ስጳኛ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ኰይና

ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ስጳኛ ንዓዲ እንግሊዝ ብምስዓር ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ስጳኛ ንዓዲ እንግሊዝ ብምስዓር ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ኮይና

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ስጳኛ ንእንግሊዝ ብምርታዕ ንመጀመርታ ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ኮይና።

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ብሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ 1966 ዝተሰነደ ታሪኽ ክተደግም’ያ ዝብል ዓቢ ግምት’ዩ ተዋሂብዋ ነይሩ፡ እንተኾነ ስጳኛውያን ደቂ ኣንስትዮ ነቓዕ ኣይገደፋን። ስጳኛ ዓንዲራ ዓዲ እንግሊዝ ደኒና።

ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ኦልጋ ካርሞና ኣብ መበል 29 ደቒቕ ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ ናብ ሸቶ ምስ ቀየረታ፡ ብድሕሪኡ ዝተመስገበ ሸቶ ስለዘይነበረ’ዩ፡ ስጳኛ ክትዕወት ክኢላ።

ትማሊ ንኻልኣይ ግዚኣ ኣብ ፍጻመ ትስዓር ዘላ ኣሰልጣኒት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ሳሪና ወይግማን ንላውረን ጀምስን ኬሊን ቀይራ ብምእታው ንጸወታ ናብ ረብሓኣ ክትቅይሮ’ኳ ኣንተፈተነት ስጳኛውያን ግን ዝጽዓዳ ኣይነበራን።

ናይዚ ውድድር ዝበለጸት ሓላዊት ልዳት ተባሂላ ወርቃዊ ጓንት ዝተሸለመት ሓላዊት ልዳት ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይትድን ሜሪ ኢርፕስ፡ ኣብ መበል 69 ደቒቕ ካብ ጀኒ ሀርሞሶ ዝተሃረመት ፍጹም ቅላዕ ከተድሕና’ኳ ኣንትኸኣለት፡ እዚ ግን ንዓዲ እንግሊዝ ካብ ስዕረት ዘናግፍ፡ ንስጳኛ ከኣ ካብ ዓወት ዝዕንቅፍ ኣይነበረን።

ተኸላኻሊት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ሉሱ ብሮንዝ ድሕሪ ጸወታ ምዝዛሙ “ናብዚ ጸወታ ዋንጫ ክንወስድ ኢልና ኢና መጺእና፡ ክሳብ ፍጻመ’ውን ክንበጽሕ ክኢልና፡ ነታ ዋንጫ ግን ክንወስዳ ኣይክኣልናን፡ በዚ ዘመዝገብናዮ ደረጃ ብሓፈሻ ዕጉባት ኢና። እንተኾነ ንዓይ ዝፈልጡኒ ብወርቂ መዳልያ ጥራይ ከምዝዓግብ ስለዝፈልጡ ብውልቀይ ዕግብቲ ኣይኮንኩን” ኢላ።

እታ ኣብ ሞንጎ ተጻወትትን ሃገራዊ ፈደረሽንን ብዝነበረ ዘይምቅዳው ምስ ቅልውላዋ ናብቲ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ብሓባር ዘአንገድኦ ዋንጫ ዓለም ዘምርሐት ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ፤ ዋንጫ ክትወስድ’ያ ኢሎም ዝገመቱ ሰባት ውሑዳት’ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። እንተኾነ ኣብ ናይ ምድብን ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍን ዘርኣየቶ ብቕዓት ንብዙሓት ግምቶም ከምዝቕይሩ ገይራቶም’ያ።

ንዋንጫ ኣውሮጳ ዝተዓወተትሉ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ምጅማር ጸወታ ዓብላልነት’ኳ ኣርእያ እንተነበረት ሸቶ ግን ክተመዝግብ ኣይክኣለትን።

ኣጥቃዒት ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝን ማንቸስተር ሲትን ላውረን ሀምፕ ካብ ርሑቕ ቀሊዓታ ዓንዲ ልዳት ዝሃረመት ንደገፍቲ ዓዲ እንግሊዝ ሓፍ ኮፍ ዘበለት ጽብቕቲ ፈተነ’ያ ነይራ።

እንተኾነ ብተጻወትቲ ባርሲሎና ዝተተኽተኸት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ስጳኛ፡ በተን ኣከታቲለን ንኻልኣይ ግዚአን ቻምፕዮንስ ሊግ ዝተዓወታ ባርሲሎናውያን ኣቢላ ንጸወታ ክትቆጻጸሮ ግዜ ኣይወሰደላን።

ስጳኛውያን ኣብ መበል 29 ደቂቕ ብፍጹም ቅላዕ ሸቶ ምስ ኣመዝገባ ከኣ ዓብላልነትንን ኩዕሶ ናይ ምቁጽጻር ዓቕመንን ጸብለል ክብል ጀሚሩ፡ እንተኾነ ብዙሓት ሸቶ ክኾና ዝኽእላ ዝነበራ ዕድላት’ውን ከባኽና ተራእየን።

እዚ ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓንቲ ጸወታ ጥራይ’ያ ተዓዊታ ትፈልጥ።

ኣብ ዋንጫ ኣውሮጳ 2022’ውን ኣብ ርብዒ ፍጻመ ብዓዲ እንግሊዝ 2 ን 1 ተሳዒራ ካብቲ ጸወታ ክትግለፍ ክኢላ። ናይ ትማሊ ጸወታ ከኣ ንኹሉ ሕሉፍ ዝድብስን ኣብ ልዕሊ ዓዲ እንግሊዝ ሕነኣ ዝፈደየትሉን ጸወታ’ዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ሲድኒ ዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ጸወታ፡ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ጸወታ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ንደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ብምዕብላል ንሃገራዊት ጋንትኦም ብዘይ ብቂ’ዮም ደጊፎማ፤ ዋንጫ ዝተገዝሙ ግን ስጳኛውያን’ዮም ነይሮም፡ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዝብዝሐ ሼቶ ዘመዝገበ’ዩ ዝዕወት።