ጋዜጠኛ ናይ ምዃን ድልየት ዝነበራ ሻምፒዮን ኣትሌት ጎይተቶም

ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ኵሉ ሕውስትን ተጻዋቲትን ስለ ዝዀነት፡ ሰሓቕ ኣይፍለያን። ሓሪቓ እንከላ’ውን እያ ትስሕቕ።

ውሽጣ ሕቑንቑን እናበላ እንከሎ’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ክምስታኣ ህድኣታ ተጕልሕ።

ነዚ፡ ጽቡቕ ሙዚቃን ተልሂትን ትውስኸሉ እሞ፡ ኵሎም ጸላኤ ሰናይ ዝዀኑ ስምዒታት ሕርቃን ነጀው ተልግሶም፤ ትርስዖም።

ኵሉ ነገር ጠንኪርካ ብምስራሕ፣ ኣብ ስራሕኻን ህይወትካን ድማ ዕውት ብምዃን ይብዳህ’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለዋ፡ ሓርጐጽጐጽ ንዝብሉ ስምዒታት ኢዳ ኣይትህብን።

ሓደ ነገር ጥራይ ግን የሰንፋ፤ ፋቕዕ ወይ ናፍቘት ፈጺማ ክትጻወር ኣይትኽእልን።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ እንተተኪዛ ወይ እንተነቢዓ ንስድራኣ ናፊቓ ኣላ ማለት’ዩ፤ ብፍላይ ንወላዲታ ኣደይ ብርሂት ካሱ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕላላ ኣልዒላ ዘይትጸግበን ኣደይ ብርሂት፡ ካብ ምድረ ገጽ ክጠፍኣለን ዝደልየኦ ሓደ ነገር ኣሎ’ዩ፤ ብኡኡ ኣብሊጻ ትፈትወን።

ኣብ ሞንጐ ኣደን ጓል ዘሎ ፍሉይ ዝምድና ጸኒሕና ክንምለሶ ኢና።

ከም ሰብ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ካብ ስድራቤታ ክትፍለ ኣይትደልን፤ ፈታዊት ሰብ ስለ ዝዀነት ድማ ንዕርክነት ወይ ምሕዝነት እትህቦ ሚዛን ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡ ምስ መሓዙታ ጽቡቕ ህይወት ኣለዋ።

ንሳ፡ “መሓዛ፡ ካልኣይ ኣነ ከምዝዀነ እየ ዝሓስብ” ብምባል ትገልጾ።

ጓል 27 ዓመት ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ጽልዋ ካብ ዝፈጥራ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ሓንቲ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ [2022] ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ውድድር ማራቶን ብምስታፍ ብዘመዝገበቶ ዓወት፡ ብሽማ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣጽሒፋ።

ኣትሌት ጎይተቶም፡ ኣብ ትግራይ ወረዳ እንደርታ ማይ ቀያሕ ኣብ እትብሃል ንእሽተይ ቑሸት ካብ ገባር ስድራ ቤት ተወሊዳ ዓብያ።

ልክዕ ከምቲ መብዛሕትኡ ኢትዮጵያዊ ድማ፡ ጕያ ኣብ ቤት ትምህርቲ’ያ ጀሚራቶ። ኣብ እዋን ቍልዕነታ ዝነበራ ድልየትን ሕጂ ዝዀነቶን ግን ፈጺሙ ከም ዘይራኸብ ትዛረብ።

“ጋዜጠኛ ክኸውን እዩ ነይሩ ድልየተይ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝተመሃርኩዎ ናብ ገዛ መጺአ ንስድራይ ይትንትነሎም፣ ከም ጋዜጠኛ . . . ወረቐት ጠቕሊለ ኣብ ኢደይ ይሕዝ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣደይ 'ድልየትኪ ንሱ እዩ ነይሩ' ትብለኒ። ንሳ’ውን 'ጓለይ ጋዜጠኛ ክትኰነለይ እያ' ትብል ነይራ” ትብል።

እንዳ ኣደይ ብርሂት ግን፡ ዋላ’ውን ጓሎም ጋዜጠኛ ክትኰነልና እያ ዝብል ባህጊ እንተነበሮም፡ ኣብ ክንዲ ታሪኽ ጋዜጠኛ፡ ታሪኽ ቤተሰብን ጎረቤትን ዝነበረት ‘ብልጽቲ’ ስፖርተኛ እናዘንተው ስለ ዘዕበዩዋ፡ ጎይተቶም ናብ ስፖርት ኣዘንቢላ።

