መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም

ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 መዛነዪ ስእልታት ተኣንገዱ።

‘ኣቱም ሰብ፡ ታማ እፍጢጥኩም ትጥምቱና?’

ምንጪ ስእሊ, CHIEN C. LEE

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣቱም ሰብ፡ ታማ እፍጢጥኩም ትጥምቱና?’

እዞም ህበይ ዝመስሉ ኣብ ማዳጋስካር ዝርከቡ እንስሳ ሌሙር ይበሃሉ።

ንእሽቶ ርእሲ፡ ፍሩያት ኣዒንቲን ዓበይቲ ኣእዛንን ኣለዎም። ብፍላይ እዚኦም፡ 'ሳዕስዒት ለሙራት' ብዝብል ይፍለጡ - ምኽንያቱ ኣብ መሬት ብኽልተ እግሮም ንጎኒ ዝልል ዝልል እናበሉ ብቕልጡፍ ክኸዱ እንከለዉ ዝስዕስዑ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ።

‘ሕደጉ፡ ኣይተፍጥጡልና’

ምንጪ ስእሊ, CHIEN C. LEE

መግለጺ ስእሊ, ‘ሕደጉ፡ ኣይተፍጥጡልና’

ሌሙራት ኣብ ኣዝዩ ሓደጋ ይርከቡ - ኣብ ዓለምና እታ እንኮ ሌሙር በረኻ ዝርከበላ ሃገር ማዳጋስካር እያ። ኣፍሪቃዊት ደሴት ማዳጋስካር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝተረፋ ብዙሕነት ህይወት ዘለወን ቦታታት እያ።

‘ጭርጭር ዓበደ’

ምንጪ ስእሊ, VALTTERI MULKAHAIN/CWPA/BARCROFT IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ‘ጭርጭር ዓበደ’

እዞም ስድራቤት ቡናዊ ድብታት፡ ቫልተሪ ሙልካሃይነን ኣብ ፊንላንድ ዝሰኣሎም እዮም።

‘ናይ ህበይ ንጉስ፡ ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ የፍርስ’

ምንጪ ስእሊ, MARK EDWARD HARRIS/NEW BIG 5

መግለጺ ስእሊ, ‘ናይ ህበይ ንጉስ፡ ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ የፍርስ’

ነዚ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ ዝጠበየ ጎሪላ ከረን ዝሰኣለ ማርክ ኤድዋርድ ሃሪስ፡ ብዝሒ ዓሌት እዚ እንስሳ ቀስ ብቐስ ይውስኽ ከም ዘሎ ይዛረብ።

‘ወደይ ከይተበራበረ፡ ፌስቡከይ. . .’
መግለጺ ስእሊ, ‘ወደይ ከይተበራበረ፡ ፌስቡከይ. . .’
‘ጤል የብለይ፡ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ የብለይ’

ምንጪ ስእሊ, ANTONIO LIEBANA/NEW BIG 5

መግለጺ ስእሊ, ‘ጤል የብለይ፡ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ የብለይ’

ወጠጦ፡ ኣፍንጫ ነብሪ እንተልሒሱ ነገር ደልዩ ይበሃል። ነብሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣፍንጫ ምስ ዝልሕስከ? ህድማ እዩ’ምበይ!

‘መልክዕ ደኣ ይሃበኒ'ምበር፡ ጣቓስ ካብ ጎሮቤት ይልቀሖ’

ምንጪ ስእሊ, LE KHAC QUYET/FAUNA & FLORA INTERNATIONAL

መግለጺ ስእሊ, ‘መልክዕ ደኣ ይሃበኒ'ምበር፡ ጣቓስ ካብ ጎሮቤት ይልቀሖ’

እዚ ክብን ቁሩብ ንላዕሊ ዝተገልበጠን ኣፍንጫ ዘለዎ ህበይ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቬትናም ኣብ ውሑዳት ዝተነጸሉ ጫካታት ጥራይ ይርከብ። ኣስታት 80 ሚእታዊ ዓሌት እዚ ህበይ ኣብ ሓደ ጫካ ዝርከብ’ዩ! ብሰንኪ ስእነት መነባብሮ ሃድንን ኣብ ሓደጋ ካብ ዝርከቡ እንስሳታት ሓደ እዩ።

‘መስክሩለይ፡ ክምስክረልኩም’

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ‘መስክሩለይ፡ ክምስክረልኩም’

እዛ ፍርቂ ነብሳ ከም ሕብሪ ኣድጊ በረኻ ዝዀነት እንስሳ ኦካፒ ትበሃል። ምናልባት ‘መን ኣቦኣ?’ ተባሂሉ ኣድጊ በረኻ ዝብል ይጋገ ኣሎ። ዓሌት ኦካፒ ግን ምስ ዘራፍ ዝተኣሳሰር እዩ - ‘ዘራፍ ጫካ’ ብዝብል ይፍለጡ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ ጽዑቕ ጫካ ይነብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እዚ ዓሌት ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ሃድንን ምብራስ ኣግራብን ኣብ ሓደጋ ይርከብ።

‘ይኣክል ኢልና’ለና ይኣክል!’
መግለጺ ስእሊ, ‘ይኣክል ኢልና’ለና ይኣክል!’
‘እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ! መወዳእታ ዓለም በጺሑ’ዩ’

ምንጪ ስእሊ, THOMAS EASTERBROOK / BIRD PHOTOGRAPHER OF THE YEAR

መግለጺ ስእሊ, ‘እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ! መወዳእታ ዓለም በጺሑ’ዩ’

እዛ ስእሊ፡ ኣብ ውድድር ብሉጽ ስእሊ ኣዕዋፍ፡ ኣብ ምድብ ካብ ትሽዓተ ክሳብ 13 ዓመት ህጻናት ብሩር ሽልማት ተዓዊታ’ያ።