ኢትዮጵያዊት ተመራማሪት ተኽሊ ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት ተሰማ

ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኽምዎ እንስሳ እንታይ’ዩ? ሕብሩ፡ ዓቐኑን ቅርጹን ትዝክሩዎ’ዶ? ካብ ካልኦት እንስሳታት ብኸመይ ትፈልዩዎ?
ግርም፤ ሕጂ ብዛዕባ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ፡ መግብን መኣዛን ካብኡ ሓሊፉ’ውን መድሃኒት ዝህቡናን ኣብ ህይወትና ብብዙሕ መልክዑ ኣበርክቶ ዘለዎምን ኣትክልቲ ክነልዕል።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኹምዎ ዓይነት ተኽሊ ኸ እንታይ እዩ?
ኣእምሮኹም፡ ኣክንዲ እቲ ተኽሊ፡ ቀልጢፉ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኹምዎ እንስሳ ዝመጽኣሉ እንተዀይኑ እቲ ጸገም ኣብ በይንኹም ኣይኰነን።
መብዛሕትና፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ተኽሊ ናይ ዘይምስትውዓል ጸገም ከም ዘለና ሳይንስ ይገልጽ፤ ተመራመርቲ ነዚ ‘plant blindness’ ኢሎም ይሰምይዎ።
ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት ተሰማ ግን፡ ካብ ግዜ ቍልዕነታ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ካብ ሕልናኣ ዘይጠፍእ፡ ጨናኡ እንከይተረፈ ፈጺማ ዘይትርስዖን ወትሩ እትርእዮን ሓደ ተኽሊ ኣሎ።
ካብ እኖ-ሓጐኣ’ያ ወሪሳቶ። ጨናኡ ጥራይ ዘይኰነ ንጥዕና’ውን ጠቓሚ’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለዋ፡ ኣብ ገደናኣ ካብ ዝተኸለቶም ኣትክልቲ ሓደ’ዩ።
“ዓባየይ፡ ክዳውንታ ሓጺባ፡ ሳዕሪ ሮማዲ [Lemongrass] ጠጢቓ ኣብ ክዳና ትገብሮ እሞ ‘ለሚን ተሰኪማ ድያ ትዘውር?’ ይብል ነይረ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ፡ ንዓይ ክዳን ሰሪሓ ብኡኡ ጠቕሊላ ኣምጺኣትለይ። ክሳብ ሕጂ ጨናኡ ካብ ሕልናይ ኣይወጽአን” ትብል።
ድሕሪኡ ግን፡ ስርሓን ህይወታን ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልቲ ስለ ዝዀነ፡ ንዓኣ ‘ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኽዮ ተኽልስ ትዝክርዮ’ዶ?’ ኢልካ ምሕታት ዋዛ እዩ ዝኸውን።
መሰረት፡ ኣደ ክልተ ቈልዑን ብዙሓት መሓዙት ዘለውዋን ተመራማሪት ስነ-ኣትክልቲ እያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሕርሻ ብፍላይ ምስ ደርቂ ብዝተኣሳሰር፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልቲ ‘ብኸመይ ደርቂ ክጻወሩ ከም ዝኽእሉ ምግባር ይክኣል?’ ኣብ ዝብል ኣድሂባ ትሰርሕ ኣላ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዋሳ ኮሌጅ ሕርሻ ድማ፡ መመረቒ ምርምራት ብብዝሒ ኣብቲ ንሳ እትሰርሓሉ ዓይነት ምርምር ኣተኵሮም ዝሰርሑ ተመሃሮ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ትመሚ።
