ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ስፔን፡ ኣብ ልዕሊ ጀኒፈር ሄርሞሶ ስጉምቲ ክወስድ’የ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Eurasia Sport Images
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስፔን፡ ጀኒ ሄርሞሶ ብዛዕባ ፕረዚደንት እቲ ፌደሬሽን ልዊስ ሩብያለስ ብዝሃበቶ ርእይቶ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።
ሩብያለስ ድሕሪ'ቲ ስፔን ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር እንግሊዝ ኣብ ዘመዝገበቶ ዓወት ንኣጥቃዒት ሄርሞሶ ኣብ ከንፈራ ድሕሪ ምስዓሙ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ እኳ እንተተሓተተ ኣብዩ ይርከብ።
ሄርሞሶ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንክትስዓም ከም ዘይተሰማምዐት እኳ እንተገለጸት፡ እቲ ፈደረሽን ግን ነቲ ዝሃበቶ ርኢይቶ ኣብ ሕቶ ኣእትዩዎ ኣሎ።
"እቲ መርትዖ ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ እቲ ፕረዚደንት ኣይሓሰወን" ይብል።
ንጓል 33 ዓመት ሄርሞሶ ዝውክል ዘሎ ማሕበር ተጻወትቲ ፉትፕሮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ እዋን ሽልማት ሜዳልያ ኣብ ዝተሓቛቖፍሉ እዋን፡ “ብዝዀነ ይኹን ኩነታት ነቲ ፕረዚደንት ሓፍ ከብሎ ኣይደለኹን" ምባላ የመልክት።
ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ስፔን፡ "እቲ ፌደሬሽንን ፕረዚደንትን፡ ነፍሲ ወከፍ ብባዕላ እታ ተጻዋቲት ኰነ ኣብ ክንድኣ ብኻልኦት ዝተዘርግሐ ሓሶት ግልጺ ክገብሩዎ’ዮም። ዕቱብነት ትሕዝቶ ናይቲ ካብ ማሕበር ፉትፕሮ ዝወጽአ መግለጺ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ተዛማዲ ሕጋዊ ስጉምትታት ከበግሱ እዮም" ክብል እቲ ፌደሬሽን ኣጠንቂቑ።
እቲ ፌደረሽን ብተወሳኺ፡ ተጻወትቲ እንተተመሪጸን ንሃገራዊት ጋንታ ክጻወታ "ግዴታ" ከም ዘለወን ገሊጹ።
ጀኒ ሄርሞሶ ብፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስፔን ልዊስ ሩብያለስ ክትስዓም ፍቓድ ከም ዘይሃበት ድሕሪ ምግላጻ፡ ነዚ ስዒቡ 81 ተጻወትቲ ካብ ስልጣኑ ክሳብ ዝእለ ምስ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ስፔን ከም ዘይስለፋ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
እቲ ፌደሬሽን ኣብ መግለጺኡ፡ ሄርሞሶ ምስ ሩብያለስ ክትትሓቘፍ ዘርእዩ ኣርባዕተ ስእልታት ከቕርብ እንከሎ፡ ናይ ነፍሲ ወከፎም ትንተና’ውን ኣቕሪቡ።
እዚዞም ድማ፡ እታ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ፡ ሩብያለስ እግሩ ካብ መሬት ንምልዓል ሓይሊ ከም ዝተጠቕመት ዘርእዩ እዮም ኢሉ።
እቲ ፈደረሽን ነታ ካብ 101 ጸወታታት 51 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ስፔን ቀዳመይቲ ኣመዝጋቢት ሸቶ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነት ሄርሞሶ ክረኽባ ፈቲኑ'ኳ እንተነበረ፡ "ግን ኣይተዓወተትን" ይብል።
ነዚ ስዒቡ 81 ተጻወትቲ ካብ ስልጣኑ ክሳብ ዝእለ ምስ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ስፔን ከም ዘይስለፋ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
መንግስቲ ስፔን ነዚ ወዲ 46 ዓመት ተጻዋታይ ካብ ስርሑ ዝእግድ ሕጋዊ መስርሕ ክጅምር እንከሎ፡ ፊፋ መስርሕ ዲሲፕሊን ጀሚሩ ኣሎ።
ሩብያለስ ኣብቲ ብፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ስፔን (RFEF) ዝተጸውዐ ዘይተለምደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ብሰፊሑ ትጽቢት ይግበር ነይሩ፤ ኣብ ክንድኡ ግን "እዚ ሃድን ዝግበኣኒ ሰብ ኣይኰንኩን” ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ "ጀኒ እያ ኣለዓዒላትኒ፤ 'ብዛዕባ እታ ፍጽም ቅላዕ (ሜሪ ኢርፕስ ዘድሓነታ) ረሲዕያ'፤ 'ንእሽቶ ምስዓም? ኢለያ። ንሳ ድማ 'ሕራይ' ኢላ’ ክብል ተዛሪቡ።
