ደቂ ኣንስትዮ ደሚቐን ዝተራእያሉ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም

ኣትሌታት ለተሰንበት ግደይ፣ ጎይተቶም ገብረስላሰን ጉዳፍ ጸጋይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መበል 18 ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም እዚ ዓመት ፍሉይ ካብ ዝገብሩዎ ፍጻመታት እቲ ሓደ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ብሓደ ግዜ፡ ብብዝሕን ዓይነትን ሜዳልያ ዝለዓለ ቑጽሪ ዘመዝገበትሉ ምዃኑ እዩ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብኽልቲኡ ጾታ ኣብ ውድድር ማራቶን፡ ወርቂ ሜዳልያ ዝረኸበትሉ ኰይኑ፡ ኣትሌት ጎይትኦም ገብረስላሰ ክብረወሰን እዚ ውድድር ብምስባር ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ምዃና ይዝከር።

“ኩሉ ናብ ውድድር ክኣቱ እንከሎ ክዕወት እየ ዝብል ሒዙ’ዩ፤ ስለዚ ኣነ’ውን ክዕወት’የ እምበር ክስዓር እየ ኢለ ኣይኣተኹን” ትብል።

እቲ ናብ ኦሪገን ዘምርሐ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ሜዳልያ ነሓስን ክእክብ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ካልኣይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ። ኣመሪካ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኰይና ትመርሖ ኣላ።

ኣብዚ ውድድር፡ ዋና ክብረወሰን ዓለም ዝዀነት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ውድድር ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ወርቂ ከተምጽእ እንከላ፡ ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ሜዳልያ ነሓስ ዝነበራ ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ሜዳልያ ነሓስ፡ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ድማ ሜዳልያ ወርቂ ብምዕዋት በዓልተ ክልተ ሜዳልያ ዝዀነትሉ ውድድር ነይሩ።

ብተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት፡ ኣብ ውድድር መሰናኽል ሰለስተ ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ብሩርን ነሓስን ክዕወታ እንከለዋ፡ ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር ካብ ዝኣከበቶ ብዝሒ ሜዳልያ እቲ ሸውዓተ ብደቂ ኣንስትዮ ክምዝገብ ገይረን’የን።

“ብመንጽር ውጽኢት መብዛሕትኡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝመጽአ ምዃኑ ክርኢ እንከለኹ ኣሐጒሱኒ’ዩ። ግን ንኣብነት ደቂ ተባዕትዮ: ኣብ ማራቶን ወርቂ ምምጽኡ ንዓና'ውን ሞራል ኰይኑና’ዩ” ትብል ኣትሌት ጎተይቶም።

ንምዃኑ፡ ካብ ኻልእ ግዘ ብዝተፈለየ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ጐሊሐን ዝወጽኣሉ ሚስጢር እንታይ’ዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ ዓመት ዝተመዝገበ ውጽኢት ኣዝዩ እንበልዮ ዝነበረ እዩ እትብል ተንታኒት ስፖርት ሃና ገብረስላሴ፡ ብመንጽር እቲ ካልኦት ሃገራት ዝገበርኦ ምድላው ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝተገብረ ምዃኑ ትዛረብ።

እዚ ውጽኢት፡ ምስ ኣብ ቀረባ ግዜያት ዝተኻየዱ ሻምፒዮናት ኣትሌቲክስ ዓለም ክወዳደር እንከሎ፡ ፍሉይ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።

“ኣብ ሄልሲንኪን ፓሪስን ዝነበሩ ውድድራት ጽቡቕ ውጽኢት ዘምጻእናሎም ነይሮም። ኣብ ቀረባ እንዝክሮ ውድድር ዴጉ፡ ትሑት ውጽኢት ኢና ኣመዝጊብና፤ እቲ ናይ ሎሚ ክትሪኦ እንከለኻ ምስ’ዚ ሰፊሕ ኣፈላላይ ዘለዎ ውጽኢት’ዩ” ትብል።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ 33 ሜዳልያ ወርቂ ሓዊሱ ብጠቕላላ 95 ሜዳልያታት ኣኪባ ኣላ። በዚ መሰረት ኣብ ዓለም መበል ሻድሸይቲ፣ ካብ ኣፍሪቃ ድማ ንኬንያ ስዒባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት፡ ነቲ ኣብ ኦሪገን ዘመዝገብኦ ውጽኢት ሓዊሱ 47 ሜዳሊያ ኣለወን፤ ደቂ ተባዕትዮ ድማ 48።

