ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ገጸን ሙሉእ ዝሽፍን ክዳን ክኽደና ኣዚዙ

ጣሊባን ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ
መግለጺ ስእሊ, ጣሊባን ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኡ

ጣሊባን ዘውጸኦ ደቂ ኣንስትዮ ገጸን ሙሉእ ብሙሉእ ክሽፈና ዘገድድ ሕጊ፡ ኣብቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክዳን ዝገዝኣሉ ከተማ ካቡል ዝርከብ ዕዳጋ ላይሲ ማርያም፡ ብዙሕ ዝተሰምዐ ኣይመስልን፡፡

ገሊአን ነቲ ጣሊባን ንፈለማ እዋን ኣብ 1990 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክኸደናኦ ዝኣዘዞ ምሉእ ሰብነተን ዝሽፍን ሰማያዊ ክዳን (ቡርቃ) ተኸዲነን ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።

ገሊአን ድማ ጸጕሪ ርእሰን ዝሽፍን ሻርባ ገይረን ገጸን ግን ይረአ።

"ዋላ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንሃይማኖታዊ ጕዕዞ እንተኸደካ ገጽካ ክትሽፈን ግድን ኣይኮነን፡" ትብል ሓንቲ ካብተን ዓደግቲ።

ዘበናዊ ፋሽን ዝተኸደነት ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ፋጡማ ድማ፡ "ሰባት ናጻ እዮም ዝውለዱ፤ ማንም ብዛዕባ ክዳን ደቂ ኣንስትዮ ክዛረብ መሰል የብሉን፡" ትብል።

ኣብታ ዓቃባዊት ሃገር ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ቡርቃ እየን ዝኽደና፤ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ግን ጸጕረን ጥራሕ ዝሽፍን ሻርባ ዝገብራ ደቂ አንስትዮ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ተመሊሱ ስልጣን ዝሓዘ ጣሊባን፡ ክሳብ ትማሊ ቐዳም ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ኣየውጸአን ጸኒሑ።

ትማሊ ግን ኵለን ደቂኣንስትዮ፡ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ገጸን ምሉእ ብምሉእ ክሽፈናን፡ ነዚ ዘይፍጽማ ድማ ቅጽዓት ከም ዝጽበየንን ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ መቕጻዕቲ ሰብመዚ ጣሊባን ሓላፍነት'ታ ጓል ኣንስተይቲ ዝወስድ ወዲ ተባዕታይ፡ ናብ ገዛኡ መጺኦም ክግምግምዎ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ኣከዳድናኣ ነቲ ሕጊ ዘየማልእ እንተኾይኑ እቲ ሓላዊ ናብ ሓለፍቲ ክጽዋዕን ኢሉ እውን ክሳብ ማእሰርቲ ሰለስተ መዓልትን ናብ ፍርዲ ምቕራብን ይጽበዮ፡፡

ወሃቢ ቃል ናይቲ ነዚ ተግባር ክቈጻጸር ዝቘመ ሚኒስትሪ፡ ኣኪፍ ሙሃጂር፡ እቲ ሕጊ ኣብ ቅዱስ ቁርኣንን ህይወት ነቢይ መሓመድን መሰረት ዝገበረ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብዙሓት እስላም ኣብ ኣተረጓምጕማ ዝፈላለዩ'ኳ እንተዀኑ፡ ሙሃጂር ግን ምሽፋን ገጽ "ኣገዳዲ" ኣካል እቲ ሃይማኖት ከም ዝኾነ እዩ ዝምጉት።

ኣብቲ ኣከዳድና ምስቲ ጣሊባን ዘውጸኦ ሕጊ ዘይሰማምዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን፡ ሓደ ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝኾና እውን ይገልጽ።

''እዚ ሕጊ ናይታ እስላማዊት ኢማራት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ እውን እዩ፡" ይብል።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መብዛሕትኦም እስላም፡ ምሽፋን ገጽ ከም ኣገዳዲ ኣካል እቲ ሃይማኖት ገይሮም ኣይርእይዎን።

ኣብ ፈለማ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ተቐያያሪ ዝመስል ምልከታ ዝነበሮ ጣሊባን፡ ካብ ቀረባ እዋናት ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘይብሉ መዓልቲ ናብ መዘናግዒ ቦታታት ክኸዳን፡ ነዊሕ ጕዕዞ ብዘይ ወዲ ተባዕታይ ንበይነን ከይጓዓዛን ዝኽልክሉ ተረርቲ ሕጊታት ኣውጺኡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ጐራዙ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሳ ዘይተፈቐደለን ኮይኑ፡ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ዝሰርሓ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ክምለሳ'ኳ እንተ ተፈቐደ፡ ካልኦት ብዙሓት ገና ናብ ስርሐን ኣይተመለሳን።

ብዙሓት ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ ነታ ሃገር ዝግበር ሓገዛት፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ዝምርኮስ ከም ዝኾነ እዮም ዝገልጹ።

ጣሊባን ግን ኣብ እምነተይ ዝምልከት ምዕራባውያን ጸቕጢ ክገብሩ ኣይግባእን በሃላይ እዩ።

እዞም ስጕምቲታት፡ ንጻዕሪ እተን ንዝሓለፋ 20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ለውጢ ንምምጻእ ዝተቓለሳ ትካላትን ጐስጐስትን ንድሕሪት ዝመልስ ይመስል።

ማሕቡባ ስራጅ፡ ሓንቲ ካብ ፍሉጣት ጐስጐስቲ "ሚልዮን ጸገማት ኣለና፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣይኮናን እቲ ጸገም፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ ኣለወን፣ ስድራቤታት ስራሕ ክረኽቡ ኣለዎም፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ጥምየት ኣሎ፣ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ኣሎ፣ ነዚ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ግን፡ ደድሕሪ ደቂ ኣንስትዮ እዮም ዞኽ ዞኽ ዝብሉ፡" ብምባል ነቲ ስርዓት ነቒፋ።