"ብሱሩ’ውን ናብ ስፖርት ንኽኣቱ ዘተባብዑኒ ንሳቶም’ዮም" ትብል። ታሪኽ ኣዳነች ጴጥሮስ ድማ ዝያዳ ደሪኹዋ።

“ኣብ ገጠር ጓል ኣንስተይቲ ቍምጣ ገይራ ኣብ ስፖርት ምጕያይ ከም ነውሪ ተገይሩ’ዩ ዝቝጸር ነይሩ፤ ኣብ ገዛና ግን ወለደይ ስፖርት ስራሕ እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ ነይሮም [ብፍላይ ኣደይ]” ትብል።

ጎይተቶም ገብረስላሰ ምስ ወላዲታ

ምንጪ ስእሊ, Gotytom Gebreslase

ጐና ጐኒ ትምህርታ፡ ንጉያ ነኺሳ ዝሓዘት ጎይተቶም ኣብ ስፖርት ጸብለልታ ከተርኢ ጀሚራ። ኣብ ሞንጐ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝካየዱ ውድድራት እታ ወረዳ ሓሊፋ ብደረጃ ክልል ናብ ዝተጣየሻ ክለባት ንክትሕቈፍ ግዜ ኣይወሰደላን።

“እቶም ናይ ቤት ትምህርቲ ውድድራት ከም ዓብዪ ሻምፒዮን’የ ዝሓስቦም ነይረ” ትብል።

በዚ መልክዑ፡ ብ2000 ዓ.ም [ኣ. ኤ] ኣብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪን ብጋንታ ክትሕቈፍ ክኢላ። ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ መቐለ ናይ መጻረዪ ውድድራት ተገይሮም፡ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳመይቲ፣ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ድማ ሳልሰይቲ ኰይና ብምውጻእ ናብታ ጋንታ ተጸንቢራ።

“ኣብ ዝኣተኻዮ ዕውት ክትከውን ኣለካ ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ሰባት ስለ ዝዀንኩ ኣብ ስፖርት ምስ ኣተኹ ኣብ ዓዲ ብዙሕ ኣይጸናሕኩን፤ ቀልጢፈ ውጽኢታዊት ብምዃን ናብ መስፍን ኣትየ” ትብል።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ንምስታፍ ዘኽእላ ዕድል ክትረክብ እንከላ፡ ብ2011 [ኣ. ኤ] ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ሻምፒዮና መንእሰይ ዓለም ንፈለማ እዋን ንሃገር ወኪላ ተሳቲፋ።

እዚ፡ ውድድር ትሕቲ 18 ዓመት ኰይኑ፡ ጎይተቶም ብሰለስተ ሽሕ ሜትሮ ተሳቲፋ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ፈላማይ ሜዳልያ ወርቂ ረኺባ።

“እዚ ዓቢይ መገዲ ዝኸፈተለይ ውድድር’ዩ። ሓደ ግዜ እንተስዒርካ ከኣ ሞራል ስለ ዝኸውን፡ ድሕሪኡ ጠንኪረ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ።”

ኣትሌት ጎይተቶም ኣብ ካልኦት ውድድራት

  • ብ2015፡ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብራዛቪል ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ‘ኦል ኣፍሪካን ገይምስ’ ብሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ተወዳዲራ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ
  • ብ2013 ድማ፡ ዓለምለኸ ኣትሌቲክስ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ጉያ መሮር [cross country championship] ‘ጁኒየር ደቂ ኣንስትዮ’ ተሳቲፋ። እዚ ውድድር ኣብ ፖላንድ ተኻይዱ ነይሩ።
  • ብ2012፡ ኣብ ቤኒን ሻምፒዮንሺፕ ኣፍሪቃ ክካየድ እንከሎ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ብምስታፍ ሜዳልያ ነሓስ ተዓዊታ
  • ብ2011፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓለምለኸ ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ መናእሰይ ብምውድዳር፡ ኣብ ውድድር 3 ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ወርቂ ኣምጺኣ
ኣብ በርሊን ማራቶን ወርቂ ሜዳልያተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

‘ናተይ ጅግና ኣደይ’ያ’

