ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ኣብ ማራቶን ቻምፕዮን ዓለም ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ኪሎ ሜትር ኣብ ዝተረፈሉ ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ነታ ንነዊሕ ኪሎሜትራት ነቲ ውድድር ክትቅልሶ ዝውዓለት ኬንያዊት ኮሪሪ ራሕሪሓታ ብምኻድ፡ ኣብ ማራቶን ቻምፕዮን ዓለም ተመዝጊቡ ዝፀነሐ ግዘ ብምምሕያሽ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና።
ጓል 27 ዓመት ኢትዮጵያዊት ጎተይቶም ገብረስላሰ፡ ነዚ ውድድር ብ 2፡18፡11 እያ ተዓዊታትሉ።
ነዚ ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር ሳልሳይ ወርቂ መዳልያ ረኺባ ኣላ።
ጎተይቶም ገብረስላሰን ኬንያዊት ኮሪርን ንነዊሕ ኪሎሜትራት በይነን ተፈልየን ነቲ ውድድር ብምቕላስ ቀዳመይትን ካልአይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።
ኬንያዊት ኮሪሪ ካልኣይቲ ክትወፅእ እንከላ፡ ኣብ መበል 39 ኪሎሜትር ንናዝሬት ወልዱ ዝፈለየታ እስራኤላዊት ሳል ፒተር ሳልሰይቲ ኤርትራዊት ናዝሬት ወልዱ ራብዓይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።
ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ ኣብቲ ዝሓለፈ መስከረም 2021 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን በርሊን 2፡20፡ 09 ብምምዝጋብ ቀዳማይቲ ኮይና ምዕዋታ ይፍለጥ።
ኣባበል የሻነሽ ንክትዛዝም ሸሞንተ ኪሎሜትራት ምስ ተረፋ ውድድራ ክተቋርፅ እንከላ፡ ናዝሬት ወልዱን እስራኤላዊት ሳል ፒተር እንተተኻኢሉ ንጎተይቶም ገብረስላሰን ኬንያዊት ኮሪርን ከርክባ እንተዘይኮይኑ ኸኣ ነሓስ መዳልያ ንኽረኽባ ነተን ኣብ መበል 35 ኪሎሜትር ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ቀዲመንአን ዝነበራ ጎተይቶምን ኮሪርን ንምርካብ ሓያል ቅልስ ኣካየደን።
ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ኤርትራን እስራኤልን ሓሓንቲ ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት፡ ፀወታ ክዛዘም 5 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝተረፈሉ፡ ኣብ ሞንጎ ቀዳመይትን ካልአይትን ጉጅለ 1 ደቂቕን 43 ካልኢት ነይሩ።
ኣብ መበል 39 ኪሎሜትር ናዝሬት ወልዱ ካብ እስራኤላዊት ሳል ፒተር ዘልሓጥ ክትብል ተራእያ።
ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ሎሚ ኣብ ኦሮጎን ዘመዝገበቶ ራብዓይ ደረጃ፡ ኣብ ኤርትራውያን ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማራቶን ቻምፕዮን ዓለም ዝተመዝገበ ዝበረኸ ዓወት ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ደቲ ተባዕትዮ’ውን ፡ ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላን ሞሶነት ገረመውን ቀዳማይን ካልኣይን ብምውፃእ ንኢትዮጵያ ወርቅን ብሩር መዳልያን ከግዝምዋ ክኢሎም’ዮም።
ኣብ ናይ 10 ሽሕ ኪሎሜትር’ውን ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ንኬንያዊያን ኣትሌታት ሄለን ኦቢሪን ቼሊሞ ኪፕኬምቦይን ብምብላፅ ወርቂ መዳልያ ክትረክብ ክኢላ እያ።
ኣብ ናይ 10 ሽሕ ኪሎሜትር ኤርትራዊት ራሄል ዳንኤል ሓምሸይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ውድድር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብሽዱሽተ ወርቂ ብ14 መዳልያ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ ኢትዮጵያ ብሰለስተ ወርቂ ኣርባዕተ መዳልያታት ኣብ ካልኣ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







