ብጭደላዊ ፍጥረታ ዝተቐትለት ኬንያዊት መንእሰይ

ኬንያውያን ወለዲ፡ ብልዕቲ ወድን ጓልን ሒዛ ዝተወልደት [ጨደል] ጓሎም ብጭካነ ዓሚጾም ብዘሰቅቕ ኣገባብ ዝቐተሉዋ ገበነኛታት፡ ኣብ ሕጊ ንኽቐርቡ ሕብረተሰብ ክተሓባበሮም ተማሕጺኖም።
እታ "ለዋህን ሓያል ነብሰ ምትእምማን ዝነበራ ጽንዕቲ" ክብሉ ዝገለጽዋ ጓሎም፡ ብልዕቲ ወድን ጓልን ሒዛ ስለእተወልደት ንሰብኣዊ ፍጥረታ ዝተጸየፉ ጕጅለ እዮም ቀቲሎምዋ።
ወላዲኣ ኣቶ ሉምምባ "ነቶም ንጓለይ ዝቐተሉ ሰባት ነዛ ንዓይነይ ክርእዮምን ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰደሎምን እደሊ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅትለት ናይዛ ጓል 24 ኬንያዊት መንእሰይ ሺላ ሉምማባ፡ ኣብ መላእ ኬንያ ዓቢ ቁጥዐን ነውጽን ኣለዓዒሉ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ "ፍትሒ ንሺላ" ዝብል # ሃሽታግ (#JusticeForSheila) ተዘርጊሑ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ሓያሎ ጥርጡራት ቃለ-መጠይቕ እኳ እንተ ተገብረሎም፡ ፖሊስ ግን ነቲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ንየሪ፡ ኣብ ከተማ ካራቲና ንዘጋጠመ ቅትለት ወግዓዊ ክሱስ ኣይረኸበን።

ምንጪ ስእሊ, Sheila Lumumba/Facebook
ኬንያ፡ ኣብ ልዕሊ ሕደ-ጾታውያን ጽኑዕ ሕግታት ኣለዋ። ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ከኣ እቶም ዝተፈልየ ጾታዊ ድሌታት ዘለዎም ኣባላት ማሕበረሰብ 'LGBT'፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣኽበርቲ ሕጊ ቀጻሊ ኣድልዎን ሕስረትን ከምዘጋጥሞም እዮም ዝገልጹ።
ንስድራ ሺላን ንኣቦኣን ኣደኣን ጆን ሉሙምባን ሚሊስንስ ኦሎን "ናቫሻ" ኣብ እትበሃል ዓባይ ከተማ ኣብ ገዛኦም ረኺብናዮም። እቶም ስድራ ጓሎም ፈቃርን ሕያወይትን ቈራጽን ሰብ ምንባራ ብምግላጽ ክሳብ ዕለተ ሞታ ብዝዓመመቶ ነገራት ኣዝዮም ሕቡናት ከምዝኾኑ ገሊጾምልና።
ብረንዳ ኦሎ፡ ሞት ጓል ሓወቦኣ ሺላ ሉምምባ ኣብታ ስድራ ኣዝዩ ከቢድ ሓዘን ከምዝፈጠረ ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ስለምንታይ ሺላ ከምዝተቐትለት ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተገብረ ጭካነ እዩ። እዛ ሰብ እንታይ እያ ገይራ? እንታይ ኣቢሳ? ክሳዕ ክንድዚ ንህይወታ ዝቐዘፈ ጽልኢ ካብ ምንታይ እዩ መጺኡ" ኢላ።
"ሕማቕ ከጋጥማ ይኽእል እዩ ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን። ከም ሰብ ሓያል እያ ነይራ። ልዑል ነብሰ ምትእምማን ነይርዋ። ሕጂ'ውን ንሞታ ኣይተቐብለናዮን፣ ምእማን ኢና ስኢንና ዘሎና፡"ኢላ ።
ኣብ ኬንያ ናይ ዝርከባ ብዛዕባ መሰላት ግብረሶዶማውያን ዝጣበቓ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት መርበብ ስድራ ቤት መዋቲት ፍትሒ ንኸረኽቡ ይሰርሕ ኣሎ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ መዋቲት ሺላ ሉምምባ ኣብዚ ሰሙን 'ዚ ክፍጸም እዩ ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







