መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም
ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 መዛነዪ ስእልታት ተኣንገዱ።

ምንጪ ስእሊ, CHIEN C. LEE
እዞም ህበይ ዝመስሉ ኣብ ማዳጋስካር ዝርከቡ እንስሳ ሌሙር ይበሃሉ።
ንእሽቶ ርእሲ፡ ፍሩያት ኣዒንቲን ዓበይቲ ኣእዛንን ኣለዎም። ብፍላይ እዚኦም፡ 'ሳዕስዒት ለሙራት' ብዝብል ይፍለጡ - ምኽንያቱ ኣብ መሬት ብኽልተ እግሮም ንጎኒ ዝልል ዝልል እናበሉ ብቕልጡፍ ክኸዱ እንከለዉ ዝስዕስዑ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ።

ምንጪ ስእሊ, CHIEN C. LEE
ሌሙራት ኣብ ኣዝዩ ሓደጋ ይርከቡ - ኣብ ዓለምና እታ እንኮ ሌሙር በረኻ ዝርከበላ ሃገር ማዳጋስካር እያ። ኣፍሪቃዊት ደሴት ማዳጋስካር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝተረፋ ብዙሕነት ህይወት ዘለወን ቦታታት እያ።

ምንጪ ስእሊ, VALTTERI MULKAHAIN/CWPA/BARCROFT IMAGES
እዞም ስድራቤት ቡናዊ ድብታት፡ ቫልተሪ ሙልካሃይነን ኣብ ፊንላንድ ዝሰኣሎም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, MARK EDWARD HARRIS/NEW BIG 5
ነዚ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ ዝጠበየ ጎሪላ ከረን ዝሰኣለ ማርክ ኤድዋርድ ሃሪስ፡ ብዝሒ ዓሌት እዚ እንስሳ ቀስ ብቐስ ይውስኽ ከም ዘሎ ይዛረብ።


ምንጪ ስእሊ, ANTONIO LIEBANA/NEW BIG 5
ወጠጦ፡ ኣፍንጫ ነብሪ እንተልሒሱ ነገር ደልዩ ይበሃል። ነብሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣፍንጫ ምስ ዝልሕስከ? ህድማ እዩ’ምበይ!

ምንጪ ስእሊ, LE KHAC QUYET/FAUNA & FLORA INTERNATIONAL
እዚ ክብን ቁሩብ ንላዕሊ ዝተገልበጠን ኣፍንጫ ዘለዎ ህበይ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቬትናም ኣብ ውሑዳት ዝተነጸሉ ጫካታት ጥራይ ይርከብ። ኣስታት 80 ሚእታዊ ዓሌት እዚ ህበይ ኣብ ሓደ ጫካ ዝርከብ’ዩ! ብሰንኪ ስእነት መነባብሮ ሃድንን ኣብ ሓደጋ ካብ ዝርከቡ እንስሳታት ሓደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
እዛ ፍርቂ ነብሳ ከም ሕብሪ ኣድጊ በረኻ ዝዀነት እንስሳ ኦካፒ ትበሃል። ምናልባት ‘መን ኣቦኣ?’ ተባሂሉ ኣድጊ በረኻ ዝብል ይጋገ ኣሎ። ዓሌት ኦካፒ ግን ምስ ዘራፍ ዝተኣሳሰር እዩ - ‘ዘራፍ ጫካ’ ብዝብል ይፍለጡ።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ ጽዑቕ ጫካ ይነብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እዚ ዓሌት ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ሃድንን ምብራስ ኣግራብን ኣብ ሓደጋ ይርከብ።


ምንጪ ስእሊ, THOMAS EASTERBROOK / BIRD PHOTOGRAPHER OF THE YEAR
እዛ ስእሊ፡ ኣብ ውድድር ብሉጽ ስእሊ ኣዕዋፍ፡ ኣብ ምድብ ካብ ትሽዓተ ክሳብ 13 ዓመት ህጻናት ብሩር ሽልማት ተዓዊታ’ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