"ወለንታዊ ምስዓም’ዩ ነይሩ፤ ሓበራዊ፣ ፍስሃን ምርድዳእን ዝመልኦ። እዚ'ዩ እቲ ዘገድስ። ብፍቓድ ዝነበረ ‘ምስዕዓም’ ካብዚ ንኸውጽኣኒ ይበቅዕ ድዩ?" ክብል’ውን ተሰሚዑ።
ድሕሪኡ፡ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ሄርሞሶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ነዊሕ መግለጺ ሂባ።
"እቲ ሉዊስ ሩብያለስ ኣብ መደረኡ ዝጠቐሶ ዕላል ኣብ ዝዀነ እዋን ከም ዘይተፈጸመን ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ምስዓም ብፍቓድ ዝዀነ ከም ዘይኰነን ግልጺ ክግበር ይደሊ” ብምባል፡ እቲ ዝብሎ ዘሎ "ብፍጹም ሓሶትን ኣካል ናይቲ ዝፈጠሮ ናይ ምትላል ባህልን" እዩ ክትብል ነቒፋ።
"ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ ስራሕ፡ ስፖርት ወይ ማሕበራዊ ጉዳያት ግዳይ እዞም ካብ ስምምዕ ወጻእ ዝዀኑ ባህርያት ክኸውን የብሉን ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ፡ ነዚ ክስተት ሪፖርት ምግባር ኣድላዪ ኰይኑ ይስምዓኒ። ኣነ ተቓላዒት ግዳይ ናይቲ ብድፍኢት ዝድረኽ፡ ጾታዊ፣ ካብ ንቡር ወጻእ ብዘይ ዝዀነ ነገር ከም ዝዀንኩ ተሰሚዑኒ” ትብል።
"ብቐሊሉ፡ ኣነ ኣይተኸበርኩን" ኢላ።

ወሲኻ፡ ንተግባራት ሩብያለስ "ከመኽንየሉ ዝኽእል መግለጺ" ንክትህብ "ቀጻሊ ጸቕጢ" ከም ዝተገብረላ ብምግላጽ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ስድራኣ፡ ፈተውታን ደቂ ጋንትኣን እውን ከም ዝበጽሐ ሓቢራ።
"ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ተጻወትቲ ክኹንንዎ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ግን ናይ መወዳእታ ክኸውን’ዩ፤ ኩሉ ሰብ ኣብ ቀጥታዊ ቴሌቪዥን ክዕዘቦ ዝኸኣለ'ውን ከምዚ ሎሚ ንግሆ [ዓርቢ] ዝረኣናዮ ኣተሓሳስባታት ሒዙ'ዩ ዝመጽእን ንዓመታት ኣካል መዓልታዊ ህይወት ጋንታና ኰይኖም ዝጸንሑን’ዩ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢንግሊዝ ድማ፡ ተግባር እቲ ፕሬዝደንት ኩዕሶ ፌደሬሽን "ቅቡል ኣይኰነን" ኢላ።
“ባህሪ እቶም ዘይምብርከኹ ዝመስሎም ሰባት ክንጽመሞ የብልናን። ሰባት ድማ ኣንጻር ዝዀነ ዓይነት ምግፋዕ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝዀነ ዘእምን ስጉምቲ ክወስዱ የብሎምን። ጄኒ ሄርሶሞ፡ ኣብ ጐንኺ ኣለና” ክትብል እታ ጋንታ ኣብ መግለጺኣ ጠቒሳ።
ስፔን፡ ንፈለማ እዋን እያ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዓቲራ።
23 ኣባላት እታ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ጋንታ ሓዊሱ ማሕበር ተጻወትቲ ፉትፕሮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ድሕሪ እቲ ኣብ እዋን ሽልማት ሜዳልያታት ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመ ነገር፡ ኵለን ነዛ ደብዳበ ዝፈረማ ተጻወትቲ፡ እቶም ሕጂ ዘለው መራሕቲ እንተቐጺሎም እታ ሃገራዊት ጋንታ ናብ እተቕርቦ ጻውዒት ከም ዘይምለሳ ክንገልጽ ንደሊ” ኢሉ።
ስፔን፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም ኣብ ኔሽን ሊግ ምስ ስዊድን ክትገጥም መደብ ኣለዋ።
ምስ ርያል ቤቲስ ዝጻወት ቦርጃ ኢግለስያስ ኣቐዲሙ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩብያለስ ኣብ ስልጣን እንከሎ ዳግማይ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘይጻወት ገሊጹ።
መንግስቲ ስፔን ንሩብያለስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከም ዝገብር ጸሓፊ ስፖርት ቪክቶር ፍራንኮስ ገሊጹ።
ቤት ፍርዲ ንፕሮፌሽናል ስፖርታዊ ሕጊ ከም ዝጠሓሰ እንተድኣ ወሲኑ፡ ድሕሪኡ ካብ ጸወታ ክእገድ ይኽእል እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፊፋ ተግባራቱ ንሕጊ ዲሲፕሊን ዓንቀጽ 13 ዝጥሕስ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ክርኢ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







