ካብ እምቢተኛ ጐርዞ ክሳብ ኮኾብ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሲሳት ኦሾኣላ፡ ኣቦኣ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ክትከውን ድልየት ኣይነበሮን።
ኣብ ናይጀርያ ኣብ ጐደናታት ምስ ኣዕሩኽታ ክትጻወት ጸኒሓ ክትምለስ እንከላ ድማ ይገንሓ ከም ዝነበረን ይኣምን።
ኣልሃጂ ኦሾኣላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ኩዕሶ እግሪ ጽቡቕ መጻኢ ዝህልዋ ኣይመሰለናን፤ መደበይ ድማ ኵሎም ደቀይ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ክረኽቡን ካባና ወለዲ ዝሓሸ ውጽኢት ከም ዘመዝግቡን ምርግጋጽ እዩ ነይሩ" ኢሉ።
ሕጂ ግን ኣሲሳት ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ሸቶ ዘመዝገበት ፈላመይቲ ናይጀርያዊት ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ኰይና ኣላ - ካብ ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ደቂ ኣንስተትዮ።
ኣልሃጂ ድማ እታ ዓማጺት ጓሉ ብውሳነኣ ምጽናዓ ይሕጐስ።
እዛ ኣጥቃዒት ባርሴሎና ጽባሕ ሰኑይ ኣብ ዙር 16 ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ክገጥም እያ።
ኣንጻር ኣውስትራልያ ዝረኸበታ ሸቶ ንምጽንባል፡ ማልያኣ ብምቕዳዳ ግን ኣቦኣ ዝርከብዎም ገለ ሰባት ቂር ኢልዎም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ኣቦይ በቲ ጽምብል ሕጕስ ኣይኰነን" ክትብል ኣብ ኢንስታግራም ብምዝርጋሕ፡ ንኣድነቕታ ይቕረታ ሓቲታ።
ኣቦኣ፡ ዝርዝር እቲ ዕላሎም ከይገለጸ፡ "ልዑል ስምዒት ስለዝነበራ'ዩ ነይሩ፤ ኮነ ኢላ ዝገበረቶ’ውን ኣይኰነን። ብጓለይ እሕበን እየ" ኢሉ። "እቲ ዝበልክዋ ኣብ መንጐይን ኣብ መንጐ ጓለይን'ዩ።"
ኣሲሳት ኣብ 2022 ብፊፋ ኣብ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም፡ ኣብ መንጐ ትምህርታ ቀጺላ ጠበቓ ክትከውንን ዝነበራ ድልየትን ንዅዕሶ እግሪ ዘለዋ ፍቕሪን ተወጢራ ከም ዝነበረት ትገልጽ።
"ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ንፍዕቲ ምዃነይ ተረዲአ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክጻወት ድማ ደልየ" ትብል።
"ወለደይ ፈጺመ ስፖርት ክጻወት ኣይደልዩን ነይሮም፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ገዛ ከበድቲ ባእሲታት ይለዓሉ ነይሮም። ካብ ጸገም ንምህዳም ናብ እንዳ ዓባየይ ክጐዪ ነይሩኒ።"

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መወዳእታ ኣብ 2009 ጓል 15 ዓመት እንከላ፡ ወለዳ ምስ ክለብ ኤፍሲ ሮቦ ክትጽንበር ተሰማሚዖም።
ወናኒን ዋና ኣሰልጣንን እታ ክለብ ኣማኑኤል ኦሳሆን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣሲሳት ኣብ ሜዳ ኣዝያ ተኣዛዚት እያ ነይራ። ሸቶ ኣብ ዘይተመዝግበሉ እዋን ምብላዕ ትኣቢ እያ ነይራ" ክብል ተዘኪሩ።
ብተወሳኺ ዓወት እታ ተጻዋቲት፡ ንመንእሰያት ናይጀርያውያን ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘነቓቕሓ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
"ሕጂ ልዕሊ 10 ተጻወትቲ ኣለዉኒ፡ ቀጻሊ ኣሲሳት ኦሾኣላ ክዀኑ ዝምነዩ" ክብል ገሊጹ።
ኣሲሳት ክሳብ 2015 ኣብ ናይጀርያ ተጻዊታ፡ ብድሕሪ ምስ ሊቨርፑል ተጸንቢራ። ኣብ ቻይና ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምጽዋታ ድማ ኣብ 2019 ምስ ባርሴሎና ተጸንቢራ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ንፈለማ እዋን ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ኰይና ሻምፕዮንስ ሊግ ዩኤፋ ኰይና።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ክለብ ባርሴሎና - ኣሲሳት፡ ሻምፕዮንስ ሊግ ዩኢኤፍኤ ዝተዓወተት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ኰይና።
ካብ 2014 ጀሚራ ንሃገራዊት ጋንታኣ ዘገልገለት ኣሲሳት፡ 5 ግዜ ብልጽቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ተባሂላ ተመሪጻ እያ።
ኣበርክቶኣ ግን ኣብ ሜዳ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኰነን።
ኣሲሳት ስድራኣ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ክትከውን ንኽፍቀደላ ንምእማን ዝገበረቶ ቃልሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሌጐስ ናይ ኣዋልድ ቤት ትምህርቲ ኩዕሶ እግሪ ክትከፍት ኣነቓቒሕዋ’ዩ።
ናይጀርያ ብርክት ዝበሉ ዋንጫታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ፤ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ድማ ኣብ 1999 ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







