ንደቂኣንስትዮ ዘጕሃየ ውሳነ ምዕጻው ትካላት ስነጽባቐ

እትፀባበቕ ዘላ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መላእ ኣፍጋኒስታን ዝርከባ ትካላት ጸጕርን መመላኽዕን ብትእዛዝ ጣሊባን ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ክዕጸዋ እየን።

እተን ትካላት ብምዕጻወን ድማ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ክስእኑ እዮም።

ጣሊባን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዳግማይ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ እዘን ትካላት ስርሐን ክቕጽላ ተፈቒዱለን እኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ውሳነኡ ቀይሩ ኣሎ።

እቲ ውሳነ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ዕድላት ዝያዳ ዝድርት ክኸውን’ዩ። ቅድም ክብል ካብ ትምህርቲ፡ ጂምን መናፈሻታትን ከምዝተኸልከላ ይፍለጥ።

ጓል 23 ዓመት ዛርሚና ኣብ እንዳ ጽባቐ ኮፍ ኢላ ጸጕራ ጸሊም ቡናዊ ሕብሪ እናተለኸየት ከላ እዩ ውሳነ ምዕጻው እዋኑ ከምዝቐረበ ዝሕብር ዜና ዝተሰምዐ።

"ዋና እቲ እንዳ ስነጽባቐ ብጣዕሚ ሰንቢዳ፡ ክትበኪ ድማ ጀሚራ። ንሳ እያ ሰሪሓ ንስድራኣ ትቕልብ" ትብል እታ ኣደ ክልተ ቈልዑ።

"ሸፋሽፍቲ ዓይነት እናተስተካኸሉ ናብ መስትያት'ውን ክጥምት ኣይከኣልኩን። ኵሉ ሰብ ይነብዕ ነይሩ፤ ስቕታ ነጊሱ።"

ዛርሚና ኣብታ ላዕለዋይ መራሒ ጣሊባን ዝነብላ ኣብ ደቡባዊ ኣፍጋኒስታን እትርከብ ከተማ ካንዳሃር እያ ትነብር።

ኣብታ ከተማ ደቂ ተባዕትዮ ኣዋልድ ደቆም ሜክኣፕ ከይገብራ ወይ ናብ እንዳ ጽባቐ ከይከዳ ምእጋድ ልሙድ ምዃኑ ትዛረብ።

"መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ቡርቃ ወይ ሕጃብ ተኸዲነን እየን ዝንቀሳቐሳ። ነዚ ድማ ከም ኣካል ባህልና ተቐቢልናዮ ኣለና፡" ትብል።

ዛርሚና ኣብ 16 ዓመት ዕድመኣ እያ ተመርዕያ። ኣብቲ እንዳጽባቐ ከይዳ ምስ ሰባት ክተዕልል ከላ ዝተወሰነ ስምዒት ናጽነት ንኽህልዋ ይገብር ምንባሩ ትገልጽ።

"ንበይነይ ካብ ገዛይ ክወጽእ ኣይተፈቕደለይን ነይሩ። ግን ከኣ ንሰብኣየይ ግን ኣእሚነ ኣብ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ናብቲ ሳሎን ጽባቐ ክኸይድ ይፈቐደለይ" ክትብል ተረድእ።

ምስ ሓንቲ ጐረቤታ ኰይና ናብቲ እንዳጽባቐ ትኸይድ ነይራ።

"ኣብ ሕሉፍ እዋናት ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ንሰብኡተን ጽልዋ ዝገብራሉ መንገድታት ይዛረባ ነይረን። ገሊአን ድማ ብዛዕባ ዘይውሕስነተን ብዘይስክፍታ ይገልጻ።"

ጣሊባን፡ ድሕሪ ምስሓብ ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ነሓሰ 2021 ኣብታ ሃገር ዳግማይ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ግን እቲ ቍጠባዊ ቅልውላው በብቕሩብ ኣብ ህይወተን ጸቕጢ ከሕድር ጀሚሩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ብቐጻሊ እናነከየ መጺኡ።

"ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ስእነት ስራሕ፡ ኣድልዎን ድኽነትን ጥራይ እየን ዝዛረባ" ትብል ዛርሚና።

ጸጋን ጽባቐን

መዲና ካብ ገዛኣ ክትወጽእ ከላ ርእሳ ብመጐልበቢ ትሽፍን። ሕብራዊ ጸጕራ ክርእዩ ዝኽእሉ በዓል ቤታን ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ስድራኣን ጥራይ እዮም።

እዛ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ካቡል ትነብር ኰይና በብእዋኑ ንዝመጽኡ ቅዲታት ጽባቐ ኣብ ኢንተርነት ብጥንቃቐ ናይ ምክትታል ልምዲ ኣለዋ።

"ኵለን ዝፈልጠን ደቂ ኣንስትዮ ሓደሽቲ ቅዲታት ክኽተላ ይፈትዋ እየን። ኣነ’ውን እዋናዊ ፋሽንን ሜክኣፕን ኣዝየ እየ ዝፈቱ" ትብል።

ናብ ሳሎን ጽባቐ ምኻዳ ንሓዳራ ወትሩ ሓድሽ ኰይኑ ክቕጽል ከም ዝገበሮ ትዛረብ።

"በዓል ቤተይ ንጸጕረይ ብዝተፈላለየ ሕብርን ቅዲን ክርኢ ይፈቱ ነይሩ። ኵሉ ግዜ ናብ ሳሎን ጽባቐ ምሳይ እናኸደ ኣብ ኣፍደገ ብትዕግስቲ ይጽበየኒ" ትብል ብኹርዓት።

"ክወጽእ ከለኹ ንመልክዐይ ይንእድ፤ እዚ ድማ ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥረለይ፡" ትብል።

ገፃ መፀባበቒ ትቀባባእ ዘላ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትምኒታ ጠበቓ ምዃን እኳ እንተነበረ፡ ጣሊባን ግን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከይከዳ ኣጊዶም ኣለዉ። ደቂ ኣንስትዮ ካብ ካልኦት ብዙሓት ንጥፈታት ስለዝተኣገዳ ድማ ካብ ሽዑ ጀሚራ ስራሕ ክትረክብ ኣይከኣለትን።

መዲና ቈልዓ ከላ ምስ ኣደኣ ናብ ሳሎን ትኸይድ ነይራ። ሽዑ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ህይወተን ብኸመይ ብግልጺ የዕልላ ከምዝነበራ’ውን ትዝክር።

"ኣብቲ ሳሎን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ሕጂ ሓጺር ቀምሽ ወይ ጂንስ ኣይክደናን እየን። ኵለን ሕጃብ ይኽደና"

ፍርሒ ኣብ ኵሉ ቦታ ነጊሱ ኣሎ።

"መን ደጋፊ ጣሊባን ምዃኑ ዝፈልጥ የለን፤ ብዛዕባ ፖለቲካ ክዛረብ ዝደሊ ዝዀነ ሰብ 'ውን የለን" ክትብል ተረድእ።

ቀደም መርዑት መርዓቶም ክትጸባበቕ ከላ ኣትዮም ክርእዩ ይፍቀደሎም ነይሩ። መዲና ገለ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ውሽጢ እንዳ መሻጢት ኣትዮም ክስእሉ ከለዉ ከይተረፈ ትዝክር። እዚ ዅሉ ሕጂ ተኣጊዱ ኣሎ።

መዲና ግን እንተወሓደ ብዛዕባ እታ ናይ ህይወታ “ዓባይ ዕለት" [መዓልቲ መርዓኣ] ዘሐጕስ ተዘክሮታት ከምዘለዋ ትዛረብ።

"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንመርዓይ ናብ እንዳ ጽባቐ ከይደ ምሉእ መመላኽዒ ገይረ ነይረ" ክትብል ትዝክር።

ኣስዒባ፡ "ንነብሰይ ብመስትያት ክርእያ ከለኹ ኣዝየ ጽብቕቲ እየ ነይረ። ብጣዕሚ ቀይሩኒ እዩ። ሽዑ ሓጐሰይ ክገልጾ ኣይከኣልኩን ነይረ" ትብል።

