ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን ኣበይ ኣተዋ?

ጣሊባን ስልጣን ምስ ተቖጻጸረ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ካብ ሞንጎ እቶም ኣሽሓት ካብታ ሃገር ናብ ስደት ዝወጽኡ እየን ኮይነን።
ካብተን 69 ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን እተን 60 ኣብ መላእ ዓለም ተበቲነን ኣለዋ፤ መብዛሕትአን ግን ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ክማጎታ ዕላማ ከም ዘለወን ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ማሺድ [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] ጣሊባን ስልጣን ኣብ ዝተቖጻጸርሉ ህሞት'ያ ተሓቢኣ። ብተኸታታሊ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ሓደ ገዛ'ውን ኣይሓደረትን።
ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝጸቓቐጥሉ ዝነበሉን ልዕሊ ሓደ ግዜ'ውን ምፍንጃር ቦንባ ስለ ዘጋጠመን ስድራ ቤታ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሒዛ ብምኻድ ኣብ ሓደጋ ከተእትዎም ስለ ዘይደለየት ካብታ ሃገር ክትወጽኣሉ እትኽእል ቀሊል መገዲ ኣይነበረን።
"ኩሎም ኣፍደገታት ኣፍጋኒስታን ተዓጽዮም" ትብል።
ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ መሬት ተሓቢኣ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ገጻ ሙሉእ ንሙሉእ ብቡርቃ ብምሽፋን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ደቃ ሒዛ ኣብ ሓንቲ ኣውቶብስ ተሳፊራ።
እዛ ውቶብስ መጀመርታ ናብ ከተማ ሄራት ክትወስዳ እንከላ ድሕሪኡ ናብ ዶብ ኢራን ኣብጺሓታ።
"ሓደ ነገር ብዛዕባ ባህሪ ጣሊባን፡ ጓል ኣንስተይቲ ዝተሸፈነ ገጻ ክትቐልዕ ኣየገድዱን" ኢላ።
ኣብቶም ጣሊባን ዘዳለዎም ናይ መፈተሺ ቦታታት መንነታ እንተዝፍለጥ ነይሩ ግን 'ብርግጸኝነት ክእሰር ነይረ' ክትብል ትዛረብ።
እቶም ሰብ መዚ ግን ኣባላት ባይቶ ቡርቃ ክኽደና እየን ኢሎም ትጽቢት ስለ ዘይገብሩ "ኩሎም ፖለቲከኛታትን ደቂ ኣንስትዮ ተሓለቕቲ መሰላትን ካብታ ሃገር ወጺኦም'ዮም" ኢሎም ሓሲቦም ነይሮም ትብል።
ንዓሰርተ መዓልታት ብኢራን ኣቢላ ድሕሪ ምጉዓዝ ሕጂ ቱርኪ ኣትያ ኣላ።
እንተኾነ ሰብ መዚ ቱርኪ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ክህልዋ ከፍቅዱለይ'ዮም ዝብል ግምት ስለ ዘይብላ ኣብኡ ክትጸንሕ ኣይትደልን።
ቢቢሲ፡ ካብተን 69 ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን እተን ትሸዓተ ሕጂ'ውን ኣብታ ሃገር ተሓቢአን ምህላዎን ክፈልጥ ክኢሉ'ዩ።
መብዛሕትአን ኣብተን ዜጋታት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ዝጸቓቐጡለን ዝነበራ በረራታት ክወጽኣ ኽኢለን።
ካብተን ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዋ 46 ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትአን ኣብ ግሪኽ፣ ኣልባኒያን ቱርክን ይርከባ።
እተን ዝተረፋ ድማ ካብ ኣውስትራሊያ ክሳብ ቀጠር ኣብ ዘለዋ ዓሰርታት ሃገራት ዕቑባ ሓቲተን ኣለዋ።
ሰሪና [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] ምስ በዓል ቤታን ናይ ሰለስተ ወርሒ ቖልዓን ናብ ጀርመን ተሰጋጊራ።
ካብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምውጽኣ ብሕማም ዓባይ ሰዓል ክትትሓዝ እንከላ ሕጂ ኣብቲ ዝተዓቖበትሉ መዓስከር ሓተትቲ ዕቑባ መድሃኒት ረኺባ።
ካብ ሃገራ ክወጽእ'የ ዝብል ግምት ከምዘይነበራ እትገልጽ ሰሪና፡ ኣብቲ ቋንቁኡ ዘይትመልኾን ከይዳቶ ዘይትፈልጥን ሃገር ብምኻድ ከም ዝተደናገረት ትዛረብ።
"ኣዝዮም ከበድቲ መዓልታት ኣሕሊፈ'የ፤ ሕጂ'ውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለኹ። ኩሉ ኣፍጋኒስታናዊ ኣብታ ሃገር ብዙሓት ጸገማት ይሓልፍ ምህላው ክሓስብ እንከለኹ ግን ቓንዛይ ይርስዖ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Derrick Evans
ናብ ሃገራ ናይ ምምላስ ድልየት ከም ዘለዋ እትገልጽ ሳኒራ "ኣብ መከራን ኲናትን'የ ዓብየ። እንተኾነ ውላደይ ኣብ ተመሳሳሊ ባህልን ስምዒት ሃገርን ዘለዎ ክዓቢ'የ ዝደሊ" ትብል።
መብዛሕትአን ኣባላት ባይቶ ናብ ካናዳ ክኸዳ ድልየት ኣለወን፤ ካናዳ ሓሙሽተ ሽሕ ስደተኛታት ክቕበል'የ ምባላ ይዝከር።
ኣብ ዝኾነ ይኹን ግን ከም ማሺድ ዝበላ ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን፡ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝገብርኦ ቃልሲ ክቕጽላ ይደልያ።
ሓደ ካብኡ "ባይቶ ኣብ ስደት" ምጥያሽ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋን ዝበጽሑ ግህሰታትን ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ምግባርን ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ጸቕጢ ምፍጣርን ዕላማ ዝገበረ'ዩ።
ሺንካይ ካሮክሄይል ቅድሚ ኣባል ባይቶ ኮይና ምምራጻ ኣምበሳደር ኣፍጋን ኣብ ካናዳ ነይራ። ሕጂ ኣብ ቶሮንቶ ዕቑባ ትሓትት ኣላ።
ጣሊባን ብ15 ሰነ ነታ ሃገር ክቆጻጸር እንከሎ ዝነበረ ሸቐልቐል ዘኪራ ክትዛረብ እንከላ "ኣነ ንጉሆ ስርሐይ ክስእን እንከለኹ ፕሬዝደንት ክኣ ድሕሪ ስዓት ስኢኑ" ትብል።
ሕጂ ደቂ ኣንስትኦ ኣባላት ባይቶ ኣፍጋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ሃገረን ዝበጽሕ ግህሰት ንከብቅዕ ክሰርሓ እንተኾይነን ኣብ ሞንግአን ዘሎ ኣፈላላይ ንጎኒ ክገድፋ ኣለወን ትብል።
"ኩለና ዝተፈላለየ ቀዳምነታትን ፖለቲካዊ ድልየትን ሒዝና ንዝተፈላለየ ክፋላት ኣፍጋን ንውክል ነይርና፤ ሕጂ ግን ኩሉ ስኢንናዮ ኢና" ኢላ።
ስለ ዝኾነ ድማ "ኩሉ ዘለና ኣፈላላያት'ውን ስኢንና ኣለና ማለት'ዩ። ሕጂ እቲ ዘገድስ ሃገር ምድሓን ከም ዝኾነ ተገንዚብና ነቲ ህዝብና ክንሕግዞን ንደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ክንኾነነን ይግባእ" ትብል።

