ለተሰንበት ግደይ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ተዓዋቲት 10 ሽሕ ሜትሮ ኰይና

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ኣብ ኣመሪካ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ሜዳልያ ወርቂ ብምዕዋት ሻምፒዮና ዓለም ኰይና።

ነዚ ስዒቡ ድማ: ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ናይ መጀመርታ ሜዳልያ ወርቂ ረኺባ።

ኣትሌት ለተሰንበት፡ ብ10 ሽሕን 5 ሽሕን ሜትሮ ከምኡ’ውን ፍርቂ ማራቶን ወናኒት ሰለስተ ክብረወሰናት ዓለም ኰይና፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ውድድር ድማ ፈላማይ ዓለምለኻዊ ዝለዓለ መዓርግ ክትረክብ ክኢላ ኣላ።

ጓል 24 ዓመት ለተሰንበት፡ ነዚ ውድድር ብ30፡09፡94 ክትዕወተሉ በቒዓ።

ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ምስ ኬንያዊያን ኣትሌታት ሄለን ኦቢሪን ቼሊሞ ኪፕኬምቦይን [ክልቲአን ሜዳልያ ብሩርን ነሓስን ተዓዊተን] ኣብ ዝነበረ ሓያል ንሕንሕ፡ ነቲ ውድድር ንምዝዛም ትጽቢት ዘይተገብሮ ኣፈጻጽማ ኣርእያ’ያ።

ኣብቲ ውድድር ትጽቢት ካብ ሞንጐ ዝተገብረለን ኣትሌታት ሓንቲ ዝዀነት ሻምፒዮና ኦሎምፒክ ሲፋን ሓሰን፡ ራብዐይቲ ኰይና ውድድራ ክትዛዝም እንከላ፡ ኤርትራዊት ራሄል ዳኒኤል ሓምሸይቲ ወጺኣ።

ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እጅጋየሁ ታየ ሻድሻይቲ፣ ቦስና ሙላቴ ሻምነይቲ ኰይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ሞንጐ እተን ኣትሌታት ሓያል ንሕንሕ ክርኣይ እንከሎ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ንመወዳድርታ ኬንያውያን ኣትሌታትን ኔዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰንን ገጻ ንድሕሪት እናመለሰት ትርእየን ነይራ።

ንሳ፡ ድሕሪ እቲ ውድድር ኣብ ዝሃበቶ ርኢይቶ “እዚ ዓብዪ ዕላማይ’ዩ ነይሩ። ሕልመይ ተጋሂዱ፤ ኣዝየ ሕጉስቲ’የ” ኢላ።

ኣብዚ ውድድር ሜዳልያ ወርቂ ምርካብ ካብ 2019 ጀሚሩ ትሓስቦን ትዳለወሉን ከም ዝነበረት’ውን ገሊጻ።

“ሕዚ ቀጻሊ ሕልመይ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ወርቂ ምውሳድ’ዩ” ከም ዝበለት ራነርስ ወርልድ ጸብጺቡ።

ለተሰንበት፡ ብ2019 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ "ሻምፒዮና ኦሎምፒክ ዓለም ቀዳመይቲ ብምውጻእ፡ ብተደጋጋሚ ብምዕዋት ሪከርዳት ከመሓይሽ፣ ሃገረይ ከጸውዕ'የ ዝደሊ። ኣብ ሞንጎ ዘጓንፉ ማሕለኻታት እኳ እንተሃለው። ንቐጻሊ፡ ጽቡቕ ነገራት ክሰርሕ፡ ንማሕበረሰብ ዝሕግዙ ምግባራት ሰናይ ክህልወኒ'ዩ ኢለ ይኣምን" ኢላ ነይራ።

ለተሰንበት ግደይ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት

  • ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብኣትሌት ሲፋን ሓሰን ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ኣብ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣፈላላይ ብልዕሊ 15 ካልኢት ብምምሕያሽ ከም ዝወነነቶ ይዝከር
  • ብ2020 ኣብ ስጳኛ ቫሌኒሺያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ ብደቂ ኣንስትዮ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ። እዚ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ብኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረወሰን ዳርጋ ብሓሙሽተ ደቓይቕ እያ ኣመሓይሻቶ
  •  ብ2019 ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ 15 ኪሎ ሜትሮ፡ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