ሲፋን ሓሰን ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኔዘርላንድ እትጎዪ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሲፋን ሓሰን ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝተሳተፈትሉ ውድድር ማራቶን ለንደን ደቂ ኣንስትዮ ተዓዊታ።
እታ ጓል 30 ዓመት ሻምፕዮን ኦሎምፒክ 5000 ሜትሮን 10 ሽሕ ሜትሮን፡ ብኣግኡ ብቁጥዐ ጀማውታ ንድሕሪት ተሪፋ’ኳ እንተነበረት፡ እንተዀነ ተቓሊሳ ክትዕወት ክኢላ ኣላ።
ሲፋን፡ ነቲ ውድድር ክትዛዝም 2፡18፡33 ወሲዱላ።
"ዝገርም እዩ ነይሩ። ማራቶን ክውድእ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፡ እነሆ ድማ ተዓዊተሉ!” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ኣብ ዓለም ካብ ዝፈትዎም ማራቶናት ድማ ሓደ ኰይኑ። እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ዘገርም ነይሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኪሎሜተር ኣዝየ እየ ዘመስግኖም። ደው ኣይክብልን ነይረ።"
እቲ ውድድር ክጅመር ከሎ ብዛዕባ ዘጋጠማ ጸገም እውን ኣብሪሃ።
"ኣብ ምሕኵልቲ ጸገም ኣጋጢሙኒ ነይሩ፡ እዚ ድማ ደው ክብል ገይሩኒ። ካውኡ ግን ቁሩብ ክሕሸኒ ጀሚሩ።"
"ድሕሪኡ ድማ ሓንቲ ካብተን ናይ መስተ ጣብያታት ኣምሊጠያ! ነቲ ክፋል ናይቲ ውድድር ኣይተለማመድኩን ምኽንያቱ ኣብ ጾም’የ ጸኒሐ ስለዚ ድማ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ” ኢላ።
ወሃቢ ርእይቶ ስፖርት ቢቢሲ ኣንድሪው ኮተር፡ "ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝረኣኹዎም ዝገርም ዓወት ማራቶን" ክብል ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢትዮጵያዊ ኣለሙ መገርቱ ካልኣይ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተሳዕረት ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ኬንያዊት ፔረዝ ጀፕቸርቸር ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደን ዝተዓወተት ያለምዘርፍ የኋላው፡ 5ይቲ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።
ኣልማዝ ኣያና 7ይቲ፡ ታዱ ተሾ ድማ 8ይቲ ኰይነን ውድድረን ዛዚመን ኣለዋ።
ብተመሳሳሊ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ድማ ከልቪን ኪፕቱም ክብረወሰን ብምምዝጋብ ነቲ ውድድር ተዓዊትሉ ኣሎ።
ኬንያዊ ኬልቪን ኪፕቱም ነቲ ውድድር ኣብውሽጢ ብ2፡01.25 ብምዝዛም ኣብ ታሪኽ ካልኣይ ብሉጽ ሰዓት ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ።
ጀፍሪ ካምዎሮሮ፡ ብ2:04:24 ካልኣይ ክኸውን ከሎ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 3ይ ክሳብ 5ይ ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም ኣለዉ፤ ታምራት ቶላ ሳልሳይ፡ ልዑል ገብረስላሴ 4ይ ከምኡ'ውን ሰይፉ ቱራን 5ይ።
ትጽቢት ዝተገብረሉ ኢንግሊዛዊ ሞ ፋራህ ድማ 9ይ ደረጃ ሒዙ ክዛዝም ከሎ፡ ዝተፈላለየ ጉድኣት ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ነቲ ውድድር ከም ዘይዛዘመ ተፈሊጡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







