ንእንዳ ጓሓፍ፡ ከተማ ዘወቅብ ሓምላይ ከባቢ ዝቐየረት ሰናይት

ምንጪ ስእሊ, SENAIT GASHAW
እዚ ቦታ፡ 'እማን ድዩ ብጻዕሪ ሓደ ሰብ ጥራይ ተሰሪሑ?' ኢልካ ንምእማን ኣጸጋሚ ክሳብ ዝኸውን ውቍብን ግሩምን እዩ ኰይኑ ዝርአ። እቲ ሓቂ ንሱ እዩ፤ ብሓንቲ ዕውትቲ ጓለንስተይቲ ብዝተገብረ ጻዕሪ ዝዀነ እዩ።
እዚ ኣብ ሓጺር፡ ዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ዝዀነ ግን ኣይኰነን፤ ዓሰርታት ዓመታት ወሲዱ’ዩ።
እታ ከተማ’ውን ከምዚ ዓይነት ኣዝዩ ምዕሩግ ቦታ ርእያ ኣይትፈልጥን።
እዚ፡ ሙቐት ዝበዝሖ ኵነታት ኣየር ንዘለዋ ከተማ፡ ጥዑም ኣየር ዝርከቦ ከባቢ ኰይኑላ ኣሎ።
ብዙሓት መሓዙትን ፍቝራትን ተራኺቦም ናይ ልቦም ዘዋግዑሉ፡ መርዑት ስነስርዓት መርዓኦም ዝጽንብሉሉ፡ ፕሮግራማት ልደትን ምረቓን ዝተኣናገደሉ፡ ህጻናት ከም ልቦም ዝዘልሉ፡ ቪድዮታት ሙዚቃ - ክሊፕ -ዝስርሓሉ፡ ብኡሳት ዝዕረቝሉ . . . ኮታ ብዙሓት ማሕበራዊ ጕዳያት ዝፍጸመሉ ማእከል እዩ።
እዚ፡ ሓምላይን ጽሩይን ኰይኑ ዝተሰርሐ መዘናግዒ ቦታ፡ ነበርቲ ናይታ ኢንዳስትሪያዊት ከተማ ተባሂላ እትፍለጥ ኮምቦልቻ፡ ‘ኣሎና’ ዝብልዎ መዘናግዒ ቦታኦም’ዩ።
ነዚ ዘግሃደት ከኣ፡ ኣደ ክልተ ቈልዑ ሰናይት ጋሻው’ያ።
ሰናይት፡ ካብ ግዜ ቍልዕነታ ጀሚሩ ንተኽሊ ፍሉይ ፍቕሪ ነይርዋ። ልሙዕ፡ ሓምላይ ቦታ ምርኣይ ትፈቱ።
‘ከብዲ ጥራይ ዘይኰነ ዓይንና’ውን ይምገብ’ዩ’ ዝብል እምነት ኣለዋ።
ስለ ዝዀነ፡ ደኺሙኒ እንከይበለት እትዅስኹሶም ኣትክልቲ፡ ካብ ገዛኣ ሓሊፎም ንሕብረተሰብ ከባቢኣ ዝጠቕሙ ክዀኑ ንምግባር ተበግሶ ወሲዳ።
መንበሪ ገዛኣ ኣትክልቲ ዝበዝሖ’ዩ፣ ቀጽሪኣ ገዛኣ’ውን ከምኡ።
ሰናይት፡ ትምህርቲ ሕርሻ ኣይተምሃረትን፤ ብዛዕባ ተኽሊ ዝረኸበቶ ሳይንሳዊ ፍልጠት’ውን የብላን።
ልምዲ ምትካልን ምዅስኻስን ኣትክልቲ ግን ጸኒሑዋ እዩ።
“ባህሪ እቲ ተኽሊ ንምፍላጥ እጽዕር’የ፤ ከም ሓኪም እንታይ ከም ዝዀነ’ውን ክሳዕ ክፈልጥ እኽእል'የ። እዚ ንዕኦም ካብ ዘለኒ ፍቕርን ልምድን ዝረኸብክዎ’ዩ። ከም ህጻን፡ እንታይ ይፈትው? እንታይ ይጸልኡ? እንታይ የሕሞም? እንታይ የድሕኖም? ሓሲበ ይከናኸኖም” ትብል።
ኣቦኣ መራሒ መኪና’ዩ ነይሩ፤ ንሱ ነቲ ሕጂ ዘለዋ ስብእና መሰረት ከም ዝዀና ትዛረብ።
ኣብ ከተማ ደሴ ዝነብር ዝነበረ ኣቶ ጋሻው፡ መንበሪኡን ቐጽሪ ገዛኡን ብተኽሊ ዝማዕረገ እዩ ነይሩ።
ናብ ዝዀነ ቦታ ክኸይድ እንከሎ’ውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልቲ ሒዙ ይምለስ።
እዚኦም ብኣግባቡ ምስተተኸሉ፡ ሰናይት ሓደራ ይወሃባ። ንሳ ድማ፡ ማይ ምስታይን ምምዕራግን ሓላፍነት ነይርዋ።
