ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ማራቶን ሜዳልያ ወርቅን ብሩርን ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኢትዮጵያ ሜዳልያ ወርቅን ብሩርን ተዓዊታ።
ኣብዚ ሓያል ንሕንሕ ዝተራእዮ ውድድር ኣትሌት ኣማኔ በሪሶ ሜዳልያ ወርቂ ክትዕወት እንከላ፡ ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ ብሩር ተዓዊታ።
ኣማኔ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቫሌንሺያ ኣብ ዝተካየደ ውድድር ኣብ ማራቶን ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ዝጐየየት ኣትሌት እያ።
ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ድማ፡ ብ2፡23.23 ብምእታው ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ኰይና።
ሜዳልያ ብሩር ዘምጽአት ኣትሌት ጎይተቶም ብወገና፡ ብ2፡24፡34 ክትኣቱ እንከላ ኣብቲ ውድድር ዝተሰለፋ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ነዚ ሎሚ ዝተረኽበ ዓወት ንምምዝጋብ ብሓባር ክሰርሓ ተራእየን።
ጓል 27 ዓመት ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ጽልዋ ካብ ዝፈጥራ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ሓንቲ እያ።
እቲ ውድድር ሓያል ሙቐት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተኻየደ ብምዃኑ፡ እተን ኣትሌታት ዘርኣይኦ ጽንዓት ብብዙሓት መራኸቢ ማዕከናት ናእዳ ረኺቡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ [2022] ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ውድድር ማራቶን ብምስታፍ ብዘመዝገበቶ ዓወት፡ ብሽማ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣጽሒፋ።
ኣብቲ ውድድር ሞሮኳዊት ፋጢማ ጋርዳዲ ሳልሳይ ብምዃን ውድድራ ክትዛዝም እንከላ፡ እተን ኣትሌታት ኣፍሪቃ ኣብ ማራቶን እዚ ዓመት ክትዕወት ኣኽኢለን ኣለዋ።
ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ያለምዘርፍ የሁዋላው ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ዛዚመን።
ኣብዚ ውድድር፡ ኣትሌት ጉዳፍ ጻጋይ ብ31፡27.18 ወርቂ መዳልያ ክትዓትር ከላ፡ ለተሰንበት ግደይ ድማ ብ31፡28.16 ብውልቃዊ ዝበለጸ ግዜ ናይዚ ዓመት ብምምዝጋብ ካልአይቲ፡ እጅጋየሁ ታየ ድማ ሳልሰይቲ ኰይና ነሓስ መዳልያ ረኺባ።
ኣብዚ ኢትዮጵያውን ዝደመቓሉ ውድድር፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ውድድር ዝመርሓ ዝነበራ ኣትሌታት ዝዀነት ኣትሌት ሲፈን ኣብ ኣጋ ፍጻመ እቲ ውድድር ምውዳቓ ኣዘራራቢ ምዃኑ ይዝከር።
ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ሰለሞን ባረጋ ሳልሳይ ብምውጻእ ሜዳልያ ነሓስ ከም ዘምጽአ ይዝከር።
ኣብ ማእኸላይ ርሕቐት ብዙሕ ናይ ዓወት ታሪኽ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውድድር መሰናኽል 3 ሽሕ ሜትሮ ለሜቻ ግርማ ብሩር ከምጽእ እንከሎ፡ ኣብ 1500 ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ድማ ደርቤ ወልተጂ ብሩር ረኺባ።
ኣብቲ ሻምናይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ክሳብ ሕጂ ኢትዮጵያ ዝረኸበቶ ብዝሒ ሸሞንተ በጺሑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







