ማራቶን በርሊን፡ ትዕግስት ኣሰፋ ብኬንያዊት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ሰይራ

ትእግስት ኣሰፋ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኢትዮጵያዊት ትዕግስት ኣሰፋ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ክብረወሰን ዓለም ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣመዝጊባ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ነቲ ውድድር ብ2 ሰዓትን 11 ደቒቕን 53 ካልኢትን ከም ዝተዓወተትሉ ይዝከር።

ኣብ 2019 ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ነቲ ውድድር ብ2 ሰዓት 14 ደቒቕን 04 ካልኢትን ዝዛመት ኬንያዊት ብሪጂድ ኮስጌይ ነቲ ክብረወሰን ዓለም ሒዛ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ማራቶን በርሊን ጓል 29 ዓመት ኣትሌት ትእግስት፡ ዳርጋ ብልዕሊ ክልተ ደቓይቕ እያ ሰይራቶ ዘላ።

ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ድርብ ሻምፕዮን ኦሎምፒክ ኤልዮድ ኪፕቾገ፡ 2 ሰዓትን 2 ደቒቕን 42 ካልኢትን ብምዝዛም ንሓሙሻይ ግዜ ተዓዋቲ ኰይኑ።

ኤልዮድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ ብ2 ሰዓትን 1 ደቒቕን 9 ካልኢትን ብምዝዛም ክብረወሰን ደቂ ተባዕትዮ ኣመዝጊቡ’ዩ። ኣብቲ እዋን ንራብዓይ ግዜ ብምእዋት ምስ ኢትዮጵያዊ ሃይለ ገብረስላሴ ማዕረ ኰይኑ ነይሩ።

ትዕግስቲ ነቲ ውድድር ዝዛዘመትሉ ሰዓት ኣብ በርሊን ዝተመዝገበ መበል 13 ክብረወሰን ዓለም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2 ሰዓትን 15 ደቒቕን 37 ካልኢትን ዝወሰደላ ክኸውን እንከሎ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ታሪኽ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ዝተመዝገበ ሳልሳይ ዝቐልጠፈ ግዜ 'ዩ ነይሩ።

ኣብ 800 ሜትሮ ትነጥፍ ዝነበረት ትዕግስት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ እያ ኣብ ውድድር ማራቶን ክትሳተፍ ጀሚራ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ማራቶን በርሊን፡ ፍርቂ ናይቲ ውድድር ንምዝዛም ብ1 ሰዓት፡ 6 ደቒቕን 20 ካልኢትን’ዩ ወሲዱላ።

ኣብዚ ደረጃ እዚ ንክብረወሰን ዓለም ዝዀን ፍጥነት ዝጎየያ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ እየን፤ ሓንቲ ካብኣተን ድማ ትዕግስት ኣሰፋ’ያ።