ብሓካይም ክትጐዪ ከምዘይትኽእል ተነጊርዋ ክብረወሰን ዝሰበረት ኣትለት ትዕግስት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትዕግስት ኣስፋ: ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ መበል 48 ውድድር ማራቶን፡ ክብረወሰን ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ብልዕሊ ክልተ ደቓይቕ ዘመሓየሽት ኣትለት እያ።
እታ ጓል 26 ዓመት ኣትለት፡ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን - ቺካጐ፡ ብኬንያዊት ኣትለት ብሪጊድ ኮስጌ፡ ብ2፡14.04 ተታሒዙ ዝጸንሐ ብልዕሊ ክልተ ደቓይቕ እያ ሰይራቶ።
ትዕግስት፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ፡ "ዋላ'ኳ ነቲ ክብረወሰን ዓለም ክሰብር ድሌት እንተነበረኒ፡ ሕጂ ክኸውን'ዩ ኢለ ኣይገመትኩን ነይረ” ኢላ።
ቢቢሲ ድሕሪ'ቲ ኣንጸባራቒ ዓወታ፡ ከዛርባ ተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተገበረ፡ ብሰንኪ ተደራራቢ መደባታ ግን ኣይተዓወተን። ምስ ኣሰልጣኒኣ ግን ሓጺር ቃለ-መሐትት ኣካይዱ።
ኣሰልጣኒ ገመዶ ደደፎ ብዛዕባ ትዕግሰት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ንዝካየድ ውድድር ክልተ ተቐዳደምቲ ከም ዘዳለዉ ሓቢሩ።
ነዚ ክብረወሰን ማራቶን ንምምሕያሽ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምድላዋት የካይዱ ከምዝነበሩ’ውን ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣሰልጣኒ ገመዶ፡ "እቲ ክብረወሰን ንምምሕያሽ ጽቡቕ ልምምድን ጽቡቕ ምድላዋትን ክንገብር ጸኒሕና ኢና" ኢሉ።
እቲ ኣሰልጣኒ፡ ትዕግስት ምስ ተዓወተት ዝፈጠረሉ ስምዒት ክዛረብ እንከሎ፡ "ደኺምና ኢና፡ ዝጸዓርናሉ ድማ ብቐሊሉ ውጽኢት ረኺብናሉ" ኢሉ።
400 ፓውንድ ዝግመት ናይ ጉያ ጫማኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትዕግስት ኣብ ማራቶን በርሊን ክብረወሰን ብምስባር ጫማኣ ኣውጺኣ ሓፍ ኣቢላ ከተምበልብል ተራእያ።
ዓወት ትዕግስት ንኣትለታት ጥራይ ዘይኰነስ ንኣፍረይቲ ጫማ ጉያ እውን ንሕንሕ ዝኸፈጠረ ይመስል።
ትዕግስት ዝጐየየትሉ ኣዲዳስ ጫማ ካብ ዝዝርጋሕ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ እዩ።
አዲዜሮ አዲዮስ ፕሮ ኢቮ 1ኤስ ዝበሃል ናይ ጉያ ጫማ፡ ብኣፍራዪ "ብቴክኖሎጂ ዝተራቐቐ ጫማ ኰይኑ ንብድሆታት ሜዳ ጉያ ዝስዕር" ተባሂሉ እዩ ተሰሪሑ ዘሎ።
እዚ ግን መላለዪ ዕዳጋ ጥራይ ኣይመስልን።
ቢቢሲ ንኣሰልጣኒ ገመዶ፡ ብዛዕባ እቲ ትዕግስት ብጽንዓት ዝጐየየትሉ ጫማ ሓቲትዎ፡ ኣብ ማራቶን በርሊን ንመጀመርታ ግዜ ዝተመሰሰ ምዃኑ ድማ መረጋገጺ ረኺቡ።
ኣፍረይቲ ጫማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጫማ ጉያ ከምዘመሓይሹ ዘዘኻኸረ ኣሰልጣኒ ገመዶ፡ ኣዲዳስ ነዚ ሓድሽ ጫማ ኣብ ማራቶን በርሊን ከምዘተኣታተወ ይዛረብ።
“እዚ ጫማ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ማራቶን በርሊን እያ ተጐዪሉ። ኣብ ፈላማይ ውድድር ከምዚ ዓይነት ብቕዓት ኣርእዩ። ጫማ እናተመሓየሸ እዩ ዝመጽእ፤ ኣብ ቀዳማይ ውድድር ግን ዓቢ ብቕዓት ኣርእዩ። እታ ኣትለት ድማ ብኡ ብምጉያያ ዓቢ ክእለት ኣርእያ። ስለዚ ድማ እያ ስምዒታዊት ኰይና ዝነበረት።"
ዓቕሚ እታ ኣትለት ቀንዲ ረቛሒ ናይቲ ውድድር ምዃኑ ዝተቐሰ እቲ ኣሰልጣኒ፡ እቲ እትጐየሉ ጫማ እውን ሓጋዚ ምዃኑ ይዛረብ።
"ኣብ ጉያ፡ ኣሽንኳይ ጫማ፡ ትኽደኖ ክዳውንቲ ይሕግዘካ እዩ። ዑደት ኣየር እንተሃልዩ፡ ብዙሕ እንተዘይበሊዑካ፡ እንተዘይኣሸጊሩካ ዘይሕግዘካ ነገር የለን።"
ዓለም ብዓለማ ብዛዕባ ኣትለት ትዕግስት ኣሰፋ እያ ትዛረብ ዘላ።
ቢቢሲ ንኣሰልጣኒ ገመዶ ‘ክንደይ ክትሽለም እያ?’ ‘ክንደይ እዩ ንዓኻኸ?’ ዝኣመሰሉ ሕቶታት እኳ እንተሓተተ፡ ኣሰልጣኒ ገመዶ ግን "እዚ ውልቃዊ ጉዳይ'ዩ፡ ኣይዛረበሉን'የ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ሓካይም እንታይ ኢሎምዋ ነይሮም?
