ኣብ ማራቶን ለንደን ክዕወቱ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ኣትሌታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ኣብ ዝካየድ ማራቶን ለንደን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ከም ዝረኽቡ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ።
ማራቶን ለንደን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ውድድራት ኣትሌቲክስ እዩ።
ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ፡ ቀነኒሳ በቀለን እንግሊዛዊ ሞ ፋራህን ካልኦት ኣትሌታትን ክሳተፉ እዮም።
ቀነኒሳ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ማራቶን ክብረወሰን ዝሓዘ ኬንያዊ ኤሉዩድ ኪፕቾገ ኣብ ዓለም ካልኣይ ብሉጽ ሰዓት ኣመዝጊቡ’ዩ። ቀነኒሳ ነቲ ናይ 42 ኪ.ሜ ርሕቀት ኣብ ውሽጢ 2፡01፡41 እዩ ዛዚሙ።
4 ግዜ ተዓዋቲ ወርቂ ሜዳልያ ኦሎምፒክ ዝዀነ ሞ ፋራህ’ውን ኣብቲ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ዝጅምር ውድድር ትጽቢት ዝግበረሉ ኣትሌት እዩ።
ሞ ፋራህ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ውድድር ማራቶን ለንደን ናይ መወዳእታ ውድድሩ ከም ዝኸውን ሓቢሩ።
ቀነኒሳን ሞ ፋራህን ኣብ ሓደ ውድድር ብሓባር ክሳተፉ እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።
ኣብ 2022 ኣብ ቫለንሽያ ማራቶን ብ2፡01፡53 ዝተዓወተ ኬንያዊ ኬልቪን ኪፕቱም’ውን ትጽቢት ዝግበረሉ ኣትሌት'ዩ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደን፡ ቀነኒሳ ክዕወት ትጽቢት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ኣሌክስ ኪፕሩቶ ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ድሒሩ ኣብ 5ይ ደረጃ ከም ዝዛመ ይዝከር።
ኣብ ማራቶን በርሊን ናይ ኩሉ ግዜ ዝበለጸ ናይ ውልቁ ሰዓት ዘመዝገበ ቀነኒሳ ዝተፈላለየ ጉድኣት ከጋጥሞ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማራቶን ለንደን ዝተዓወተ ኣሞስ ኪፕሩቶ ሎሚ ዓመት ዳግማይ ንምዕዋት ክጎዪ ኢዩ።
ኣብ ማራቶን ለንደን 2022 ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዝዛመ ኢትዮጵያዊ ልኡል ገብረሳላሴን ድማ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ሓደ እዩ።
ካልኦት ትጽቢት ዝግበረሎም ኣትሌታት ድማ ተዓዋቲ ማራቶን ኒውዮርክ ኬንያዊ ጀፍሪ ካምዎሮሮ፡ ምኡ’ውን ኣብ ማራቶን ለንደን 2020ን 2021ን ካልኣይ ዝወጸ ቪንሰንት ኪፕቹምባን እዮም።
ብተወሳኺ እቲ ሎሚ ዝካየድ ውድድር፡ ብደቂ ኣንስትዮ ተዓወትቲ ወርቂ ሜዳልያ ኦሎምፒክ ክደምቕ እዩ።
ብቀንዱ ትጽቢት ዝግበረላ ፒየርስ ጀፕቸርች ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከም ዝተዓወተት ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደን ዝተዓወተት ያለምዘርፍ የኋላው፡ ክብራ ክትዕቅብ ከም እትጎዪ ይእመን።
ያለምዘርፍ፡ ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደን ብ2፡17፡26 ሰዓት ተዓዊታ፡ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እቲ ሳልሳይ ብሉጽ ሰዓት እዩ።
ሆላንዳዊት ሻምፕዮን ኦሎምፒክ 5 ሽሕን 10 ሽሕን ሜትሮ ዝዀነት ሲፈን ሓሰን’ውን ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ እያ።
ሲፈን ኣብ ውድድር ማራቶን ክትሳተፍ እዚ ንመጀመርያ ግዜ እዩ።
ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ዝርከባ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እውን ክዕወታ ከም ዝኽእላ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ዝተዓወተት ኣልማዝ ኣያና ካብተን ትጽቢት ዝግበረለን ሓንቲ እያ።
ውድድር ደቂ ኣንስትዮ እውን ብእኩብ ተዓወትቲ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ ዝድመቕ እዩ።
ገንዘቤ ዲባባን ሻምፕዮን ማራቶን በርሊን 2022 ትእግሰት ኣሰፋን እውን ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ውድድር ክሳተፋ እየን።
ካልእ ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሰሓበት ድማ ብሪጣንያዊ ኤሊሽ ማኮልጋን እያ። እዛ ኣብ ውድድር ኮመንዌልዝ ተዓዋቲት 10 ሽሕ ሜትሮ ዝዀነት ኣትሌት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ብሉጽ ብቕዓት ትርከብ።
ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ለንደን 2023 ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሰዓት 5፡23 ከምኡ’ውን ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ድማ ድሕሪ 45 ደቓይቕ ክጅምር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