ኣብ ገዛኦም፡ ኵሉ ዓይነት ተኽሊ ምህላው ትዛረብ። ንመልክዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንመኣዛን መግብነትን ተባሂሎም ዝተተኸሉ ብዙሓት እዮም።
ዓደስ፡ ጨና ኣዳም፡ ኣዝማሪኖ፡ ፕሪም፡ ኮክ፡ ኣፕልን ካልእን ኣለው።
ሰናይት ተመሃሪት 12 ክፍሊ ምስ ኰነት ግን ወለዳ ስለዝሞቱ፡ ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋታ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ባዕላ ተሰኪማቶ።
በዚ ምኽንያት፡ ትምህርታ ክትቅጽል ኣይክኣለትን፤ ሓዳር ገይራ፡ ንኣሕዋታ ከተዕቢ ጀሚራ።
እቲ ንተኽሊ ዘለዋ ፍቕሪ ግን ልክዕ ከም ትምህርታ ኣይተሰናኸለን። በዓል ቤታ፡ ተኽሊ ዝፈቱን ዝንከባኸብን ምዃኑ ድማ ምትብባዕ ፈጢሩላ።
“ኣብ ገዛ ንዝትከሉ ኣትክልቲ ፍሉይ ፍቕሪ ኣለኒ” እትብል ሰናይት፡ እዚኦም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንምእካብ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝኣትው ኣትክልቲ ገዚእካ ንምብዛሕ ልዕሊ 20 ዓመታት ከም ዝወሰደላ ገሊጻ።
እዚ ልምዲ ናብ ካልኦት ንምክፋል፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ዝትከሉ ኣትክልቲ ክትሸይጥ ጀሚራ። ይዅን’ምበር፡ እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ክንድ’ቲ እትደልዮ ለውጢ ከምጽእ ኣይርኣየቶን።
“እቶም ዘቕርቦም፡ ኣትኽልቲ ተተኺሎም ዝጸድቁ ኣይመስሎምን ነይሩ” ትብል።
ነዚ ብተግባር ንምርኣይ ክኣ፡ ኣብቲ እትሸጠሉ ከባቢ ንእሽቶ ተኽሊ ምትካል ትጅምር። ሰባት ክገዝኡ ክመጽኡ እንከለው ድማ፡ ኣየናይ ናይ ኣየናይ ውጽኢት’ዩ ዝብል ብተግባር ከተርእዮምን ኣተሓሕዛኡ ከተረድኦምን ጀሚራ።

ምንጪ ስእሊ, SENAIT GASHAW
ኣብቲ ከባቢ ሓምለዋይ መዘናግዒ ቦታ ስለ ዘይነበረ፡ ብዙሓት ሰባት ናብዛ ሰሪሕካ ምርኣይ ኢላ ዘዳለወታ ቦታ ብዙሓት ስእሊ ክስኣሉ ክመጽኡ ጀሚሮም።
“መርዑት ከይተረፈ ክመጽኡ ጀሚሮም፤ ድልየት እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ልዑል ኰይኑ” ዝበለት ሰናይት፡ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ቦታ ከተልምዕ ጀሚራ።
ምምሕዳር እታ ከተማ መሬት ንኽህባ ድማ ብተደጋጋሚ ትሓትት። ድሕሪኡ፡ ጐሓፍ እታ ከተማ ንክድፍኣሉ ዝተሓረየ ቦታ ተዋሂቡዋ።
እዚ፡ ኣብ ከባቢ ሩባ ቦርከና ዝርከብ ሸህ ሻቢር ዝበሃል ከባቢ እዩ።
