ኣፍጋን፡ ጣሊባን ደቂኣንስትዮ ኣብ ናይ ቴሌቪዥን ተዋስኦ ከይሳተፋ ኣጊዱ

ጋዜጠኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምምሕዳር ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ኣብ ቴሌቪዥን ከይረኣያ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ደንጊጉ።

ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ኣቕረብቲ ዜናን’ውን፡ ኣብ ቴሌቪዥን እንትቐርባ መሃረብ ርእሲ ክሽፈና ዝተኣዘዛ ኮይነን፡ እንታይ ዓይነት መሸፈኒ ርእሲ ዝብል ግን ኣብቶም መምርሕታት ብግልፂ ኣይተቐመጠን።

እንተኾነ ጋዜጠኛታት፡ ገሊኦም መመርሕታት ዘይንፁራትን ዝተፈላለየ ትርጓመታት ዘስዕቡን ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብዙሓት፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ስልጣን ዝሓዙ ጣሊባን፡ ቀስ ብቐስ ጨካናት መመርሕታት የንብሩ ኣለዉ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ሓይልታት ኣሜሪካን መሻርኽታን ካብ ኣፍጋኒስታን ምስሓቦም ስዒቡ ስልጣን ዝጨበጠ እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዝምራሕ እስላማዊ ጉጅለ፡ ኣጓላትን መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ትምህርቲ ኣብኵረን ኣብ ገዛ ኮፍ ክብላ እዩ መምርሒ ኣውሪዱ።

ኣብቲ ኣብ 1990ታት ዝነበረ መምርሒ ጣሊባን’ውን፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርትን ናይ ስራሕ ቦታን ተኣጊደን ምንባረን ይዝከር።

እዞም ብጣሊባን ወግዓዊ ኮይኖም ዘለዉ ንቴሌቪዥናት ኣፍጋኒስታን ዓሊሞም ዝወፅኡ ሓደሽቲ ሓፈሻዊ መምርሕታት ሸሞንተ ሕጋጋት ኣለዎም።

እዞም ሕግታት ኣንፃር ሕግታት ሸሪዓ፣ ሕግን ክብርታትን ኣፍጋኒስታን ዝኾኑ ፊልምታት’ውን ኣብ ግምት ዘእተዉ ኮይኖም፡ ውሽጣዊ ሰብነት ደቂ ተባዕትዮ ዘርእዩ ፊልምታት’ውን ፍፁም ዝተኸልከሉ’ዮም።

ንሃይማኖት ዝፀርፉ ኮሜዲታትን ናይ መዘናግዒ መደባትን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ዝኸፍቱ ተባሂሎም ዝሕሰቡ መደባት ምምሕልላፍ'ውን ኣይፍቀድን።

ካብዚ ሓሊፉ ናይ ወፃኢ ሃገራት ባህላዊ ክብርታት ዘርእዩ ፊልምታት’ውን ከይረኣዩ ኣጊዱ ኣሎ።

መብዛሕትአን ቴሌቪዥናት ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ገፀ-ባህሪያት ኮይነን ዝዋስኣሉ ድራማታት እየን ዘቃልሓ።

ኣባል ማሕበር ጋዜጠኛታት ኣፍጋኒስታን ሁጃቱላህ ሙጃደዲ፡ እዚ ሓድሽ መምርሕታት ትፅቢት ዘይተገበረሉ ምዃኑ ገሊፁ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ገለ እቶም ሕግታት ተግባራዊ ኣይነበሩን፤ ሕዚ እንተድኣ ተተግቢሮም ግና መራኸብቲ ሓፋሽ ክዕፀዋ ዘገድድ እዩ ኢሉ።

ከንቲባ ከተማ ካቡል ድማ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት እቲ ምምሕዳር ኣብ ገዝአን ኰፍ ክብላ ኣዚዙ፤ ናብ ቤት-ፅሕፈት ክመፅኣ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስርሐን ብደቂ ተባዕትዮ ክስራሕ ዘይኽእል እንተኮይኑ ጥራሕ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

ጣሊባን እቲ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ደቂ ኣንስትዮ ዘንብሮ ዘሎ እገዳታት፡ ናይ ስራሕን ትምህርትን ከባብታት ንዐአን ውሑሳት ክሳብ ዝኾኑ፡ “ንግዚኡ” ዝተነብረ እገዳ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልፅ።