ኣርማ ሕደ-ጾታውያን ዘለዎ ማልያ ኣይለብስን ዝበለ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ

እንግሊዛዊት ክሪስታል ፓላስ ዝጻወት ሸይኩ ኮታየን የማን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ፒ-ኤስ-ጂ ዝኾነ ሰኔጋላዊ ተጻዋታይ ኣርማ ሕደ-ጾታውያን ንዘለዎ ማልያ ተሓሲሙ።

ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ፒ-ኤስ-ጂ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ናይ ሕደ-ጾታውያን ኣርማ ዘለዎ ማልያ ንከይለብስ ካብ ጸወታ ከምዝቦኸረ ተገሊጹ።

ወዲ 32 ዓመት ኢድሪስ ጒየ፡ ነቲ ማልያ ንዘይምኽዳን፡ ኣብቲ ብቐዳም ጋንትኡ ዘካየደቶ ግጥም ከምዘይተሳተፈ ጸብጸባት ሓቢሮም።

ኣሰልጣኒ ናይታ ጋንታ ማውሪስዮ ፖቸቲኖ፡ እቲ ተጻዋታይ "ብውልቃዊ ምኽንያት" ከምዘይተሳተፈ ተዛሪቡ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ብወገኑ፡ ጒየ ስለምንታይ ካብቲ ግጥም ከምዝቦኾረ መብርሂ ክህብ ሓቲቱ'ሎ።

ቢቢሲ ርእይቶ ናይቲ ተጻዋታይ ንምርካብ ንወኪሉ ተወኪስዎ'ሎ።

ምስ እንግሊዛዊት ክሪስታል ፓላስ ዝጻወት ሸይኩ ኮታየን ኣባል ጋንታ ዋትፈርድ ኢስማዒላ ሳርን፡ ነቲ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ብጻዮም ዝኾነ ጒየ ዘለዎም ደገፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም ኣለዉ።

ኮያተ፡ ምስቲ ኣባል ጋንታ ፒ-ኤስ-ጂ ዝተሳእሎ ስእሊ ብምልጣፍ "ሓቀኛ ሰብኣይ" ክብል ጽሒፉ። ሳር ብወገኑ፡ ብሰለስቲ ኢሞጂ ልቢ ዝተሰነየ ምስ ጒየ ዝተሳእሎ ስእሊ ብምልጣፍ "100%" ከምዝድግፎ ኣሚቱ።

እንግሊዛዊት ክለብ ዋትፈርድ፡ ንኣባላ ዝኾነ ሳር ዝጸሓፎ ግብረመልሲ ብምሃብ፡ ንማዕረነትን ብዙሕነትን ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ፡ "ንሰራሕተኛታቱ ተወሳኺ ትምህርትን ደገፍን ክህብ ድሉው" ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

ኣሰልጣኒ ክሪስታል ፓላስ ፓትሪክ ቬራ ብወገኑ፡ ተጻዋታይ ጋንታኡ ንጒየ ብምድጋፍ እንተጽሒፉ "ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበር ዝርርብ" ክህልዎ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ክለባት ፈረንሳ፡ ብኣጋጣሚ 17 ግንቦት መዓልቲ ኣንጻር ጽልኣት ሕደ-ጾታውያን፡ ተጻወተን ቀስተ-ደመና ዝሕብሩ ቁጽሪ ዘለዎ ማልያታት ብምኽዳን ደገፈን ክገልጻ ድሕሪ ዝቐረበለን ዕድመ'ዩ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ ዘሎ።

ሰኔጋላዊ ጒየ ኣብ 2019 ብ30 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ፒ-ኤስ-ጂ ምስግጋሩ ይፍለጥ።

እቲ ካብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ፈንሳ ዝተላእከሉ ደብዳበ "ናይ ይቕሬታ መግለጺ ከውጽእ" ዝጠልብ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ጠቒሱ።

ከም ብዓል ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ሊዮነል መሲ ዝበሉ ተጻወቲ ዝሓቖፈት ክለቡ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ግን "ነዚ ማልያ ምኽዳን ኣዝዩ የሕብነና" ኢላ ኣላ።

ሓያሎ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ሰኔጋል ድማ ነቲ ተጻዋታይ ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ኣለዉ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ማኪ ሳል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ እስላማዊ እምነት ናይቲ ተጻዋታይ ክኽበር ተማሕጺኑ'ሎ።

ሚኒስተር ስፖኣር ማታር ባ ብወገኑ፡ ህዝቢ ሃገሩ ነቲ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ የከምዝድግፎ ብምግላጽ፡ ምስቲ ተጻዋታይ ናብ ቅድስቲ ቦታ እምነት እስልምና ዝኾነት መካ ኣብ ዝኸድሉ ዝተሳእልዎ ስእሊ ብምልጣፍ ዘለዎ ደገፍ ኣነጺሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ገለ ኤምሲታት ኣውሮጳ ኣብ ዛምቢያ፡ ንመሰላት ሕደ-ጾታውያን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፡ ቀስተ-ደመና ዝሕብራ ባንዴራ ምስቃሎም ኣብታ ሃገር ቁጠዐ ፈጠሩ።

ኤምባሲታት ስዊድንን ፊንላንድን፡ ንመዓልቲ ሕደ-ጾታውያን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፡ ነታ ኣርማ ማዕረ ባንዴራታት ሃገራቶም ከተንበልብል ምግባሮም ካብ ህዝብን ፖለቲከኛታትን ዛምቢያ ነቐፌታ ኣስዒብሎም ኣሎ።

ኣብ ዛምቢያ፡ ሕደ-ጾታዊ ዝምድናታት ብሕጊ ዝተኸልከለ ምዃኑ ይፍለጥ።

"መሰላት ሕደ-ጾታውያን ሰብኣዊ መሰላት'ዩ" ክብል ኤምባሲ ስዊድን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣምባሳደር ፊንላንድ ብሸነኹ፡ "ንሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ደው ኢልና ኣለና" ክብል ገሊጹ።