ንሳ ግን፡ እዚ ዝዀነ ዓይነት ትሕተ ቕርጺ ዘይብሉ፡ ጓሓፍ ዝድፍኣሉ ቦታ ምዃኑ ልባ ኣይሰበሮን፣ ጉልበታ'ውን ኣየድከሞን።
ኣብ ኢዳ ገንዘብ ኣይነበራን፣ በዚ ግን ኣይተሰናበደትን።
“ኢደይን እግረይን ጥራይ ሒዘ’የ ስራሕ ጀሚረ” ትብል።
ነቲ ከባቢ ኣጽርያ፡ ካብቲ ሩባ ማይ ብምስሓብ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ቀጽሪ ገዛኣ ዝኣከበቶም ኣትክልቲ ኣውጺኣ፡ ባዕላ ብዝቐየሰቶ መልክዕ በቦታኦም ኣትሒዛቶም፤ እቲ ጻዕሪ ግን ቀሊል ኣይነበረን።
ቤተሰባ፡ ብስርሓ ሕጕሳት እንተዀኑ’ውን በቲ እትኸፍሎ ዝነበረት ዋጋ ቅር ይብሎም ነይሩ።
ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ’ውን ኣይትድከሚ፡ ኣይልወጥን እዩ ይብላ ነይሩ። “ኣጆኺ! በርትዒ” ዝበሉ ግን ኣይተሳእኑን።

ምንጪ ስእሊ, TIOBSTA GASHAW
ንሳ ግን፡ ኢዳ ኣይሃበትን። እቲ ከባቢ ካብታ ከተማ ውጽእ ዝበለ ስለ ዝነበረ ጥራይ፡ 'ሰብ ኣይመጾን እዩ ዝኸውን' ዝብል ስግኣት ነይርዋ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብዙሓት ሰባት ዝእንገዱሉ ቦታ ኰይኑ፤ ኣብ መወዳእታ እቲ ብፍቕሪ ዝጀመረቶ ስራሕ መብልዒ እንጀራኣ ኰይኑ።
እዚ መዘናግዒ ቦታ፡ ኣብ 20 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ዝተደኰነ እዩ። እቲ 10 ሽሕ ብማይ ተጓሕጒሑ ጸድፊ ዝነበረን ብጻዕራ ዝተዓቀበን ከም ዝዀነ ትዛረብ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ እቲ መዘናግዒ ቦታ ኣብ ሓደ ግዜ 15 ጽንብል መርዓ ከአንግድ ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ።
እዚ፡ ብጻዕሪ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝተጀመረ መዘናግዒ ቦታ፡ ሕጂ 50 ሽሕ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ኣለውዎ። ግዝያዊ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረሎም’ውን ኣለው።
“ብዙሓት ሰብ ሞያ መንእሰያት ኣፍሪናሉ፣ ኣተሓሳስባ ሰባት ቀይርናሉ ኢና። ጓሓፍ ንክጸሪ፡ ሆቴላት ሓምላይ ንክዀኑ ኣብነት ኴንና ኢና” ትብል።
እዚ ስራሕ ብቐጻሊ ናብ ካልኦት ከተማታት ከተስፍሖ መደብ ኣለዋ። በዚ ስርሓ፡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኮምቦልቻ ዋንጫን ምስክር ወረቓቕትን ተበርኪቱላ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