ትዕግስቲ 400ን 800ን ሜትሮ ውድድራት ትጐዪ እያ። ኣብ ፍርቂ ማራቶን ድማ ተዓዊታ ትፈልጥ።
ኣብ 2016 ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ 800 ሜትሮ ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ተሳቲፋ።
ኵሉ ነገር ግን ምቾት ዝመልኦ ኣይነበረን።
ኣሰልጣኒ ገመዶ፡ እታ ኣትለት ምስ ጥዕናኣ ትቃለስ ከምዝነበረት ይዝክር።
ምስ ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ናብ ኣትሌቲክስ ናይ ምምላስ ዕድላ ጸቢብ ምዃኑ ብክኢላታት ሕክምና ከምዝተነግራን፡ 'ስለዚ ካልእ ነገር ፈትኒ’ ከምዝተበሃለትን ትዛረብ።
ኣትለት ትዕግስት ጐያዪት 800 ሜትሮ እያ ነይራ። ኣብዚ ትራክ ዝረኸበቶ ውጽኢት ጽቡቕ ስለዘይነበረ፡ ‘ናብ ኣሜሪካ ክኸይድ እየ’ ዝብል ሓሳብ ከምዝነበራ ዘኪሩ።
እቲ እትጐዮ ርሕቀት ምቕያር ‘ምበር፡ ጉያ ምቍራጽ መፍትሒ ዘይምዃኑ ተዘራሪቦም።
እታ ኣትሌት ኣብ ከባቢ ዓንካዓንካሪታ ተደጋጋሚ ቃንዛ ይፈጥረላ ነይሩ፤ ብድሕሪ'ዚ ነዚ ገዲፋ፡ ናይ ጐደና ጉያ ክትፍትን ዝተተባብዐት።
ኣብ ስጳኛ ቫለንሽያ ፍርቂ ማራቶን እናጎየየት ከላ ኣብ እግራ ነድሪ ጭዋዳ ኣስዒቡላ ነይሩ።
ሓካይም ምስ ረኣይዋ ግን ጀማውታ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተጐድኡ ነጊሮምዋ።
ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ ዘጋጠማ ጸገም 'ናብ ቦታኡ ኣይምለስን'ዩ' ዝብል ኵሉ ሰብ ከም ዝነገራ ዝዝክር ኣሰልጣኒ ገመዶ፡ ብሰንኪ መጕዳእቲ፡ ኣቓልቦኣ ናብ ጐደና ጉያ ኣቕኒዓ።
ኣሰልጣኒ ገመዶ፡ "ተስፋ ቈሪጻ እያ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኵላትና ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ኢና ነይርና። ካብኣ ግን ኣይረሓቕናን። እዚ ኵሉ ሓሊፋ ንናይ ሎሚ ውጽኢት ምብቃዓ ዓቢ ነገር እዩ።"
ንሱ ወሲኹ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድድር ማራቶን በርሊን ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓትን 15 ደቓይቕን ድሕሪ ምዕዋታ፡ ሓሚማ ብምንባራ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንውድድር ማራቶን ለንደን ከም ዝሰረዘቶ ይዝክር።
ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ስለዘይተሳተፈት ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ ዓለም ኣይተሳተፈትን።
ኣትሌት ትዕግስት፡ ኣዝያ ጻዕራም ኰይና ንስርሓ ቀዳምነት ከም እትህብ፡ ንዝበለቶ ናብ ተግባር እትቕይር ኣትለት ምዃና እውን ይምስክር።
ንሱ፡ "ትዕግስት ከም ስማ እያ" ብምባል ንኢድዋ።
እቲ ክብረወሰን ብልዕሊ ክልተ ደቓይቕ እዩ ተመሓይሹ።
“ኣብ ልምምድ ከለኩም ክንድኡ ከተመሓይሾ መደብ ነይሩካ ድዩ?” ካልእ ሕቶ ቢቢሲ እዩ ነይሩ።
“2 ሰዓትን 13 ደቓይቕን ክትውድእ እያ ኢልና ሓሲብና። ንሳ ግን 11 ገይራቶ፤ ናብ 12 ዝቐርብ እዩ። ዓቢ ነገር ሰሪሓ። ኣካላታ ክሳብ ዝኸኣለ ክትከይድ ነይርዋ፤ ንሳ ድማ ገይራቶ። ሕጕስ እየ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