ሕቡእ ፍወሳ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ማዛር-ኢ-ሸሪፍ ንእትነብር ጓል 27 ዓመት ሶማያ፡ እንዳጽባቐ ኣገዳስነቱ ዝለዓለ እዩ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ገጻ ሓደጋ ምንዳድ ሓዊ ኣጋጢምዋ ነይሩ። መንቀሊ እቲ ሓደጋ ድማ ኣብ ገዛኣ ዝነበረ መሞቒ ምፍንጃሩ ኰይኑ ንቕርኒብን ሽፋሽፍትን ዓይና በሊዕዎ።

"ገጸይ ንምርኣይ’ኳ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን። ኣዝየ ሕማቕ ኰይነ ነይረ" ትብል ስምዒት ሓዘን ብዝዓብለሎ ድምጺ።

"ቅርኒብ ዓይነይ ስለ ዝጠፍአ ኵሉ ሰብ ዝጥምተኒን ዝስሕቐኒን ይመስለኒ ነይሩ። ንሓደ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ገዛይ ኣይወጻእኩን። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ነቢዐ" ክትብል ትዝክር።

ቁስላ ብሕክምናዊ ሓገዝ ክሓዊ እንከሎ ሳሎን ጽባቐ ድማ ስምዒታ ንክሓዊ ሓጊዝዋ።

"ናብ እንዳ መመላኽዒ ከይደ ማይክሮ-ብሌዲንግ [ቀዋሚ ናይ መመላኽዒ ውቃጦ (‘ታቱ’)] ገይረ። ኣዝዩ ዝሓሸ መልክዕ ከም ዝህልወኒ ድማ ገይሩ" ትብል።

"ሽዑ ንቅርኒብ ዓይነይ ምስ ረኣኽዎ ክበኪ ጀሚረ። ንብዓት ሓጐስ'ዩ ነይሩ። እቲ እንዳ ጽባቐ ህይወተይ እዩ መሊሱለይ።"

ብስነ-ልቦና ማስተርስ ዲግሪ ዘለዋ ሶማያ ከም ኣማኻሪት ጥዕና ኣእምሮ ኰይና እያ ትሰርሕ። ጣሊባን ሰፊሕ እገዳታት ካብ ዝገብር ንደሓር ቍጽሪ ኣገልግሎታ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ትዛረብ። ንሳ ጥራይ ኣይኮነትን ነቲ ናይ ጽባቐ "ፍወሳ" እትጥቀመሉ።

"ንዓና ሳሎናት ጽባቐ ማለት መጸባበቒ ካብ እትቀባብኣሉ ቦታታት ንላዕሊ እዩ ትርጕመን። ሓዘንና ክንሓብእ እየን ዝሕግዛና። ጸዓትን ተስፋን ይህባና" ክትብል ትገልጽ።

ኣብ ሳሎን ፅባቐ ዝተኣኻኸባ ኣንስቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዛርሚና እውን በዚ ሓሳብ ትሰማማዕ። ኣብ ሰነ ኣብ ዝነበረት ሓንቲ መዓልቲ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ዝኸደትላ እንዳጽባቐ ናብ ገዝኣ እናተመለሰት ከላ ንዝነበረ ኵነታት ንድሕሪት ተመሊሳ ትዝክር።

ነታ ዝነበረታ ንእሽተይ ናጽነት ትስእን ከም ዘላ ምሉእ ብምሉእ ትፈልጥ ነይራ።

"ኣብቲ እንዳጽባቐ ሕሳበይ ባዕለይ ይኸፍል ነይረ። ብርታዐን ሓይልን እዩ ዝህበኒ። ገንዘብ ኣለኒ ግን ድማ ንጽባቐ ነብሰይ ከውዕሎ ኣይክእልን እየ። እዚ ድማ ድኽምቲ ዝዀንኩ ኮይኑ ይስምዓኒ" ትብል።

(ኵሎም ኣብዚ ዛንታ ዘለዉ ኣስማት ተቐይሮም እዮም።)