ጠፈርተኛ ክትከውን እናብሃገት ኣብ ባሕሪ ኢጣልያ ዝጠሓለት መንእሰይ

ማእዳ ሑሴኒ

እታ ብ26 ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዝጠሓለት ጃልባ፡ መብዛሕትኦም ኣፍጋናውያን ዝዀኑ ኣስታት 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት እያ ነይራ። ካብቶም ዝሞቱ፡ ሓንቲ ጠፈርተኛ ክትከውን ዝደለየት ጓል 17 ዓመት መንእሰይ ትርከቦም።

ማእዳ ሑሴኒ ጠፈርተኛ ናይ ምዃን ድሌታ ንናሳ ከይተረፈ ጽሒፋ ነይራ።

እዚ ንሓንቲ ጓል 17 ዓመት ንእስቲ ዘይብጻሕ ክመስል ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ እቲ ደረት ሰማይ ጥራይ እዩ።

ኣብ ነሓሰ 2021 ጣሊባን ስልጣን ምስ ተቘጻጸረ፡ ስድራኣ ናብ ኢራን ምስ ሃደሙ'ውን ማእዳ ሕልማ ኣይገደፈቶን

ኣውሮጳ ኣትያ፡ ትምህርታ ምቕጻል እዩ ነይሩ ዕድላ።

ብመሬት ኣቢላ ናብ ቱርኪ ብምጕዓዝ፡ ድሕሪኡ ባሕሪ ክትስንጥቕ ወሰነት። ኣደኣ ኣመና ተጨነቐት፡ ማእዳ ግን ካብ ጕዕዞኣ ኣይተረፈትን።

"'እዛ ጓለይ ኪዲ ኣምላኽ ይሓልኺ' ኢለያ" ትብል ማህታብ ፈሮው፤ "ዓቕሚ ነይርዋ፤ ኣደኣ እየ፡ ኣነ እየ ኣዕብየያ፡" ትብል።

ማእዳ ሓንቲ ካብቶም ብ22 ለካቲት ካብ ቱርኪ ኣብ ዝተበገሰት ጃልባ ዕንጸይቲ ዝነበሩ 200 ዝግመቱ ስደተኛታት እያ ነይራ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ድማ፡ እታ ጃልባ ኣብ ክሮቶነ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ተበታተነት።

“ሰላም ማማ ጽቡቕ ክትህልዊ ተስፋ እገብር፣ ኣነ ጽቡቕ ኣለኹ ሕጕስቲ እየ። ገና ኣብታ ጃልባ ኣለኹ፤ ድሕሪ 30 ደቓይቕ ክንወርድ ኢና።”

ማህታብ፡ ድምጺ ሞተር ጃልባን ማዕበልን ዝነበሮ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ጓላ ዝረኸበቶ ናይ ድምጺ መልእኽቲ እዩ ነይሩ።

ድሕሪኡ መልእኽቲ ጽሑፍ።

"ክብርቲ ማማ ዳርጋ ኣብ ኢጣልያ ኣለኹ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ክወርድ እየ። ኣነ ሕጕስትን ጥዑይትን እየ፡ ኣይትጨነቒ።”

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዕዞ፡ እቲ ሓደጋታት ኣዝዩ ልዑል ስለዝዀነ መንእሰያት ደቀንስትዮ በይነን ክጓዓዛ ሳሕቲ'ዩ። እንተዀነ ግን ማህታብ በዅሪ ውላዳ ቈራጽነት ዝመልኣ ከም ዝነበረት ትምስክር።

ማእዳ፡ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ኣቢሉ ካብ ኢራን ናብ ቱርኪ ዶብ እናሰገረት ኣብ እግራ ብጥይት ተሃሪማ ነይራ። እታ ጥይት ን10 መዓልታት ኣብ እግራ ጥይት ምጽንሓ ግን ኣይዓገታን።

ማእዳ ሑሴኒ

እታ መንእሰይ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ሓያለ ዘይዕዉታት ፈተነታት ከምዘካየደት ስድራኣ ይዛረቡ።

"ብዛዕባኣ ተጨኒቐ ነይረ፡ ናብ ኢራን ክትምለስ ድማ ሓቲተያ" ትብል ኣደኣ። "'ንወጻኢ ሃገር ክትከዲ ኢልኪ፡ ደጋጊምኪ፡ ደጋጊምኪ ምፍታን ኣየድክመክን ድዩ?' ኢለያ።"

በዚ ዘሕዝን ፍጻመ ብውሕዱ 70 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሬሳ ማእዳ ገና ኣይተረኸበን።

እቲ ቀታሊ ጕዕዞ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቱርኪ ቀንዲ መተሓላለፊት ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ኣፍጋናውያን እያ። እቶም ስደተኛታት ብባልካን ኣቢሎም ንላዕሊ ገጾም ብምኻድ ይሰግሩ ወይ ድማ ብባሕሪ ቈሪጾም ናብ ከም በዓል ኢጣልያ ዝኣመሰላ ሃገራት ይበጽሑ።

