ጉዳፍ ፀጋይ ወርቂ ክትዓትር ከላ፡ ኣትሌት ሲፈን 'ተደፊአ'የ ወዲቐ' ኢላ

ኣትሌታት

ምንጪ ስእሊ, WORLD ATHLETICS

ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ትማሊ 13 ቀዳም 13 2015 ዓ.ም ግእዝ ኣብ ቡዳፐስት ዝተኻየደ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ዛዚመን።

ኣብዚ ውድድር፡ ኣትሌት ጉዳፍ ጻጋይ ብ31፡27.18 ወርቂ መዳልያ ክትዓትር ከላ፡ ለተሰንበት ግደይ ድማ ብ31፡28.16 ብውልቃዊ ዝበለጸ ግዜ ናይዚ ዓመት ብምምዝጋብ ካልአይቲ፡ እጅጋየሁ ታየ ድማ ሳልሰይቲ ኰይና ነሓስ መዳልያ ረኺባ።

ኣብዚ ኢትዮጵያውን ዝደመቓሉ ውድድር፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ውድድር ዝመርሓ ዝነበራ ኣትሌታት ዝዀነት ኣትሌት ሲፈን ኣብ ኣጋ ፍጻመ እቲ ውድድር ምውዳቓ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

እታ ኣትሌት፡ ሓንቲ ካብተን ክዕወታ ትጽቢት ዝተገብረለን ኣትሌታት እያ ነይራ።

ኣትሌት ሲፈን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ተደፊአ እየ ወዲቐ" ኢላ።

ሲፈን ወርቂ መዳልያ ንምዕታር ምስ ኣትሌት ጉዳፍ ጻጋይ እናተነሓነሐት እንከላ፡ 20 ሜትሮ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን እያ ወዲቓ።

እታ ንሆላንድ እትጎዪ ዘላ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "በታ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ተደፊአ" ብምባል፡ ንኣትሌት ጉዳፍ ወቒሳታ።

“በታ ኢትዮጵያዊት ዝተደፋእኹ ይመስለኒ። እንታይ ክግበር ይካኣል? ስፖርት እዩ። የጋጥም እዩ። ዝተጋገኹ ኣይመስለንን ግን ኣብ ፍጥነት ከለኹ ዝተደፋእኹ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፤ እግረይ ክቆጻጸር ኣይከኣልኩን። እዚ ንዓይ ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን። ዘጋጥም እዩ" ኢላ።

ሲፈን፡ ናብ ኣመሓደርቲ ስፖርት ጥርዓን ናይ ምቕራባ ተኽእሎኣ ትሑት ምዃኑ እቲ ዝሃበቶ ቃል የመልክት።

ድሕሪ ውድድር ኣብ ዝተዘርግሑ፡ ቪድዮታት፡ እታ ብየማናይ ሸነኽ ሲፈን ትጎዪ ዝነበረ ኣትሌት ኣብ ብርኪ-ኢደን ከም ዝተተናኸፋ የርእዩ።

ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ርእይቶኣ ንቢቢሲ ዝሃበት ፍልጥቲ ብሪጣንያዊት ኣትሌት ፓውላ ራድክሊፍ፡ "ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣትሌታት ብርግጽ ምትንኻፍ ኣሎ፡ እዚ ምትንኻፍ ግን ሲፈን ንኽትወድቕ 'እኹል ድዩ ኣይኰነን' ዝብል ሕቶ መልሲ ክረክብ ኣለዎ" ኢላ።

ፓውላ ኣብ መዛዘሚ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኣየ ፍጻመ፡ ሲፈን ኣብ ዝቕጽል ውድድራ ብውዕዉዕ ስምዒት ክትሳተፍ ከም ዝገብራ ገሊጻ።

ኣብ ዝቕጽል ውድድር 5 ሽሕ ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይን ኣትሌት ሲፈን ሓሰንን ክራኸባ እየን።

ብዛዕባ ኣትሌት ጉዳፍ

ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ቦራ እያ ተወሊዳ።

ስፖርት ኣብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝጀመረቶ እትዛረብ ጉዳፍ፡ ናይ መጀመርታ ውድድራ ኣብ መወዳእታ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ ንእሽቶ ውድድር ተወዳዲራ፡ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ቀዳመይቲ ብምውጻእ ክብረወሰን [ሪከርድ] ሰይራ ከም ዝመጽአት መረዳእታት ይሕብሩ።

ብ2021 ድማ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 1,500 ሜትሮ ናይ ውሽጢ ገዛ ጉያ ሓድሽ ክብረወሰን ከም ዘመዝገበት ይዝከር።

እቲ ዘመሓየሸቶ ክብረወሰን፡ ኣብ 2014 ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ካርልስሩሄ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ እዩ።

ጉዳፍ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ኣብ ኦሮጎን [ኣመሪካ] ቀዳመይቲ ምስ ወጽአት ሓደ ባንዴራ ትግራይ ዝሓዘ መንእሰይ ንሓለውቲ እቲ ሜዳ ጥሒሱ ብምእታው ሓቒፍዋ።

እቲ ውድድር፡ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ስለ ዝነበረ ኣብ ጭንቅን ጸቕጥን ኰይና ከምዘካየደቶ ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።