ኣብዚ ወገን፡ ሓንሳብ ካብ ኣንደበት ኣትሌት ጎተይቶም ናብ ዘይፍለያ ኣደይ ብርሂት ክንመልሰኩም።

ጎይተቶም፡ ‘ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ’ እትብለን ወላዲታ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝበጽሕ ባህላውን ማሕበራውን ጸቕጢ እናተቓለሳ ነቲ ሕጂ በጺሓትሉ ዘላ ደረጃ ዕውትነት መስዋእትነት ከም ዝኸፈላ ትዛረብ።

“ብሰንኪ እቲ ኣብ ገጠር ዘሎ ኣተሓሳስባ ተገዲዳ ትምህርታ ኣቋሪጻ ናብ ሓዳር ኣትያ፤ እዚ የሕማ’ዩ። ብዙሓት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሓ ዝኽእላ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ጸቕጢ ወለደን ድሕሪት ክተርፋ ስለ እትርኢ ድማ፡ እቲ ኣነባብራን ባህልን ትቃለሶ ነይራ” ትብል።

ክሳብ 8ይ ክፍሊ ተማሂረን’የን፤ ኣብ ትምህርተን ንፍዕቲ እንተነበራ’ውን ገና ጓል 13 ዓመት እንከለዋ ስለ ዝተመርዓዋ ግን ካብቲ ዝፈትውኦ ትምህርቲ ከም ዝተሰናኸላ ጎይተቶም ትገልጽ።

በዚ፡ ወትሩ ይጉህያ ዝነበራ ወላዲት፡ ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ዓባይ ጓለን’ውን ኣርኪቡ፤ ኣይተሓጐሳን። ቀጺሉ ከኣ፤ ‘ጓል ኣንስተይቲ ገጠር ተመርዒዋ ናብራ ክትሕዝ ኣለዋ’ ዝብል ብርቱዕ ንጎይተቶም ጓለን’ውን ከስዕብ ደልዩ።

ሕጅስ ንኻልኣይ ግዜ ክጋገ ኣይክእልን ኢለን፤ ንበዓል ቤተን ኰነ ካልኦት ነዚ ሓሳብ ዝድግፉ ዝነበሩ ሰባት ብትሪ ክቃወምኦም፤ ደቈም ነዚ ኩነታት ንዘቃልዑ ስድራቤታት’ውን ዓገብ ምባል ጀሚረን።

“ኣደዋይ፡ ጓል 13 ዓመት እናሃለወት ከም እተመርዓወት እያ ትነግረና፤ ስለዚ እቲ ሕማም ስለ ዝርድኣ፤ ኣብ ዘይድልየትካ ክኸውን እንከሎ ክኣ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ስለ እትፈልጥ እቲ ብውሽጥን ደገን ዝመጽኣ ጸቕጢ ኣየንበርክኻን። ጎሊሕና ክንወጽእ፣ ዓርስና ክንክእል’ያ ትጽዕር፤ ጅግና’ያ” ትብል።

ኣትሌት ጎይተቶም ኣብ ውድድራት 5 ሽሕን 10 ሽሕን ሜትሮ

  • ብ29 ሰነ 2016 ኣብ ኔዘርላንድስ ሄንግሎ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ 10ይ ደረጃ ሒዛ
  • 4 ለካቲት 2015 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት ሚልሮስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓመታዊ ናይ ውሽጢ ገዛ ኣትሌቲክስ፡ ብ3 ሽሕ ሜትሮ ብምስታፍ ሜዳልያ ነሓስ ረኺባ
  • ብ2014 ኣብ ውድድር ኒው ባላንስ ኢንዶር ግራንድ ፒሪክስ [ቦስተን] ኣብ ዝነበረ ውድድር 3 ሽሕ ሜትሮ ድማ ሜዳልያ ብሩር ተዓዊታ
  • ብ2017 ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ናይ ውልቂ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ብምስታፍ ሳልሳይ ወጺኣ
  • ብ2015 ድማ፡ ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝተኣናገድ ዓመታዊ ውድድር ኣትሌቲክስ ‘ናይት ኦፍ ኣትሌቲክስ’ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ካልኣይ ኰይና ውድድራ ዛዚማ

ምንጪ፡ ድሕረ ገጽ ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ ዓለም

ኣትሌቲክስ እንታይ ይደሊ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ፡ ሕጂ ብማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ወናኒት ክብረወሰን ዓለም’ያ። ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ድማ ቀጥታ ተሳታፊት ክትከውን እያ።

