ኢሉድ ኪፕቾጌ፡ ናይ ባዕሉ ክብረወሰን ማራቶን ዓለም ኣመሓይሹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኦሎምፒክ፡ ክልተ ጊዜ ሻምፒዮና ዝዀነ ኣትሌት ኢሉድ ኩፕቾጌ፡ ብሰንበት ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ ብደቂ ተባዕትዮ ናይ ባዕሉ ክብረወሰን ዓለም ኣመሓይሹ።
ወዲ 37 ዓመት ኬንያዊ ኣትሌት፡ ነቲ ውድድር ብክልተ ሰዓት፣ ሓደ ደቒቕን ትሸዓተ ካልኢትን'ዩ ዛዚሙዎ።
በዚ፡ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን ዘመዝገቦ ክብረወሰን ብ30 ካልኢት ኣመሓይሹዎ ኣሎ።
ብ2014፡ ብተመሳሳሊ ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ንመወዳድርቱ ዴኒስ ኪሜቶ ብሓደ ደቒቕን 20 ካልኢትን በሊጹ ብ2፡02.57 ብምእታው ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ ነይሩ።
“ብዝገበርኩዎ ምድላዋት ኣዝየ ሕጉስ’የ፤ በቲ ዝነበረና ናይ ጉጅለ ስራሕ ድማ ቅልጡፍ ነይረ ይመስለኒ። ኩሉ ናይ ጉጅለ ስራሕ’ዩ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ስድራይ ምትብባዕ ይፈጥሩለይ’ዮም፤ ኣነ ድማ ንመናእሰይ ከተባብዕ’የ ዝደሊ። ስፖርት ሰባት ናብ ሓደ የምጽኦም’ዩ፤ እዚ እዩ ንዓይ ዘተባብዐኒ” ክብል ተዛሪቡ።
ኪፕቾጌ፡ ካብ 17 ናይ ማራቶን ውድድራት ኣብቶም 15 ዝተዓወተ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ፍርቂ ጉያ ማራቶን፡ ብ59 ደቒቕን 51 ካልኢትን’ዩ ዛዚምዎ።
በዚ፡ ኣብ ወግዓዊ ውድድር ነቲ ናይ ክልተ ሰዓት ውድድር ብምስባር ናይ መጀመርታ ጐያዪ ንምዃን ትጽቢት ነይሩዎ።
ብ2019፡ ኣብ ቬና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ማራቶን ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ክጐዪ ክኢሉ’ዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ወግዓዊ ዓለምለኻዊ ክብረወሰን ኰይኑ ኣይተመዝገበን።
ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ኣንዳምላክ በልሁ ንኪፕቾጌ እናተነሓንሐ ኣብ ጐኑ ዝጐየየ ብሕታዊ ኣትሌት ኰይኑ፡ ኣብ 27.35 ኪሎ ሜትሮ ግን ነቲ ውድድር ብምቁራፅ ወጺኡ።
ኪፕቾጌ፡ እዚ ኣብ በርሊን ንራብዓይ ግዜ ዘመዝገቦ ዓወት እዩ፤ በዚ ምስ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሃይለገብረስላሴ ማዕረ ክብረወሰን ዘመዝገበ ኰይኑ ኣሎ።
ኬንያዊ ማርክ ኮሪር ኣብቲ ውድድር ካልኣይ፡ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታዱ ኣባተ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።
ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ብ2፡15.37 ብምእታው፡ ኣብ ታሪኽ ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ኣመዝጊባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







