ቤልጂማዊ ሬምኮ ኢቨንፖል ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2022 ኮይኑ

ቤልጂማዊ ሬምኮ ኢቨንፖል ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2022 ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሎሚ ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሰዓት 3 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዋሎንጎንግ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽኽለት ዓለም ወዲ 22 ዓመት ቤልጂማዊ ሬምኮ ኢቨንፖል ጸወታ ክዛዘም 25 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ካብታ ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ጉጅለ በይኑ ብምህዳም ብዘይ ተቃጸጺ ቀዳማይ ወጺኡ።

ሬምኮ ኢቨንፖል ነቲ 266 ኪሎሜተር ብሽዱሽተ ሰዓት፡ 16 ዲቂቕን 8 ካልኢት ክዛዝሞ እንከሎ፡ ንኢቫንፖል ስዒባ ኣብ ሓደ ተጠርኒፋ ዝነበረት ሓሙሽተ ተጻወተቲ ዝሓዘት ጉጅል ናብ መስምር ሕንጻጽ ክትብጽሕ ትሕቲ 200 ሜትሮ ምስ ተረፋ ዓባይ ጉጅል ብዘደንቕ ቅልጣፈ ስለዝወሓጠታ፡ ልዕሊ 27 ተጻወትቲ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ንምርካብ ቅጽበታዊ ውድድር ኣካይዶም።

ፈረንሳዊ ላፖርተ ካልኣይ፤ ኣውስትራያላዊ ማትዮው ሚካኤል ኸኣ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸለምቲ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኮይኖም።

ኣብዚ ውድድር እዚ ኤርትራ፡ ብቢንያም ግርማይ፣ መርሃዊ ቅዱስ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ መትከል እዮብ፣ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን’ያ ተወኪላ።

ካብ መጀመርታ ምስ መርሃዊ ቅዱስ ብምዃን ምስታ ዝወጽአት ጉጅለ ኣብ ቅድሚት ክወጽእ ዝፍትን ዝነበረ ቢንያም ግርማይ ካብ ቀዳማይ ብሰለስት ደቂቕን 8 ካልኢትን ድሒሩ መበል 54 ክወጽእን እንከሎ፡ ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመት 2022 መርሃዊ ቅዱስ መበል 69 ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣማንኤል ገብርእግዚኣብሄር፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ መትከል እዮብን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ግን ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይክኣሉን።

ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነቲ ውድድር ክዕወትሉ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ተገሚቶም ካብ ዝነበሩ ሓሙሽተ ተጻወትቲ ሓደ ዝኾነ ቢንያም ግርማይ፡ ዓሚ ኣብ ናይ ትሕቲ 24 ዓመት ተመሳሳሊ ውድድር ካልኣይ ብምውጻእ ንሃገሩ ናይ መጀምርታ ብሩር መዳልያ ከመዝግብ ምኽኣሉ ዝዝከር'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ንቻምፕዮን ዓለም ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ [ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ]

  • 2021፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳ]
  • 2020፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳ]
  • 2019፡ ማድስ ፔደርሶን [ዴንማርክ]
  • 2018፡ ኣሌሳንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ]
  • 2017፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]
  • 2016፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]
  • 2015፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]
  • 2014፡ ማይክል ክዋትኮወስኪ [ፖላንድ]
  • 2013፡ ርዮ ኮስታ [ፖርትጋል]
  • 2012፡ ፍሊፐ ጂልበርት [ቤልጅም]

ውጽኢት ናይ ካልኦት ኤርትራውያን

ኣብ 19 መስከረም ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኖርወጃዊ ሶረን ንውድድሩ ብ34 ደቂቕን 13 ካልኢትን ብምዝዛም ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ፡ ቤልጅማዊ ኣሌክ ሰጋረተን ብሪጣንያዊ ልዮ ሃይተርን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብዚ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉም ዝተወዳደሩ ኣማኑኤል መሓርን ሳይሞን ተስፋጋብርን ብቕደም ተኸተል መበል 39 ከምኡ’ውን መበል 42 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ 23 መስከረም፡ ተወዳደርቲ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘካየድዎ 135.6 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ጀርመናዊ ኢሊለ ሄርዛግ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ፡ ፖርቱጋላዊ ኣንቶንዮ ሞርጋዶ ካልኣይ፡ ቤልጅማዊ ቭላድ ቫን መቸሊን ሳልሳይ ወጺኦም።

ኣብዚ ውድድር ካብቶም ንኤርትራ ዝወከሉ ሰለስተ ተጻወትቲ፡ ዩኤል ገብረገርግሽ መበል 28፡ ዮናስ ኣብርሃም መበል 60 ክወጽኡ እንከለዉ፡ ኣኽሊሉ ገብረትንሳኤ ግን ውድድሩ ክውድእ ኣይክኣለን። ካብቶም ጸወታ ዝጀመሩ 108 ተቐዳደምቲ እቶም 48 ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይክኣሉን።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ውድድር 168.9 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ካዛኪስታናዊ የቨገኒ ፈዶሮቭ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ወዲ ቸክ ሪፖብሊክ ማትያስ ቫሰክን ኖርወጃዊ ሶረን ዋረንክስጆልድን ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም።

ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ብሓሙሽተ ተጻወትቲ ኣማኑኤል መሓሪ፣ ዳኒኤል በርሀ፣ ሚልክያስ ቅዱስ፣ ሳምሶን ሃብተን ሳይሞን ተስፋጋብርን’ያ ተወኪላ። ሓሙሽተኦም ከኣ ነቲ ውድድር ክፍጽምዎ ኣይከኣሉን።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ዝተወዳደሩ 132 ተቐዳደምቲ፡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 62 ተቐዳደምቲ ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይከኣሉን።

ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር እቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ኪያ ሮጎራን ሃይሉ ኣብርሀ ነጋስን’ውን ነቲ ውድድር ኣይዛዘምዎን።