“ሚስጢር እዚ ውጽኢት ጽንዓት’ዩ” ክትብል ሃና ትዛረብ። ንሳ ክምስ እናበለት “ንደቂ ኣንስትዮ ወጊንኺ ከይብሃል እምበር” ብምባል፡ ኣትሌቲክስ ጽንዓት ዝሓትት ዓውዲ ስፖርት እዩ ክትብል ተረድእ።

ወሲኻ፡ “ንኹሉ ጸቒጥኻ ምዝራብ ከይዀነኒ ድኣ እምበር፡ ካብ ቀረባ ግዜያት ንድሓር ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ዘሎ ‘ኰንሲስተንሲ’ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ኣይርኣይን” ኢላ።

ተንታኒት ስፖርት ሃና፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ’ውን ጐሊሐን ከም ዝተራእያ ትጠቅስ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብ ክልቲኦም መድረኻት ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብብዝሒ ተነሓናሕቲ ኰይነን ብምቕራብ ዝለዓለ እጃም ይወስዳ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ እዚ ንምንታይ ከምኡ ኰይኑ ዝብል ክጽናዕ ኣለዎ ትብል።

“ደቂ ኣንስትዮ ዝወሃበን ማዕዳ ይሰምዓ’የን፤ ዝወሃበን ስልጠና’ውን ብኣግባቡ ተግባራዊ ይገብራ እየን ዝብሃሉ ርኢይቶታት ክወሃቡ ግን ንሰምዕ ኢና” ኢላ።

ወርቃዊ ዘመን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት

ብርግጽ፡ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንፈለማ እዋን ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝተወዳደረ ኣትሌት ከበደ ባልቻ’ዩ። ንሱ፡ ብ1983 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ፊንላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ፈላማይ ሜዳልያ ብምምጽኡ ይዝከር።

ድሕሪኡ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ 10 ዓመት ብ1993 ዓ.ም ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሜዳልያ ሒዛ ተመሊሳ፤ ሽዑ ኣትሌት ሃይለገብረስላሴ እዩ ነይሩ።

ብ1995 ግን፡ ሓድሽ ታሪኽ ኣጽሒፋ።

ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ፡ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝወከለት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣትሌት ኰይና ናብ ስዊድን ትኸይድ።

ኣብዚ ውድድር፡ ኣትሌት ደራርቱ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ተሳቲፋ ሜዳልያ ብሩር ሒዛ ትምለስ።

ኣብ ካናዳ ዝነበረ ከነዘክረኩም። ኤድመንተን፡ መበል 8ይ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣአንጊዳ።

ደራርቱ፡ ወርቂ ተዓዊታ፤ ብርሃኔ ኣደሬ ሜዳልያ ብሩር፣ ጌጤ ዋሚን ኣየለች ወርቁን ነሓስ ኣምጺአን።

ብ2003 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ፓሪስ ድምቕምቕ ኢላ ነዚ ውድድር ተዘንግዶ። ሽዑ፡ ጓል 18 ዓመት ዝነበር ጥሩነሽ ዲባባ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ካብ ሞንጐ ዝኸዱ ኣትሌታት ሓንቲ ነይራ።

ኣብዚ፡ ውድድር ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ተጀሚሩ። ብዙሓት ስፔናዊት ማርታ ዶሚንጌዝ ወይ’ውን ብርሃኔ ኣደሬ፤ ሕልፍ እንተይሉ ክኣ ኬንያዊት ኣዲት ማሳያ ሜዳልያ ወርቂ ክዕወታ እየን ኢሎም ገሚቶም።

ናይ መወዳእታ ሰዓት ደወል ክትቃጭል እንከላ ግን፡ እቲ ኣፈጻጽማ ካልእ ኰይኑ። መንእሰይ ጥሩነሽ ነተን ኣብቲ ውድድር ተሞክሮ ዝነበረን ኣትሌታት ንድሕሪት ገዲፋ ብምኻድ ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ትኸውን።

እቲ ብ2005 ኣብ ሄልሲንኪ ዝተኻየደ ሻምፒዮና እሞ ኣዝዩ ፍሉይ ነይሩ።

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ሄልሲንኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት፡ ኣብ ውድድራት 5 ሽሕን 10 ሽሕን ሜትሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተመራሪሐን ብምእታው “ሓምለዋይ ውሕጅ” ንዓለም ኣላልየን።

ጥሩነሽ ዲባባ፡ ኣብ ክልቲኡ ርሕቐት ወርቂ ብምውሳድ ኢትዮጵያ ንኣመሪካን ሩስያን ስዒባ ኣብ ዓለም ሳልሰይቲ ክትኸውን ገይራ።

ብዝዀነ፡ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዘመዝገብኦ ዓወታት ከም ዋዛ ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኰነን።

