ቻምፒዮንሺፕ ኣትሌቲክስ ዓለም 2023፡ ኣፍሪቃ ኣበየናይ ውድድር ወርቂ ክትዕወት ትኽእል?

ጉዳፍ ጸጋይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ደገፍቲ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣቓልቦኦም ናብ ርእሰ ከተማ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ናብ ዝሳለጥ ውድድር የዘንብል ኣሎ።

ስለዚ እዛ ኣህጉር ቀዳም 19 ነሓሰ 2023 ኣብ ዝጅምር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝህልዋ ኣፈጻጽማ ክተመሓይሽ ድያ?

እምነት ምሕዳር

ካብቶም ኣብ ቡዳፔስት ዝወዳደሩ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት፡ ከምታ ብብዙሓት ኣብ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ጐየይቲ 1500 ሜትሮ ዝዓበየት ተባሂላ እትቑጸር ኬንያዊት ኰኸብ ከዋኽብቲ ፌይዝ ኪፒየጎን፡ ንወርቂ ሜዳልያ ዝሕመዩ ውሑዳት እዮም።

ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ውድድራት ሻምፕዮን ዓለም ወይ ኦሎምፒክ ካብ 2016 ጀሚሩ፡ እታ ጓል 29 ዓመት ሓንሳብ ጥራይ እያ ሜዳልያ ወርቂ ዘይተዓወተት።

እዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ 2019 ኣብ ዶሃ ዝተኻየደ ውድድር ክኸውን እንከሎ፡ ኣትሌት ኪፒየጎን ቈልዓ ምስ ወለደት ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ውድድር ምንባሩ ይዝከር።

ብዘይካ እዚ፡ ኪፒየጎን ካብ ዘለዋ ክልተ ክብርታት ኦሎምፒክን ክልተ ቻምፒዮንሺፕ ዓለምን ብተወሳኺ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ብ1500 ሜትሮ ክብረወሰን ዓለም ሰይራ እያ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ነቲ ናይ 5000 ሜትሮ ክብረወሰን ዓለም ብምስባር ንብዙሓት ኣሰንቢዳ።

ኣብዚ ርሕቀት ንሳልሳይ ግዝኣ እያ ተወዳዲራ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 1500 ሜትሮ፡ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ድሕሪ ኪፕየጎን ኣትያ።

ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ግን ኣብ ውድድር 5 ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊታ።

እታ ጓል 26 ዓመት መንእሰይ፡ ሕጂ ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ትኹረት ከም ዝገበረት ብምግላጽ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ዳግማይ ሻምፕዮን ዓለም ክዕወት እደሊ" ኢላ።

ተነሓናሒት ጉዳፍ ዝዀነት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ሻምፕዮን 10 ሽሕ ሜትሮ ምንባራ ይዝከር።

ኣብ ቡዳፔስት እውን ዳግማይ ሓያል ተነሓናሒት ከም እትኸውን ኣየጠራጥርን።

ብዘይካ'ዚ ሻምፕዮን ኦሎምፒክን ንነብሱ "ንጉስ ነዊሕ ውድድር መሰናኽል" ኢሉን ዝገልጽን ኣብ ኦሪገን ዓብዪ ዓወት ዝተጸንበለ ሞሮኮኣዊ ሱፍያነ ኤል ባካሊ ኣብዚ ውድድር ትጽቢት ይግበረሉ።

ሻምፕዮን ኦሎምፒክን ዓለም ሱፍያነ ኤል ባካሊ ካብ ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ውድድር መሰናኽል ላሜቻ ግርማ ናይ ቀረባ ብድሆ ይጽበዮ
መግለጺ ስእሊ, ሻምፕዮን ኦሎምፒክን ዓለም ሱፍያነ ኤል ባካሊ ካብ ወናኒ ክብረወሰን ዓለም ውድድር መሰናኽል ላሜቻ ግርማ ናይ ቀረባ ብድሆ ይጽበዮ