ኢሌይ ኢርሻድ፡ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ሓንቲ ንኡሽቶ ገዛ ባህላዊ መግቢ ኣፍጋን ክተዳሉ ረኺብናያ።
ነዚ ዘድልዩዋ ቅመማት ኣብ ድኳናት ክትረክብ እኳ እንተተጸገመት ከምቲ ክኸውን ዘለዎ ገይራ ክትሰርሖ ግን ግድን እዩ።
"ነቶም እኹል ዝብላዕ ዘይብሎም ገሊኦም ፈጺሙ መግቢ ዘይብሎም ህዝበይ'ዩ ዘዘክረኒ" ትብል።
ንሳ ኣባል ባይቶ ኣይነበረትን፤ ግን ቅድሚኡ ንልዕሊ 10 ዓመት ኣባል ባይቶ ኮይና ኣገልጊላ። ድሕሪኡ ወሃቢት ቃል ፕሬዝደንት ኣሽራፍ ጋህኒ ኮይና።
ጣሊባን ነታ ሃገር ምስ ተቖጻጸሩ ሒሳብ ባንካ ኣደስኪሎምዎ፤ ተሓቢኣ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብታ ሃገር ወጺኣ።

ምንጪ ስእሊ, Derrick Evans
ሕጂ ኣብ ውሽጢ ጣሊባን ብዘለዋ ገለ ርክባት ውሕስነት ክረክብ እየ ብዝብል ግምት ናብ ሃገራ ክትምለስ ትዳሎ ኣላ።
"ካብ ካልኦት ሃገራት ወይ ወጻኢ ኮይንካ ምስራሕ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ ናብ ኣፍጋኒስታን ክንምለስ ኣለና። እቲ ፍታሕ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኮይንካ እዩ ዝመጽእ፤ ስለዚ ኣብ ኣፍጋን ክንእልሾ ኣለና" ትብል።
ምስ ሓደ ኣብ መሰላት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣጓላትን ዝነጥፍ ናይ ወጻኢ ዘይመንግስታዊ ትካል ክትሰርሕ ድማ መደብ ገይራ ኣላ።
"ካብቲ ጸገም እንተሃዲምኻ እቲ ጸገም ወትሩ ኣይለግስን" ኢላ ትኣምን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