ሶፊያ ኣሰፋ፡ ብውድድር መሰናኽል ሰለስተ ሽሕ ሜትሮ ንኢትዮጵያ ፈላማይ ሜዳልያ ዘምጽአት ኣትሌት እያ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ኣብ ውድድራት 5 ሽሕን 10 ሽሕን ተመራሪሐን ኣብ ምእታው ዝወዳደረን የለን።

ጥሩነሽ ዲባባ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሓሙሽተ ጊዜ ሜዳልያ ወርቂ ብምውሳድ ባንዴራ ሃገራ ሓፍ ኣቢላ እያ። ኣብዚ ዓመት ኣብ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር’ውን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ፍሉይ ብቕዓት ኣርእየን እየን።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ካብ ዝኣከበቶ ኣርባዕተ ወርቂ እቲ ሰለስተ ብደቂ ኣንስትዮ ዝመጽአ እዩ።

'እግርና እምበር ኣእምሮና ኣይዓረፈን'

ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ፖለቲካ ዝተንጸባረቐሉ መድረኽ ነይሩ።

ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ፡ ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ኣብ ዝተዓወተትሉ ግዜ፡ ሓደ ተመልካቲ ባንዴራ ትግራይ ሒዙ ብምኻድ ናብቲ መጉየዪ ቦታ ክኣቱን ነተን ኣትሌታት ክስዕመንን ተራእዩ።

ቅድሚኡ’ውን፡ ኣትሌታት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ ምልክት ኣብ ናይ ጉያ መድረኻት ከም ዘንጸባረቑ ይዝከር።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ካብ ዝተረኽቡ ሜዳልያታት ወርቂ እቶም ሰለስተ ተወለድቲ ትግራይ ዝዀና ኣትሌታት ዘመዝገብኦ እዩ።

ንሳተን፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ምስ ስድራቤተን ክራኸባ ኣይክኣላን።

ኣትሌት ጎተይቶም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርኢይቶ ኣብቲ ውድድር “ካብ ናፍቘት ስድራ ወጻእ ካልእ ዝበጽሓኒ ጸቕጢ የለን። መግቢ ክበልዕ እንከለኹ ግን ስድራይ ይርኣዩኒ። እዚ ጽልዋ ይፈጥር’ዩ። ሰብ በቲ ዓወት ሓጐሱ ክገልጽ እንከሎ ርኢና፤ ንሕና’ውን ስድራና ናብ ዘለውዎ ቦታ እንተንኸይድ ሓጐስና ሙሉእ ምዃነ። ናይ እግሪ እምበር ኣእምሮኣዊ ዕረፍቲ የብልናን” ኢላ።

ኣትሌት ጎተይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እተን ኣትሌታት እዚ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ተጻዊረን ዓወት ምምጽአን ኣዝዩ ዝንኣድ’ዩ ክብሉ ብዙሓት መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ጸብጺቦም’ዮም።

 ተንታኒት ስፖርት ሃና’ውን በዚ ትሰማማዕ።

“ብኢንግሊዘኛ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ፤ ‘What doesn’t kill you makes you stronger’ ዝብል ኣበሃህላ ንኣትሌታት ዝሰርሕ ይመስለኒ። ብምኽንያት እቲ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰብን ሕብረተሰብን ዘሎ ጸቕጢ፡ ብፍላይ ምስ ካልኦት ኣትሌታት ልምምድ ክትገብር ዝኸብድ ክሳብ ዝኸውን በጺሑ’ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ መጀመርታታት ናይ ውድድር ዕድላት ምስኣን ዝኣመሰሉ ጸቕጥታት ነይሮም’ዮም። ነዚ ተጻዊረን እየን ተዓዊተን” ኢላ።

እቲ፡ እተን ኣትሌታት ዝተሰከምኦ ጸቕጢ ልዕሊ እቲ እንሓስቦን እንዛረቦን’ዩ እትብል ሃና፡ “እዚ ጠንካራታት ክዀና ገይሩወን’ዩ ኢለ ይሓስብ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ሰለስቲአን ኣትሌታት ስምዒታውነት ክንጸባረቕ ርኢና። እቲ ውድድር ክውድኣ እንከለዋ፡ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ስምዒት ይርኣየን ነይሩ” ትብል።

ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ’ዩ።

ብሓሙስ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማትን ኣፍልጦን ዝተረኽበት ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ዘመዝገብኦ ውጽኢት ብምንኣድ ኣመስጊና።