እዚ ወዲ 27 ዓመት ኣትሌት፡ ን15 ዓመታት ዓብላልነት ኬንያ ዝጸንሖ ተታሒዙ ዝጸንሐ ውድድር ክቕየር ብምግባር ዘርኣዮ ብሉጽ ታክቲክ ካብ ወርሒ መስከረም 2021 ጀሚሩ ኣብዚ ውድድር ከይተስዓረ ጸኒሑ ኣሎ።

ኢትዮጵያዊ ላሜቻ ግርማ ኣብ ክልቲኡ እተን ኤል ባካሊ ዝተዓወተለን ውድድራት ሜዳልያ ብሩር ተዓዊቱ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ግን እዚ ወዲ 22 ዓመት ኣትሌት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 7፡52.11 ብምጉያይ ክብረወሰን ዓለም ሰይሩ።

በዚ፡ ንዝሓለፉ 19 ዓመታት ዝጸንሐ ክብረ ወሰን ዳርጋ ብኽልተ ካልኢታት ኣመሓይሹ።

ወዲ 20 ዓመት ኬንያዊ ሳይሞን ኮች እውን ኣብ ውድድር 3000 ሜትሮ ውድደር መሰነኻል ተስፋ ተገይርሉ ዘሎ ኰኸብ እዩ።

ኣብዚ ዓመት፡ ንግርማን ኤል ባቃሊን ስዒቡ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ዝቐልጠፈ ሰዓት ሒዙ ኣሎ።

ጕያ ጕያ

ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ፡ ዩጋንዳዊ ጆሹዋ ቸፕተጌ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዜ ንምዕዋት ክወዳደር እዩ።

በዚ፡ እዚ ወዲ 26 ዓመት ኣትሌት፡ ታሪኽ ብተኸታታሊ ኣርባዕተ ግዜ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሃይለ ገብረስላሴን ቀነኒሳ በቀለን ንምድጋም ሓደ ስጉሚ ክቐርብ እዩ።

ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት በሪሁ ኣረጋዊን ሰሌሞን ባሬጋን ግን ኣብ ቡዳፔስት ክብድህዎ ይኽእሉ’ዮም።

ኣትሌታት ኣብ ዓበይቲ ሻምፕዮናታት ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ንምብጻሕ ንኣዋርሕ እንተዘይኰይኑ ንዓመታት ሓያሎ ጻዕሪ ይገብሩ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ኦሪገን ዝተኻየደ ውድድር፡ ብጉዳይ ቪዛ ተስፋኦም ዝቕሃመ ተወዳደርቲ ዝነበሮም ቁጥዐኦም ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይነበረን።

ኬንያዊ ተቐዳዳማይ ቅጽበታዊ ውድድር (60፡ 100ን 200ን ሜትሮ) ፈርዲናንድ ኦማንያላ፡ ብሰንኪ ጽኑዕ ረቛሒታት ቪዛ ኣሜሪካን ሕልኽላኻት ለበዳ ኮሮናቫይረስን፡ ንፈላማይ ውድድሩ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ቪዛ ካብ ሞንጐ ዝረኸቡ ምንባሩ ይዝከር።

ቅድሚ ሰለስተ ሰዓታት እቲ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር በጺሑ፤ ጉዳያት ጉምሩክን ስደትን ግን ቀልጢፉ ክውገን ብዘይምኽኣሉ፡ ነቲ ውድድር እኹል ኣእምሮኣውን ኣካላውን ምድላው ክገብር ዝነበሮ ግዜ ኣዝዩ ውሑድ ነይሩ።

እዚ ወዲ 27 ዓመት ኣትሌት ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቡዳፔስት ግን እዚ ውጽኢት ከመሓይሾ ትጽቢት ይገብር።

ከምኡ'ውን ኣብ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ፍጻመ 100 ሜትሮ 5ይ ደረጃ ዝሓዘ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣካኒ ሲምቢነ'ውን ነዚ የመዓዱ።

ሻምፕዮን ጸወታታት ኮመንዌልዝ ኬንያ ፈርዲናንድ ኦማንያላ ኣብ ቡዳፔስት ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግብ ተስፋ ኣለዎ
መግለጺ ስእሊ, ሻምፕዮን ጸወታታት ኮመንዌልዝ ኬንያ ፈርዲናንድ ኦማንያላ ኣብ ቡዳፔስት ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግብ ተስፋ ኣለዎ

