ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳሊያ ኰይና

ጉዳፍ ጸጋይ ብ5000 ሜተር ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮን ኣትለቲክስ ዓለም፡ ብደቂ ኣንስትዮ ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ ናይ ፍጻመ ውድድር፡ ጉዳፍ ጸጋይ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኰይና።

ኢትዮጲያ፡ ዓወት ጉዳፍ ጸጋይ ተወሲኽዎ፡ ኣብቲ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ዝረኸበቶ ቍጽሪ ወርቂ ሜዳልያታት 4 በጺሑ ኣሎ።

ኣብዚ ሓያል ምትህልላኽ ዝነበሮ ውድድር፡ ጉዳፍ 14 ደቂቕ፡ 46 ካልኢትን 29ንኡስ ካልኢትን ብምዝዛም'ያ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ክትከውን ክኢላ።

ኬንያዊት ቢትሪስ ቺቤት ካልአይቲ ኰይና ነቲ ውድድር ዛዚማ።

ኢትዮጵያዊት ዳዊት ስዩም ድማ ሳልሰይቲ ኰይና ብምዝዛም ተዓዋቲት ነሓስ ሜዳልያ ክትከውን በቒዓ'ላ።

ጉዳፍ ጸጋይ ንኽትዕወት ዓቢ ግደ ዝተጻወተት ኣትለት ለተሰንበት ግደይ ሓምሸይቲ ኰይና ወዲኣ።

ለተሰንበት ኣብዚ ኣብ ኦሪጎን ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ምዃና ይዝከር።

ኣብቲ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ዝተኻየደ ናይ 5 ሽሕ ውድድር፡ እተን ናይ መወዳእታ 100 ሜትሮ ክሳዕ ዝተርፋ መን ከም ትስዕር ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ውድድር እዩ ነይሩ።

ኣብ ውድድር 1500 ሜትሮ ተመኵሮ ዝጸንሓ ጉዳፍ፡ ነቲ ንሕንሕ ዓብሊላ ኣብ መወዳእታ ክትዕወት ክኢላ።

ጉዳፍ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ናይ 1500 ሜትሮ ውድድር ክብረወሰን ከም ዝሰበረት ይዝከር።

ድሕሪ እቲ ውድድር ጉዳፍ፡ “ብሰንኪ መጉዳእቲ ኦሎምፒክ ቶክዮ ኣዝዩ ዝኸበደ ነይሩ” ከም ዝበለት ወርልድ ኣትለቲክስ ይሕብር።

“ን1500 ሜትሮ'የ ክዳሎ ጸኒሐ። ስለዝዀነ ድማ ኣብተን ናይ መወዳእታ ሜትሮታት ብፍጥነት ክጐዪ ሓጊዙኒ እዩ። ሲፋን ኣመና ሓያልን 1500 ሜተር ትጐዪ ኣትለት ከምዝዀነት እፈልጥ እየ። ስለዚ ንሳ'ውን ፍጥነት ኣለዋ። ንሳ ኽትቅድም ከላ ኣነ ፍጥነት ወሲኸ ሜዳልያ ክረክብ ክኢለ ኣለኹ” ኢላ።

ዳዊት ብወገና፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት መጕዳእቲ እያ ናብ ዓወት ተመሊሳ ዘላ።

“ተዓዊተ ናብ መድረኽ ክወጽእ ተስፋ ነይሩኒ” ትብል ዳዊት።

“ብሰንኪ መጕዳእቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ክቃለስ ጸኒሐ እየ። ስለዚ እዚ ዓወት ንዓይ ፍሉይ እዩ” ኢላ።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ወርቂ፡ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ረኺባ።

እቲ ኣብ ኦሪጎን ክካየድ ዝቐነየ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም፡ ሎሚ ክዛዘም እዩ።