እታ ፕሬዝደንት፡ “ነቲ ዝተጨነቐ፣ ዝሓዘነ፣ ዝተከዘ፣ ናብራ ዝኸበዶን ከም ሃገር ኣበይ ኢና ኢሉ ንዝተደናገረን ክምስታ ዝፈጠረ ዓወት’ዩ። . . . ኣነ ጥራይ ክዕወት፣ ኣነ ክቕድም ዘይኰነ ተሓባቢርካ ብጉጅለ ምስራሕ ዝብል በሪ ዝኸፈታ ኣትሌታት ርኢና ኢና፤ ለተሰንበት ዝሃብክና ዓብዪ ትምህርቲ’ዩ” ኢላ።

ፕሬዝደንት ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ብወገና እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ክልል ዝመጽኡ ኣትሌታት ምስ ቤተሰቦም ምርኻብ ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ተዛሪባ።

“ኣብ ትግራይ ኣትሌታት ኣለውና’ዮም፤ ንሳቶም ኣይመጽኡን። ስለዚ ኣብ ዘለውዎ ኰይኖም ልምምድ ክጅምሩ፤ ዘድልዩና ኣትሌታት ድማ ናብዚ ንክመጽኡን መንግስቲ ነዘን ኣትሌታት መገዲ ከፊቱ ምስ ስድራቤተን ክራኸባ ክገብርን ይሓትት” ኢላ።

ኢትዮጵያ ንመወዳእታ ግዜ፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብ2015 ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ እዩ ዓወት ቀኒዑዋ ነይሩ።

ሽዑ፡ ኣትሌት ማሬ ዲባባ ብማራቶን ወርቂ ሜዳልያ ኣምጺኣ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘበን ክብረወሰን ብምስባር ሜዳልያ ወርቂ ዝተዓወተት ጎተይቶም፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ሕውስውስ ኣብ ዝበለ ስምዒት ኰይና ተራእያ ነይራ።

ድሕሪ እቲ ካብ መንግስቲ ዝተበርከተላ ሽልማት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ናብቲ ውድድር እኹል ምድላው ገይረ’የ ኣትየ። ምስ ተነሓናሒተይ ኣትሌት ዝነበረና ፍጥነት ግን ናይ 10 ሽሕ ውድድር እምበር ማራቶን ኣይመስልን። እዚ ክኣ ፈታኒ ገይሩዎ’ዩ” ኢላ።

ሓደ ተመልካቲ ናብ መጉየዪ ቦታ ኣትዩ ኣብቲ ውድድር 5 ሽሕ ሜትሮ ንዝተዓወታ ኣትሌታት ስዒሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምምሕዳር ደራርቱ ቱሉ

ሽም ሃገራ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘጸውዐት ፕሬዝደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ፡ ናብ ሓላፍነት ድሕሪ ምምጽኣ ኣብቲ ፌደሬሽን ለውጢ ከም ዘምጽአት ይዝረበላ።

 ንሳ ነቲ ፌደሬሽን ምምራሕ ካብ እትጅምር ንድሓር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም 2019 ክትሳተፍ እንከላ፡ ኣብዚ ክልተ ወርቂ፣ ሓሙሽተ ብሩርን ሓደ ነሓስን ሒዛ እያ ተመሊሳ።

ኣብዚ ውድድር፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝፍለጡሎም ውድድራት ማእከላይን ነዊሕን ርሕቀት ወርቂ ኣየምጽኡን፤ ግን ክኣ ተስፋ ዘለዎም ኣትሌታት ተራእዮም።

ሽዑ፡ ሸሞንተ ሜዳልያ ብምሓዝ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ዛዚማ።

ድሕሪኡ፡ ደራርቱ፡ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሒዛ ናብ ዓብዪ መድረኽ ኦሎምፒክ ከይዳ።

እዚ ብ2022 ኣብ ቶኪዮ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ሜዳልያ ጥራይ እያ ክትዕወተሉ ክኢላ።

እዚ ውድድር፡ ኢትዮጵያ ዝተሓተ ውጽኢት ዘምጽኣትሉ እዩ። ድሕሪኡ ግን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ውድድር ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፉ ኣትሌታት ዓብዪ ዓወት ኣምጺኦም።

ኣብዚ ውድድር፡ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ወርቂ፣ ሰለስተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብምሓዝ ንኣመሪካ ስዒባ ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት እትጽራሕ ሃገር ኰይና።

ሃና፡ ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ ኣብ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ዘሎ ውጽኢት፡ ደራርቱ ብሕታዊት ምኽንያት እኳ እንተዘይኰነት ዓብዪ እጃም ግን ኣለዋ ትብል።

“ንውድድር ምድላዋት ክግበር እንከሎ መጺኣ እያ ተተባብዖም፤ ከምኣ ጀግና ንክትኸውን ድልየት ንክሓድረካ፣ ከምኣ ንኻልኦት ደኣርኣያ ክትኸውእልየት ክሓድረካ እዩ ዝገብር” ኢላ።