ፡ 'ሶዶምነት የተባብዑ' እትብሎም ቀስተ-ደመና ዝሕብሮም ኣቝሑ ካብ ድኳናት ተወግድ

ኣብ ሓደ ድኳን ደው ዝበለ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, SAUDI MINISTRY OF COMMERCE

ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ሕብሪ ቀስተ-ደመና ዘለዎም መፃወቲ ቘልዑን ክዳውንትን ንግብረ-ሶዶማውነት ዘተባብዑ ከምዝዀኑ ብምግላጽ ካብ ድኳናት ተወግዶም ምህላዋ ተሌቪዥን 'ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ብተሌቪዥን ኣል-ኤክባርያ ዝቐረበ ዜና ከም ዘመልክቶ፡ ሰብመዚ ንግዲ እታ ሃገር ኣብ ከተማ ሪያድ ዝርከባ ትካላት ንግዲ ዝሓዛኦም ቀስተ-ደመና ዝሕብሮም ኣዝዮም ብዙሓት ኣቝሑ ኣልዮም ኣለዉ።

መትሓዙ ጸጉሪ ርእሲ፡ ማልያታት፡ ቆቢዕ፡ መትሓዙ ርሳስ ካብ ሞንጎ እቶም ከም ዝእለዩ ዝተገብሩ ኣቝሑ እዮም።

ሓደ በዓል ስልጣን ስዑዲ፡ እቶም ናውቲ "ንእምነት እስልምናን ሞራል ሕብረተሰብን ዝፃረሩ፣ ንግብረ-ሶዶምነት ዘንጸባርቕን ዘተባብዕን ሕብሪታት ዘለዎም፣ ንሓድሽ ወለዶ ዒላማ ዝገበሩን እዮም፡" ክብል ገሊፁ'ሎ።

ሚኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣባላቱ "ምድንጋራት ዝፈጥሩ ንሓባራዊ ክብርታት ዝጻባእ ትእምርቲ ወይ ምልክት ዘለዎም ኣቑሑ" ከምዝሃገሩ ኣፍሊጡ።

እተን ከምዚ ዓይነት ኣቑሑ ክሸጣ ዝተረኽባ ድኳናት'ውን ሕጋዊ ስጕምቲ ከም ዝውሰደለን እቲ ሚኒስተር ኣጠንቂቑ'ሎ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ'ውን ቐጠር ሕብሪ ቀስተ-ደመና ዘለዎም ኣቝሑ ቘልዑ "ንእስላማዊ ክብርታት ዝጻረር መልእኽቲ ዘለዎም እዮም" ብምባል ካብ ድኳናት ከም ዝኣለየት ይዝከር።

እታ ሱኒ እስላም እትኽተል ስዑዲ ዓረብ፡ ንጾታዊ ዝንባለ ወይ ጾታዊ መንነት ዝምልከት ሕጊ'ኳ እንተዘይብላ፡ ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ፡ ይዅን ግብረሰዶማዊ ጾታዊ ርክብ ግን ብጥብቂ ክልኩል እዩ።

ብመሰረት ኣተረጓጕማኣ ንእስላማዊ ሕጊ ድማ፡ ሕደ-ጾታውያን ከከም ኵነታት ርክቦም ክሳብ ብሞት ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክትህብ ጸኒሓ እያ።

ኣብታ ሃገር፡ ወዲ ተባዕታይ ኰይኑ "ጓል ኣንስተይቲ መሲሉ ክርአ ዝፍትን" ወይ ክዳን ደቂኣንስትዮ ዝተኸደነ፡ ከምኡ'ውን ጓልኣንስተይቲ ኮይና ወዲ ክትመስል እትፍትንን ክዳን ደቂ ተባዕትዮ እትኽደንን ብሕጊ ተሓተትቲ እዮም።

መፃወቲ ቘልዑ

ምንጪ ስእሊ, Al-Ekhbariya

ብዘይካ'ዚ፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ኦንላይን "ንሕጊ ማሕበረሰብ፡ ክብርታት ሃይማኖት፡ ሕብረተሰባዊ ሞራል" ዝጻረር ነገራት ዘቕረቡ ዘይሕጋውያን ይቝጸሩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ "ዶክተር ስትረንጅ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ፊልም ኣብ ኣብያተ ሲነማ ስዑዲ ዓረብ ከይረኣይ ተኣጊዱ ነይሩ። ቀንዲ ምኽንያት ከኣ "ንሕደ ጾታውነት ዝምልከቱ" ትሕዝቶታት ካብቲ ፊልም ክእለዩ ዝጠልብ ሕቶ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብኣዳለዊ እቲ ፊልም ዲስነይ (Disney) ተቐባልነት ዘይምርካቡ ነይሩ።

ንትካል ፊልም ዲስነይ ዝቐረበ ምንጪ ብሰሉስ ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፡ 'ላይት ይር' ዝብል ዝኣርእስቱ ሓድሽ ኣኒሜሽን ፊልም'ውን ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎም ገፀ-ባህርያት ክሰዓዓሙ ስለ ዝረኣዩ ብሰበስልጣን ስዑዲ ተኣጊዱ።

ሰበስልጣን ስዑዲ ነቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብዝምልከት ዝሃብዎ መረጋገፂ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ሲነማ ግን ነቲ ፊልም ከርእያ ምዃነን ዝገልጽ መወዓውዒ ከቕርባ ኣይተራእያን።

ሚኒስትሪ ባህሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ 'ላይት ይር' [Lightyear] ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ፊልም "ንደረጃታት ትሕዝቶ ሚድያ እታ ሃገር ዝጥሕስ" ብዝብል ብሰኑይ ከምዝኣገዶ ኣፍሊጡ'ሎ።