ስርሓት ምርምር ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት፡ ተኽሊ [እጽዋት] ሕጽረት ማይ ዝፈጥሮ ውጥረት ወይ ጸቕጢ ክላመዱን ከም ማሽላን ዕፉንን ዝኣመሰሉ ዘራእቲ ድማ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ብኸመይ ምልማድ ይከኣል ኣብ ዝብል ዘተኰሩ’ዮም።
“ንሕና [ሰባት] ንደክም፡ ንጭነቕ፡ ንፈርሕ ኢና፤ ብፍላይ ክንጭነቕ እንከለና ነቲ ጭንቀት ንምጽዋር እነመንጭዎ ሆርሞን ኣሎ።ኣትክልቲ’ውን ከምኡ ይገብሩ እዮም - ይጭነቝ። ንሳቶም’ውን [ብፍላይ] ክሊማዊ ለውጢ ክጻወሩ ዘኽእሎም ሆርሞን የመንጭው እዮም፡” ትብል።
ኣትክልቲ፡ ነዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ክጻወርዎ እንከለው፡ እዚ ኸኣ፡ ቁመቶም ምንካይ፣ መጠን ዘፍርይዎ ቘጽሊ ምንካይ፣ ወይ’ውን ሰራውሮም ብምብዛሕ ካብ ካልእ ቦታ ትሕዝቶ ማዕድናት ብምውሳድ ክኸውን ከም ዝኽእል መሰረት ተረድእ።
ንኣነባብራኦም ዝምልከት፡ ርእሱ ዝኽኣለ ሚስጥራት ኣለዎም። እቲ ዘድልዮም ኣብ ዘድልዮም ግዜን ቦታን መደብ ገይሮም እዮም ዝጥቀሙሉ።
ንኣብነት ሰራውሮም እንተርኢና፡ ኣትክልቲ መዓስ እንታይ ዓይነት ሰራውር ክህልዎም ከም ዘለዎ ይወስኑ’ዮም።
ማይ ክውሕድ እንከሎ፡ ናብ ጐድኒ ዘይኮነ ንታሕቲ እዮም ዝዓብዩ፤ ኣብዚ ግዜ፡ ዓበይቲ ዘይኰነ ንኣሽቱ ሰራውር ብምውጻእ ብኡኡ ማይ ናብ ዘለዎ ቦታ ከይዶም ማይ ይወስዱ።
ብዓቢኡ ግን፡ ኣትክልቲ ተጸኒዖም ዘይተወድኡ ብዝሐ-ህይወት’ዮም እዩ ዝብሃል።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ውሽጢ ሓመድ ሚሊዮናት ማክሮኦርጋኒዝም ምህላዎም እትገልጽ ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት፡ እዞም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ዝርከቡ ነፍሳት ዝህብዎ ጥቕሚ ዝምልከት ተጽንዕ ምህላዋ ትዛረብ።
“እዚኦም ኣትክልቲ ብቐሊሉ ካብ ከባቢኦም መኣዛ ክወስዱ፣ እቶም መኣዛታት ድማ ንክፍጠሩ፣ ብቐሊሉ ማይ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ክእክቡ ይገብሩ። ብኻልእ ወገን በቲ ዘመንጭውዎ ኬሚካል ኣቢሎም እቶም ኣትክልቲ እቲ ዘሎ ሕጽረት ማይ ንኽፈልጡ፣ ካብኡ ተበገሲኦም ነብሶም ንከዳለው፣ ዕብየቶም ክልውጡ ይኽእሉ። ስለዚ እዚኦም ነቲ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ መፍትሒ’ዮም ኢለ ስለ ዝኣምን ብሰፊሑ ንኽንጥቀመሎም ኣብኡ ምስራሕ ጀሚረ ኣለኹ፡” ኢላ።
‘ሕክምና ከጽንዕ’የ ዝደሊ ነይረ’
በዅሪ ውላድ፡ ነቶም ድሒሮም ዝመጽኡ ቈልዑ ጽቡቕ ኣሰር ከንጽፍ ምርኣይ፡ ትጽቢት መብዛሕትኦም ስድራቤታት’ዩ።
ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ዝዓበየት መሰረት’ውን፡ ስድራኣ ኣብነት ዝደሓሩ ደቈም ንኽትኰነሎም ትጽቢት ነበሮም። ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ኣምጺኣ ክፍሊ ትምህርቲ ሕርሻ ምምዳባ ግን ፈጺሙ ዝተሓጐሰትሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን።