ወግዓዊ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ 2022 ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፣ ስዊዘርላንድን ኖርወይን ዝቐርብ ሕቶታት ዕቝባ 13% ኣፍጋናውያን ነይሮም።

ሓደ ኢራናዊ ካብዛ ጕዕዞ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ተሪፉ።

“ኣብታ መርከብ ካብ 60 ክሳብ 70 ሰባት ጥራይ ከም ዝኣትዉ እዩ ተነጊሩና" ይብል ሓደ ካብ ተሳፈርቲ።

“ኣብታ ካብ ኢስታንቡል ናብ ኢዝሚር ብናይ ጽዕነት መኪና ክንብገስ ዝግበኣና ዝነበረት ምሸት ግን፡ መብዛሕትኦም ኣፍጋኒስታናውያን ስድራቤታት ዝዀኑ ብውሑዱ 117 ሰባት ከምዘለዉ ተረዲእና፡” ይብል።

“ከምዚ ሓደ ሕማቕ ሕልሚ ጥራይ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ክኣምኖ ኣይከኣልኩን፡” ይውስኽ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ፍጻመ ብምውዳቝ ብስንባደ። “ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝዀነ ነገር ኣይኣምንን እየ፤ ህይወት ትርጕም የብላን።”

እታ ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ምስ ወጸት ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ከምዝተበላሸወት ክልተ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብድሕሪኡ እቶም ኣሰጋገርቲ ካልእ ጃልባ ሰዲዶም፤ ሰባት ከኣ ናብኣ ተሰጋጊሮም።

ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ኣፍጋናዊ፡ እቲ ምጉዓዝ ጽንኩር’ኳ እንተነበረ፡ ናብ መሬት ምስ ቀረቡ ግን ተስፋ ከምሕደሩ ይዛረብ።

"ድሕሪኡ ካልእ መርከብ ቀሪባ መብራህታ ኣብ ጃልባና ደጕሓቶ። እቶም ካፕተናትና ሰንቢዶም ነታ ጃልባ ክመልስዋ ፈቲኖም፡” ይብል።

“ጃልባና ክልተ-ሰለስተ ግዜ ምስ ዘረት፡ ምስ ገለ ነገር ብብርቱዕ ተላቲማ፡ ተበታቲና። ስድራቤታትን ህጻናትን ኣብ ታሕተዋይ ክፋል፡ ደቂ ተባዕትዮን ንውልቈም ዝነበሩ ስደተኛታትን ከኣ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ነይሮም፡” ክብል ይውስኽ።

“ሽዑ እታ ጃልባ ማይ መሊኣ፡ ኣብ ክሳደይ በጺሓ። ድሕሪኡ ዘይቲ ጨንየ ሃለዋተይ ኣጥፊአ። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይዝክሮን እየ።”

እቲ ተሳፋሪ፡ ኣንሳፊፉ ኣብ ገምገም ብምብጻሕ ሓደ ካብቶም 80 ዝደሓኑ እዩ። ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ኣዝማዱ ግን እንታይ ከም ዘጋጠሞም ኣይተፈልጠን።

ሰበስልጣን ኢጣልያ፡ 'ካፕተናት' እታ ጃልባ ምዃኖም ዝጠርጠርዎም ሰለስተ ሰባት፤ ሓደ ቱርካዊን ክልተ ፓኪስታናዊያንን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።

ፖሊስ ኢጣልያ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብታ ጃልባ ንኽስቀል 8500 ዶላር ከም ዝኸፈለ ይግምቱ።

ብመሰረት ጸብጻብ ተቘጻጸርቲ ጕጅለታት፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ኣብ ባሕሪ ሞይቶም ወይ ሃለዋቶም ጠፊኡ እዩ።

'ሳእኒ ሓወይ ጥራይ እየ ረኺበ'

ዜና ናይቲ ፍጻመ እናተዘርግሐ ምስ ከደ፡ ስድራቤታት ዝጠፍኡ ኣዝማዶም ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ናብ ደቡባዊ ኢጣልያ ክኣትዉ ጀመሩ።

ጓል 47 ዓመት ላይላ ቲሞሪ ካብ ጀርመን ብዘይ ዕረፍቲ መኪና ዘዊራ እያ ኣብቲ ቦታ በጺሓ።

"ድሕሪ እዚ ዅሉ ዓመታት ኣብ መወዳእታ ንሓወይ ክርእዮ እየ ኢለ ሓሲበ ነይረ። ንኽርእዮ ንሸውዓተ ዓመት ተጸቢየ።"

ላይላ ኣብ 2015 ካብ ዞባ ኩንዱዝ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምውጽኣ፡ ነታ ምስ ሓዋ ዛቢህ ዝገበረታ ናይ መወዳእታ ሓጻር ስንብታ ክሳብ ሕጂ ትዝክር።

“ምናልባት ኣብ መጻኢ ዳግማይ ከይንራኸብ ስለንኽእል ይቕሬታ ተሓታቲትና።”