ካልእ ኣፍሪቃውያን ኣፍቀርቲ ኣትሌቲክስ ዓይኖም ዘውድቑሉ፡ ድርብ ሻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ዝዀነ ቦትስዋናዊ ሌትሲለ ተቦጎ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ናብ ፍርቂ ፍጻመ 100 ሜትሮ በጺሑ እዩ።

ልክዕ ከም ተቦጎ፡ ላይበርያዊ ፍሌየር ጆሴፍ ፋህንቡለህ፡ ብቐንዱ ኣብ ቡዳፔስት ኣብ ዝካየድ ውድድር ኣብ 200 ሜትሮ ትኹረት ክገብር ይኸውን።

ወናኒ ክብረወሰን ዓለም 400 ሜትሮ ዋይድ ቫን ኒከርክ፡ ትኹረት ክረክብ እዩ። እዚ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ዳይመንድ ሊግ ኣይተስዓረን።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓለም ራብዓይ ዝቐልጠፈ ተወዳዳሪ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፡ ማሪ-ጆሲ ታ ሉ ጽቡቕ ቁመናኣ ክትዕቅብ ተስፋ ይግበር።

እታ ኣብ 2021 ናይ ኣፍሪቃ ክብረወሰን 100 ሜትሮ ዝሓዘት ኣይቮሪያዊት ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 7ይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።

34 ዓመት ታ ሉ’ውን ኣብቲ ውድድር ብዙሓት ይጽበዩዋ።

ዛንጐ ከመይ ተዳልዩ ኣሎ?

ቡርኪናፋሶ ኣብ ቻምፒዮንሺፓት ኣትሌቲክስ ዓለም ኣለኒ እትብሎ ብሉጽ ተወዳዳሪ ኣለዋ።

ብሰለስተ ዝላ ዝፍለጥ ሁገስ ፋብሪስ ዛንጎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሜዳልያ ብሩር ተዓዊቱ፤ ኣብ 2019 ሜዳልያ ነሓስ እዩ ከምጽእ ክኢሉ ነይሩ።

ኣብ ውድድራት ሻምፒዮንሺፕ ካልእ ሜዳልያ ዝረኸበ ቡርኪናዊ የለን።

ኣብ ውድድራት ቶክዮ፡ ነታ ሃገር ናይ መጀመርታ ሜዳልያ ኦሎምፒክስ እውን ዝዓተረ ኣትሌት እዩ።

ዛንጎ ሕጂ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ካልኦት መድረኻት ዓለም ዘይተዓወተሉ ሜዳልያ ወርቂ ይጥምት ኣሎ።

ይኹን እምበር ቀንዲ መነሓንሕቱ ፖርቱጋላዊ ፔድሮ ፒቻርዶ ገና ካብቲ ውድድር ስለ ዘይወጽአ ቀሊል ውድድር ኣይኸውንን።

ንሱ፡ ኣብ ሻምፕዮን ኦሎምፒክን ዓለምን ኣብ ጽቡቕ ቁመና ብምህላውን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኤውሮጳ ናይ ውሽጢ ገዛ ብምዕዋት ሃገራዊ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ እዩ።

ኣብ ዓለም መበል 10ይ ዝነውሐ ዝላ ዘለዋ ኣትሌት ማርተ ኮኣላ ብደቂ ኣንስትዮ ትለዓል።

ማርተ ኮኣላ

ሕጂ ሜዳልያ ወርቂ ክትዕወት እያ ዝብል ግምት እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ውድድራት ዝላ ትኹረት ትገብር ምህላዋ ግን ዘርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሰለስተ መርመራ ጸረ መተባብዒ መድሃኒት ተገይሩላ ዘይሓለፈትን ኣብ ክሲ ዘላን ጓል 26 ዓመት ሻምፕዮን ኮመንዌልዝ ናይጄሪያዊት ኣትሌት ቶቢ ኣሙሳን፡ ካብተን ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ትጽቢት ተገይሩለን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ሓንቲ እያ።