ልክዕ ከምቲ መብዛሕትኡ ተመሃሪ ቀዳማይ ምርጫኡ ኣብ ዘይኰነ ምደባ ክበጽሖ እንከሎ ዝስምዖ፡ ንሳ’ውን ትጽቢታን ግሃዳዊ ክስተትን ኣይተቓደወላን ነይሩ። በዚ ምኽንያት ኣይተሓጐሰትን።
“ኣብቲ ግዜ፡ ውሑዳት ሰባት ኢና ንሓልፍ ነይርና፤ ኣነ ኸኣ ድልየተይ ሕክምና ከጽንዕ’ዩ ነይሩ። ኣቦይ’ውን ናይ እንስሳት ሓኪም ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ናይ ሳይንስ መጽሓፍቲ እናንበብኩ’የ ዓብየ። ስለዚ ሕክምና ክመሃር ይደሊ ነይሩ” ትብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ውጽኢቶምን ምደባ ዘጽንዕሉ ዩኒቨርሲቲን ኣብ ገዛኦም ኰይኖም ብቴሌፎን እዩ ዝበጽሖም።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ግን ከምኡ ኣይነበረን። ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት ተሰማ፡ ብ1992 ዓ.ም [ግእዝ] ማትሪክ ክትወስድ እንከላ፡ ኵሉ ነገር ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ተሓቲሙ ክሳብ ዝወጽእ ክትጽበ ግድን ነይሩ።
“ሽዑ፡ ኣኮይ’ዩ ርእዩዎ፤ እንታይ ከም ዝደሊ ስለ ዝፈልጥ ንዓይ ከይተዛረበ ንአቦይ ነጊርዎ። ወለደይ ከኣ ከይትሓዝን ኢሎም፡ ተማኺሮም ጸኒሖም፡ ‘እቲ ቀንዲ ዘገድስ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምእታው’ዩ፡’ ኢሎም ኰፍ ኣቢሎም ነጊሮምኒ። ግን ሓዚነ’የ” ትብል።
ወሲኻ፡ “ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተኹ [ኣዋሳ ኮሌጅ ሕርሻ እዩ ዝብሃል ነይሩ] ውሑዳት ኢና ነይርና። ኣነ ናብ ስነ-ህይወት ዘዘንበልኩ ስለ ዝነበርኩ ስነ-ኣትክልቲ መሪጸ። ድሕሪኡ ግን ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺአ፡ ፈትየዮ ተማሂረዮ። ሕጂ ከም ብዓሚቝ ስምዒት እየ ዝሰርሖ” ኢላ።

ካብ ሳይንስ ዝሓለፈ ምትእስሳር
ቅድም ኢሉ፡ ብዛዕባ ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣኹምዎ ዓይነት ተኽሊ ሓቲትናኩም ነይርና።
መሰረት፡ ሎሚ ዝርኣኽዎ ተኽሊ እንታይ ይኸውን ዝብል ጥራይ ዘይኰነ፡ ክወግሕን ክመስን ዘርእይዎ ጠባይ’ውን ምክትታልን ምስትብሃልን መነባብሮኣ እዩ።
ምስ ኣትክልቲ ክትነብር ወይ ክትትንክፎም እንከለኻ፡ ንጉሆ ዕምበባኦም ክኸፍቱ፣ ምሸት ድማ ዕምበባኦም ክዓጽው ክትርእዮ እንከላ የግርመላ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ “ናይ ምንባርና ምኽንያት’ዮም” ክትብል ትገልጾም።
ሓቂ’ዩ፡ ብቐንዱ እንተንፍሶ ኦክስጂን ዝህቡና ንሳቶም’ዮም። እንተዀነ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝስዕቡ ዘለው ጸቕጢታት፡ምጥፋእ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣትክልትን፡ ምንካይ ስነ-ሂወታዊ ብዙሕነትን የስግኣ።