እታ ኣትሌት፡ ብውልቂን ብጕጅለን ዘሰልጥኑዋ ሰለስተ ኣሰልጠንቲ ኣለውዋ።

ጉያ፡ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ እትብል ኣትሌት ጎተይቶም፡ ከቢድን ጥንቃቐ ዝሓትትን ስራሕ ከም ዝዀነ ትዛረብ።

“እግሪ ጥራይ ዘይኰነ ርእሲ’ውን ምስኡ ሓቢሩ’ዩ ዝጎዪ፤ ክልቲኦም እንተዘይተናቢቦም ውጽኢታዊ ኣይትኸውንን። ከም ዕላማ እንተሒዝካዮ ድማ ጉያ ብሓጺሩ ህይወትካ’ዩ ዝቕይር” ትብል።

ናብኡ ንምብጻሕ ግን ትፍተን ኢኻ፤ ሓሓሊፉ ክኣ እንኳዕ ጎያዪ ኮንኩ ትብለሉ ኣሎ፤ ሓሓሊፉ ድማ ዓመት መመላእታ’ውን ሰሪሕኻ ውጽኢት እንከየምጻእኻ ምስ እትተርፍ ተስፋ ትቘርጽ።

ሰብ ብፈተና ክሓልፍ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ እትዛረብ ጎይተቶም ግን፡ “ተስፋ ኣብ ዝቘረጽኩሉ ግዜ ተማርሪ፤ ጽቡቕ ውጽኢት ኣብ ዘምጻእካሉ ክኣ ጽቡቕ ኣለኹ ኢልኪ ትዘናግዒ እንተኾይኪ ኣጸጋሚ’ዩ። ስለዚ ጉያ ብጣዕሚ ጥንቃቐ ዘድልዮ ስራሕ እዩ” ኢላ።

እቲ ኣብ ኦሪገን ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም [2022]፡ እታ ኣትሌት ጐሊሓ ዝወጽኣትሉ ውድድር ኰይኑ፡ ኣብዚ ውድድር ዝተፈለየ ውጽኢት ንምምዝጋብ ዓሊማ ከም ዝኣተወት ገሊጻ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት፡ ምስ ስድርኣ ክትራኸብ ብዘይምኽኣላን ሃለዋቶም ዘይምፍላጣን ዝፈጠሮም ሓያሎ ጸቕጢ ከም ዝነበሩ እትጠቅስ ጎተይቶም፡ ግን “እዚ ዓመት ንዓይ ዓመተይ’ዩ ኢለ ይሓስብ ስለ ዝነበርኩ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ንከምጽእ ይሰርሕ ነይረ” ኢላ።

“ዝኾነ ነገር ብስራሕ ኢኻ ትስዕሮ፤ ጽባሕ ምርኻብና ኣይተርፍን፤ ኣነ ዝሐሸ ህይወት ሒዘ እንተጸኒሐ እየ ቤተሰበይ ከድሕን ዝኽእል እምበር ብስነ ኣእምሮ ተጎዲአ ካልኣይ ጉድኣት ክዀኖም ኣይደልን፤ ስለዚ እቲ ኩነታት ኣብ ኣእምሮይ ዝዀነ ዕንቅፋት ንከይፈጥረለይ ብዝብል ኣብ ስርሐይ ትኹረት ገይረ ይሰርሕ ነይረ”።

ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሴ፡ ሕጂ ብማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ወናኒት ክብረወሰን ዓለም’ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጎይተቶም ኣብ ማራቶን ዘመዝገበቶም ዓወታት

  • 8 ሓምለ 2022 - ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም -ኦሪገን - ቀዳመይቲ - ዝኣተወትሉ ሰዓት፡ 2፡18፡11
  • 6 መጋቢት 2022 - ቶኪዮ ማራቶን- ሳልሳይ - ዝኣተወትሉ ሰዓት 2፡18፡18
  • 26 መስከረም 2021 - በርሊን ማራቶን - ቀዳመይቲ - ዝኣተወትሉ ሰዓት 2፡20፡09
  • 12 ታሕሳስ 2021 - ፍርቂ ማራቶን - ባሕሬን ከተማ ማናማ - ቀዳመይቲ -ዝኣተወትሉ ሰዓት 1፡05፡36
  • 8 ግንቦት 2022 - ፍርቂ ማራቶን - ፖርቹጋል - ሳልሳይ - ዝኣተወትሉ ሰዓት 1፡97፡11