ኤርትራ ኣብ መበል 19 ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም ሸውዓተ ኣትሌታት ከተሳትፍ’ያ

ምንጪ ስእሊ, CLIVE BRUNSKILL
ኤርትራ ኣብቲ ካብ 19 ክሳብ 27 ነሓሰ 2023 ኣብ ሃንጋሪ ከተማ ቡዳፐስት ዝካየድ መበል 19 ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ብሸውዓተ ኣትሌታት ተወኪላ ክትሳተፍ ምዃና መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ውድድር ኣፍሊጡ።
ኣብ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱን ዶልሺ ተስፉን ንኤርትራ ክውክላ’የን።
ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ከኣ መርሃዊ ከሰተ፡ ጎይትኦም ክፍለ፡ ዑቕበ ክፍሎም፡ ብርሃነ ጸጋይ ክውክሉ እንከለዉ፡ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ከኣ መርሃዊ መብራህቱ ክወዳደር’ዩ።
ሓንቲ ካብቶም ኣብዚ ውድድር እትሳተፍ ምኩርቲ ናይ ማራቶን ተወዳዳሪት ናዝሬት ወልዱ ኮይና፡ ሓንቲ ካብተን መዳልያ ከምጽኣ ትጽቢት ተነቢርላ ዘሎ ኣትሌት ምዃና ብዙሓት ይግምቱ።
ናዝሬት ወልዱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም ብ2 ሰዓት 20 ደቒቕን 29 ካልኢትን መበል ራብዓይቲ ኮይና ብምዝዛም ዝበለጸ ግዜ ምምዝጋባ ዝዝከር’ዩ።
ናዝሬት ወልዱ ሓንቲ ካብተን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ርሕቐታት ዓወታት ከተመዝግብ ዝጸንሐት ኣትሌት’ያ።
- 2006 ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተካየደ ኩሉ ዓይነት ውድድር ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓጺር ርሕቐት ናይ 400 ሜትሮ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ።
- 2007 ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየደቶ ውድድር ናይ 400 ሜትሮ ውድድር ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና
- 2007-2008 ኣብ ጅቡቲ ኣብ 800 ኪሎ ሜትሮን 1500 ሜትሮን ክልተ ዓመት ኣከታቲላ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ኣርባዕተ ወርቂ ሜዳልያ ሓፊሳ።
- 2007 ሻምፕዮን መንእሰያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2008 ሻምፕዮን ጁንየር ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምዃን፡ ኣብ 400 ከምኡ'ውን 800ን ሜትሮ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና።
- 2017 ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዘካየደቶ ናይ 5000 ሜትሮ ካልኣይቲ ወጺኣ ውድድራ ዛዚማ።
- 2022 ኣብ ድጉ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀዳመይቲ ብምውጻእ ክብረ ወሰን ናይቲ ውድድር ኣመሓይሻ። እዚ ገለ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ካልእ ኣብ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ንኤርትራ ኣብ ውድድር ማራቶን እትውክል ዶልሺ ተስፉ ኮይና፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ሮተርዳም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ንውድድራ ብ2 ሰዓት 21 ደቒቕን 35 ካልኢትን ብምዝዛም ካልኣይቲ ኮይና ዝወድኣቶ ግዜ እቲ ዝበለጸ ኣብ ማራቶን ዘመዝገበቶ ግዜ’ዩ።
ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ዶልሺ ተስፉ፡ ኣብ ጥቅመቲ 2021 ኣብ ፖርቱጓል ኣብ ዘካየደቶ ውድድር ፍርቒ ማራቶን’ውን ካልኣይቲ ወጺኣ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።
ካልእ ንኤርትራ ኣብ ቡዳፐስት ዝውክላ ኣብ 10000 ሜትሮ ኣትሌት መርሃዊ መብራህቱ’ዩ።
መርሃዊ መብራህቱ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ።
ሚያዝያ 2023 ኣብ ቦስቶን ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ሻሙናይ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ፖርቱጓል ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ቀዳማይ፡ ኣብ ሓምለ ኣብ ቤልጂም ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ሻሙናይ ኮይኑ ውድድራቱ ወዲኡ።
ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዑቕበ ክብሮም እቲ ካልእ ንኤርትራ ኣብ ማራቶን ዝውክል ጎያዩ’ዩ።
ዑቕበ ኣብ ማራቶን ዝበለጸ ግዚኡ ክልተ ሰዓት 5 ደቒቕን 51 ካልኢትን ኮይኑ ሎሚ ዓመት ኣብ ስጳኛ ኣብ ፍርቒ ማራቶንን ኣብ ማራቶንን ውድድር ብምስታፍ ጽቡቕ ግዜ ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ።
ዑቕብ ኣብ ፍርቒ ማራቶን ንውድድተሩ ብ1 ሰዓት 1 ደቒቕን 1 ካልኢትን ብምዝዛም ካልኣይ ክኣቱ ኣንከሎ ኣብ ማራቶን ከኣ ብ2 ሰዓት 5 ደቂቕን 51 ካልኢትን ብምዝዛም ራብዓይ’ዩ ወጺኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ጎይትኦም ክፍለ’ውን ኣብ ማራቶን ዓቢ ተሞክሮ ዝደለበን ኣብ ብዙሓት ውድድራት ዝተሳተፈን ኣብ ማራቶን ንውድድሩ ብክልተ ሰዓትን 5 ደቂቕን ክዛዝም ዝኸኣለ ኣትሌት’ዩ።
ሎሚ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየዶ ውድድር ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኮይኑ ክዛዝም ክኢሉ’ዩ።
መርሃዊ ከሰተ’ውን ንኤርትራ ኣብ ማራቶን ዝውክል ኣትሌት ኮይኑ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ኣምሰተርዳም ዘመዝገቦ ግዜ ናይ ማራቶን ዝበለጸ ግዚኡ’ዩ፡ 2 ሰዓት 6 ደቒቕን 36 ካልኢትን።
መርሃዊ ሎሚ ዓመት ኣብ ኦሳካ ጃፓን ኣብ ማራቶን ታሽዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመሉ ናይዚ ዓመት ዝበለጸ ውጽኢቱ’ዩ።
እቲ ካልእ ንኤርትራ ኣብ ማራቶን ዝውክል ኣትሌት ብርሃነ ጸጋይ ኮይኑ፡ ብርሃነ ኣብ ግንቦት 2022 ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየዶ ማራቶን ንውድድሩ ብ2 ሰዓት 8 ደቒቕን 23 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየዶ ማራቶን’ውን ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።
ኤርትራ፡ ኣብ ኣትለቲክስ ቻምፕዮና ዓለም ቀዳመይቲ ነሓስ መዳልያ ኣብ 2009 ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ብመንገዲ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ’ያ ረኺባታ።
ኣብ 2015 ከኣ ኦሎምፒካዊ ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣብ ማራቶን ቀዳመይቲ ወርቒ መዳልያ ንገዛእ ርእሱን ንሃገሩን ኣምጺኡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