ምስ ክሊማዊ ለውጢ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ዝዓበየ ጸገም ደርቂ ከምኡ’ውን ሕጽረት ማይ እዩ።
“ሰባት ጸሓይ ክበዝሓና እንከሎ፡ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ቦታ ንንቀሳቐስ ኢና። ኣትክልቲ ግን ከምኡ ኣይኰኑን፣ ኣብ ዘለውዎ ኰይኖም እዮም ዝጻወርዎ። ነዚ ብተፈጥሮኦም ዝጻወርዎ ገለ ዓሌታት ኣለው፤ ገሊኦም ግን ኣይክእሉን። ስለዚ እቶም ተጻወርቲ ዘይኰኑ ምስቶም ክጻወሩ ዝኽእሉ ክዳቐሉ ንገብሮም ኣለና” ትብል።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ደርቂ ጥራይ እንተርኢና፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማሊያን ኣሽሓት ኣርባሕቲ እንስሳን ሓረስቶትን ካብ ቤት ንብረቶም ከመዛብል እንከሎ፡ ብዙሓት ጥሪት ሞይተን እየን።

ምንጪ ስእሊ, Eduardo Soteras/Getty
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ከም ዝብሎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 20 ሚሊዮን ሰባት ንዝኸፍአ ሓደጋ ጥምየት ዝተቓልዑ’ዮም። ኢትዮጵያ ድሕሪ 40 ዓመት እቲ ዝኸፍአ ደርቂ ከጋጥማ እንከሎ 40 ሚኢታዊት ህዝቢ ሶማሊያ ንዝኸፍአ ጥምየት ተቓሊዑ ይርከብ።
ክሊማዊ ለውጢ፡ ናይዚ ሽግር ቀንዲ ምኽንያት ኰይኑ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተጠቃዒት ክሊማዊ ለውጢ ከም ዝዀነት ውድብ ሕቡራት ይገልጽ። ነዚ መንቀሊ ንዝዀነ ልቀት ካርበን ግን 4 ሚእታዊት ጥራይ ብጽሒት እዩ ዘለዋ።
ተመራመርቲ፡ ቅጥዒ ዝናብን ንፋስን ተንቲኖም፣ መጠን ጠሊ ሓመድ ኣጽኒዖም፣ ዋሕዚ ሩባታት ተገንዚቦም፣ ዓለምለኻዊ ዋጋ ዘራእቲ ኣሰላሲሎም፣ ምልውዋጥ ኵነታት ኣየርን ኣብ ሓምላይ ከባቢታት ዘሎ ለውጢ መረዳእታ ሳተላይትን ከምኡ’ውን ሓበሬታት ጐንጽን ሰብኣዊ ቅልውላውን ተደሪዀም፡ ሓደጋ ጥምየትን ደርቅን ቅድሚ ምግጣሙ ክእምቱ ይኽእሉ’ዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዝዓበየ ስርዓተ መጠንቀቕታ ጥምየት ዝዀነ መርበብ መጠንቀቕታ ቅድመ ጥምየት [Fews Net] ብ2016፡ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት 27 ሚሊዮን ህዝቢ ንከቢድ ሕጽረት መግቢ ከየቃልዕ ተሰጊኡ ዘሎ ሓያል ደርቂ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣአንፊቱ ነይሩ።
እቲ ብተኸታታሊ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማሊያን ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዘሎ ደርቂ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዘጋጥም ሕጽረት ዝናብን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ስዒቡ ዝመጽእ ከም ዝዀነ፡ እትጠቅስት ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት፡ ብቐጻሊ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ምህላው ትዛረብ።