ኣኪፍ (6)፣ ሓሲብ (18 ወርሒ)፣ ኣሪፍ (4)

ኣብታ ጃልባ ወዲ 33 ዓመት ዛቢህ ቲሞሪ፡ ጓል 23 ዓመት በዓልቲ ቤቱ ሚናን፡ ደቆም ሓሲብ፡ ዓሪፍን ኣኪፍን ኣብታ ጃልባ ነይሮም።

ላይላ፡ ዛቢህ ኣብ ዝሓለፈ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝሰርሐን ካብ ጣሊባን ዝሰግእን ጠበቓ ምንባሩ ትዛረብ።

“ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ፡ ቀዳማይ ዝተጓነፈኒ ሬሳ ወዲ 18 ወርሒ ወዲ ሓወይ ሓሲብ'ዩ” ትብል ላይላ ንቢቢሲ።

“ንሳቶም [ሰበስልጣን ኢጣልያ] ናብ ሓደ ክፍሊ ወሲዶም መንነቶም ንምፍላጥ ኣሳእል ሂቦምኒ፤ ስእሊ ናይቶም ዝሞቱ፡ ስእሊ ናይቶም ኣብ ሆስፒታል ዘለዉ ሰባትን ስእሊ ናይቶም ኣብ መዓስከር ዝርከቡ ብህይወት ዝተረፉን። ዝተረፉ ስድራይ ግን ክርእዮም ኣይከኣልኩን፡” ትብል።

ብድሕሪኡ ላይላ ንስድራኣ ክትደሊ ናብ ገምገም ባሕሪ ከደት።

"ኮፍ ኢለ ጥራይ ክጽበ ኣይከኣልኩን፡ ኣብቲ ስብርባር ጃልባ ክዳውንቲ ርእየ። ሓወይ፡ ሓገዘይ ክጽበ ኣብ ሑጻ ክቕበር ይኽእል'ዩ ዝብል ስምዒት ነይሩኒ፡” ትብል።

"እቲ ክረኽቦ ዝኸኣልኩ ጫማኡ ጥራይ'ዩ። ድሒረ ቦርሳ በዓልቲ ቤቱ ረኺበ።"

ላይላን ጓላን ካብ ሽዑ ጀሚረን ካልእ ኣሰር ኣይረኸባን። እቲ እንኮ ተስፋአን እቲ ሬሳታት ኣብ መወዳእታ ናብ ገምገም ባሕሪ ከንሳፍፍ ጥራይ እዩ።

“ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ፍርቂ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ጥሒሎም ኣብ ታሕተዋይ ባሕሪ ከምዘለዉ ንሰምዕ ኣለና።”

“እቲ ሬሳታት ነዚ ዅሉ መዓልታት ኣብ ማይ ድሕሪ ምጽናሑ'ውን ምልላይ ኣይከኣልን እዩ" ትብል ላይላ።

“እቲ እንደልዮ ነገር እንተሃልዩ፡ ሬሳታት ንፈትዎም ሰባት ረኺብና ብሰላም ንኽዓርፉ ናብ ዓዶም ክንሰዶ ጥራይ'ዩ።"

ላይላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናብ ኢራን ክንምለስ፤ ወለዲ ማእዳ ብስራት ክሰምዑ ክሳብ ሕጂ ይጽልዩ ኣለዉ። ኣብ ኢራን ዝርከቡ ስደተኛታት ብምዃኖም፡ ጓሎም ከናድዩ ናብ ኢጣልያ ንምኻድ ቪዛ ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም።

“እጽበያ ኣለኹ” ትብል ኣደኣ ማህታብ። “ዝዀነ ሰብ ቀብሪ ክገብረላ ኣይፈቐድኩን። ዝዀነ ሰብ ጽንዓት ይሃብኪ ክብለኒ ኣይፈቐድኩን።”

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ካብ ዝቈጻጸር ንደሓር፡ ብዙሓት ኣዋልድ ከም ትምህርቲ ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት ተነፊገን እየን።

ማእዳ፡18 ዓመት ቅድሚ ምምላኣ ናብ ኣውሮጳ ብምብጻሓ፡ ከም ኣካል ናይቲ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መደብ፡ ወለዳን ሰለስተ ንኣሽቱ ኣሕዋታን ክጽንበሩዋ ተስፋ ገይራ ነይራ።

‘ኵሉ ግዜ 'ማማ በጃኻ ከማኺ ኣብ ንኡስ ዕድመ ኣይተመርዕውኒ' ትብል ነይራ” ትብል ማህታብ።

“ዓበይቲ ሕልምታት ኣሎዉኒ። ኣቦይ ተራ ሰራሕተኛ ጥራይ ምዃኑን ብዙሕ ክሰርሕ ከምዘይክእልን እፈልጥ እየ። ስለዚ ንኽዕወት ናብ ወጻኢ ሃገር ክኸይድ ኣለኒ።”