'ሰላም ኰይኑ፡ ኣቦይን ኣደይን’ውን ክሕጎሱ እምነ' - ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ፡ ኣብቲ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ኦሪገን ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ክብረወሰን ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ብምስባር ወርቂ ድሕሪ ምዕታራ፡ ኩሉ ነገር ሰላም ክኸውንን ወለዳ’ውን ክሕጎሱ ከምእትደሊ ተዛሪባ።
ንሳ ንምስጢር ዓወታ ኣመልኪታ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዘሃበቶ ቃል፡ “መግለጺ የብለይን። ኩሉ ነገር ሰላም ኮይኑ፡ ከምቲ ኣነ ዝተሓጎስክዎ፡ ኣደይን ኣቦይን’ውን ክሕጎሱ እየ ዝመነ” ምስ በለት፡ ንብዓት ቀዲምዋ።
እታ ኣትለት ከምኡ ዝበለት፡ እቲ ዓወት እንታይ ስምዒት ከምዝፈጥረላን ተሓቲታ ኣብ ዝተዛረበትሉ ኣጋጣሚ እዩ።
ኣብመወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርግሐ ደማዊ ኲናት ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ከም ዝሞቱን፡ ሚልዮናት ዜጋታት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻበት ይሕብሩ።
እታ ኣትለት ኣብ ከባቢ ዓዲ ጉደም ክልል ትግራይ ዝተወልደት ኰይና፡ እታ ክልል ብሰንኪ እቲ ኲናት ንዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተቓልዐት ይግለጽ።
ኣብ ጋንታ ኣትሌታት መስፍን ኢንዳስትርያል ተሐቚፋ እትስልጥን ዝነበረት ጓል 27 ዓመት ጎይተቶም፡ 2 ሰዓትን 18 ደቒቕን 11 ካልኢትን ብምምዝጋብ ንፍልጥቲ ኬንያዊት ኣትለት ጁዲት ኮሪር ረቲዓታ።
ብተወሳኺ፡ እዛ ኣትለት ቅድሚ ሕዚ ብሪጣንያዊት ፓውላ ራድክሊፍ ሒዛቶ ንዝነበረት ክብረወሰን ሻምፕዮን ዓለም ብምምሕያሽ ሓዱሽ ክብረወሰን ግዜ ኣመዝጊባ።
ጎይተቶምን ኬንያዊት ጁዲትን ክልቲአን ዝበለጸ ግዜአን እየን ኣመዝጊበን።
ካልእ ተወላዲት ኬንያ ዝኾነት እስራኤላዊት ሎና ሳልፕተር 2 ሰዓታትን 20 ደቓይቕን 18 ካልኢትን ብምምዝጋብ ነሓስ መዳልያ ረኺባ።
"ኣብ መበል 40 ኪሎሜተር ምስ በጻሕኩ፡ ንቕድሚት ወጺአ ከምልጥ መደብ ነይሩኒ። ነዚ ስትራተጂ ብምጥቃም እየ ወርቂ ከምጽእ ክኢለ" ትብል።
"እቲ ቀንዲ ነገር ኣበርቲዕካ ምስራሕ እዩ። ኣብ ሃገረይ ከለኹ ኣበርቲዐ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ብርግጽ ኬንያውያን ተረርቲ ምዃኖም እፈልጥ እየ። ይኹን እምበር ኣብ መወዳእታ ብልዑል ፍጥነት ናይ ምጉያይ ክእለት ስለዘለኒ፡ ከምኡ ገይረ እየ ተዓዊተ” ኢላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤርትራዊት ናዝሬት ወልዱም 2 ሰዓትን 20 ደቒቕን 29 ካልኢትን ብምምዝጋብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ሓድሽ ሃገራዊ ክብረወሰን ኣመዝጊባ።
ትማሊ ሰንበት 10 ሓምለ 2014 ዓ.ም፡ ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላ፡ 2 ሰዓትን 5 ደቒቕን 36 ካልኢትን ብምውሳድ ተዓዊቱ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝጀመረ ውድድር፡ ኣትለት ለተሰንበት ጊደይ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትር ብዘደንቕ ውድድር ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።
ሎሚ ወጋሕታ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 1,500 ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣትለት ጉዳፍ ጸጋይ ንኢትዮጵያ ብ3 ደቒቕ፡ 54 ካልኢት፡ 52 ማይክሮ ካልኢት ብሩር መዳልያ ረኺባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