“እዚ ዓቢይ ጸገም’ዩ [ክሊማዊ ለውጢ]፤ ተጠናኺሩ እዩ ዝቕጽል። ብምኽንያት ክሊማዊ ለውጢ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክውስኹ’ዮም ዝብል ግምታት’ዩ ዘሎ። ስለዚ ክሊማዊ ለውጢ ምህላው ክንኣምን፡ ኣብ ከባቢና ዝኽሰቱ ዘለው ነገራት ከነስተብህለሎም፣ ፖሊሲ ዝቐርጹ ሰባት ድማ ነዚ ኣብ ግምት ከእትውን ሓላፍነት ኵላትና ክኸውን ይግባእ፡” ኢላ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ሓደጋታት ደርቂ እናቐጸለ ዝኸይድ ስግኣት ብምዃኑ፡ ኣትክልቲ ነዚ ከመይ ክጻወሩ ይኽእሉ? ደርቂ ዝጻወሩ ኣትክልቲኸ ብኸመይ መልክዑ ናብ ሓረስታይ ክቐረቡ ይኽእሉ? ኣብ ዝብሉ ምርምራት ከም እተተኵር ብምግላጽ፡ ሕብረተሰብ ንዝነብረሉ ከባቢ ተላሚዶም ዝጸንሑ ዓይነታት ኣትክልቲ ከይጠፍኡ’ውን ቈላሕታ ንኽግበረሎም ከም እትጽዕር ተረድእ።
ምስ ክሊማዊ ለውጢ ብዝተሓሓዝ፡ ዓለምና ምጥፋእ ስነሂወታዊ ብዙሕነት ከም ዘስግኣ’ውን ኣዘኻኺራ።
“ኣብ ሃገርና ምስ እንርኢ፡ ሓረስታይ ወትሩ ክሓርስ’ዩ ዝደሊ፤ ጽግዕተኛ ክኸውን ዝደሊ ክፋል ሕብረተሰብ ኣይኮነን፤ ግን ክሊማዊ ለውጢ ጸገም የምጽእ ኣሎ። እዚ፡ ኣቐዲምካ ምትንባይ ስለ ዝዀነ፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ተመራመርቲ ዘቕርቡዎ መረዳእታ ተጠቒሞም ነቲ ሓረስታይ ኣቐዲሞም ከዳልውዎ ይግባእ” ትብል።
እቲ ጸገም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብሰንኪ ምኽባር ዋጋታት ሃለኽቲ መግብታትን ካልእን ኣብ ከተማታት ጸገማት ውሕስና መግቢ ይርአ እዩ። እዚ እቲ ሓረስታይ መጀመርታ ንባዕሉ ክቕልብ ስለ ዘለዎ እዩ።
እዚ፡ ሰባት ተኽሊ ብብዝሒ ናይ ምትካልን ምሕብሓብን ልምዲ ከዕብዩ፣ ከባቢኦም ብምስትብሃል ንክሊማዊ ለውጢ ኣስተዋጽኦ ዝገብሩ ነገራት ክንክዩን ዝገብሮም መንቅሒ ደወል ምህላው ዘመልክት ምዃኑ ተገንዝብ።
“ክሊማዊ ለውጢ ምህላው ክንኣምን ኣለና፤ ብዘይ ተኽሊ ከኣ ክንነብር ኣይንኽእልን። ስለዚ ጥንቁቕ ስርዓተ ኣነባብራ እንተዘይተኸቲልና ናብ መጥፊኢና ኢና ንጐዪ ዘለና። ምኽንያቱ ክሊማዊ ለውጢ እናበኣሰ እዩ ዝኸይድ። ብዙሕ ኣጥፊእና ኢና፤ ድሕሪ ሕጂ ክንቍጠብ፣ መዓልታዊ ኣብ ገዛና እንሰርሖ፡ እነፍስሶ ማይ፡ ኣጠቓቕማ ኤሌክትሪክ፡ ጓሓፍ እነወግደሉ ስርዓት ከሉ ከነስተብህለሉ ኣለና፡” ኢላ።
ሓጋዚት ፕሮፌሰር መሰረት ተሰማ፡ ንዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ሎሬት ዋን ፕላኔት ፌለውሺፕ ኰይና፡ ንኣሽቱ ሓረስቶት ኣፍሪቃ፣ ከምኡ’ውን ክሊማዊ ለውጢ ክጻወር ዝኽእል ምርምራት ሕርሻ ኣብ ዘተኵሩ ፕሮጀክታት ምህዞ ክትነጥፍ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







