‘ዳጣዓመኒ’ዶ’ - መስሓቕ ስእልታት ኣናብር

ምንጪ ስእሊ, CHESTER ZOO
መግለጺ ስእሊ, ‘ሓፍቲ ዘለዎ ነዳሪት፡ ሓፍቲ ዘይብላ ቈራሪት’ - ሱማትራ ዝዓሌቶም ኣናብር ካብ ኩሎም ዓይነታት ነብሪ እቶም ዝነኣሱ እዮም። ኣሊፍን ራያን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ መካነ እንስሳታት ቸስተር ዝተወልዳ ማንታ ኣሕዋት እየን።29 ሓምለ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነብሪ እዩ።
ብዛዕባ እቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓሌታት ነብሪ ንቕሓት ንምዕባይ ይውዕል።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ብዝሒ ነብሪ ዓለም ብ95 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ይገልጽ፤ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ድማ ብቀንዱ ዘይሕጋዊ ምስግጋር እንስሳ ዘገዳምን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝጽሎ ዘሎ መነባብሮኦምን እዩ።
ቅድሚኡ ኣስታት 100,000 ዝግመት ዝነበረ ብዝሒ ነብሪ በረኻ፡ ኣብ 2010 ናብ 3,200 ወሪዱ ነይሩ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣብ በረኻ ዝነብሩ ነብሪ ብዕጽፊ ንምዕባይ ሸቶታት ኣቐሚጠን ምንቅስቓስ ጀሚረን።
ይኹን እምበር ነብሪ ሕጂ’ውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጸኑት ኰይኑ ይርከብ።
ዓለምለኻዊ ትካል ተፈጥሮ፡ ኣብ ኣናብርን መነባብሮኦምን ዝግበር ሓለዋ ኣብ ኣሽሓት ካልኦት ዓይነታት እንስሳታት እውን ረብሓ ከም ዘለዎ ይሕብር።
ብወገንና ድማ ዓለምለኸ መዓልቲ ነብሪ፡ መስሓቕ ስእልታት ኣናብር ብምዕዳም ነኽብራ ኣለና።
ገሊኦም ፍሽኽ ዘብሉ፡ ገሊኦም ዘገርሙ 10 ስእልታት ኣናብር መሪጽናልኩም ኣለና፡ ተዛነዩ።

ምንጪ ስእሊ, Siddhant Agrawal
መግለጺ ስእሊ, ‘ድራረይ ክጠብስ እምበር’ - "ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ጂም ኮርቤት ንስድራቤት ፓሮ ዝተባህለት ነብሪ ንነዊሕ ዓመታት ክከታተል ጸኒሐ። እዛ ኣብዛ ስእሊ ዘላ ጓል ፓሮ እያ፡ ዕንጨይቲ ኣብ መንኵባ ዝተሰከመት ትመስል” ይብል ሲድሃንት ኣግራዋል፤ እንተዀነ ብቲ ዕንጨይቲ ገጻ ክትሓክኽ እያ ትጽዕር ዘላ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, 'እዚ ሞገስ'ዩ ትብልዎ . . . ምሳሌኡ ኣነ እየ!' - ኣብ ሩስያ ቁጽሪ ኣሙር ናይ ዝተበሃለ ዓሌት ነብሪ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብ15 ሚእታዊት ወሲኹ ናብ ከባቢ 540 በጺሑ።
ምንጪ ስእሊ, WWF
መግለጺ ስእሊ, ‘. . . ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጥቃ ደንደስ ባሕሪ፡ትዝ ኢሉ ተዘኪሩኒ ዘሕለፍናዮ ፍቅሪ’
ምንጪ ስእሊ, SERGEY GORSHKOV/WPY2020
መግለጺ ስእሊ, 'ቁሪ ሎምዘበን ምስ ጉንዲ የተሓቛቚፍ'
ምንጪ ስእሊ, SHANYUAN LI/WPY2020
መግለጺ ስእሊ, ‘መጺኣለ'ዛ ድሮን ዝብልዋ!’ - እዚኦም 'ፓላስ' ዝበሃሉ ዓሌት ደማሙ፡ ናይ ርሑቕ ኣዝማድ ነብሪ እዮም። ኣብዛ ስእሊ ዘለዉ ድማ ኣብ ሳይቤርያ ዝርከቡ ኰይኖም፡ እቲ ኣሙር ዝበሃል ዓሌት ነብሪ ናይ ቀረባ ዘመዶም ምዃኑ ይንገር።
ምንጪ ስእሊ, CHESTER ZOO
መግለጺ ስእሊ, ‘ሓፍቲ ፈውሲ ሀው፡ ዘመድ ፈውሲ ጐመድ’ - ሓንቲ ካብቶም ሓለውቲ እቲ መካነ እንስሳ ዝዀነት ሚስ ታይን፡ ኣሊፍን ራያን ክስስና ምርኣይ "ፍጹም ድንቂ" ምዃኑ ትዛረብ።
ምንጪ ስእሊ, CHESTER ZOO
መግለጺ ስእሊ, ‘ሕንቅሕንቅሊተይ . . . ሰሰናይተይ’ - እዞም ሱማትራ ዘረበሃሉ ኣናብር ኣብ እዝኖም ጻዕዳ ነጠብጣብ ኣለዎም፡ እዚ ድማ ዓይኒ ስለዝመስል ብድሕሪት ንዝርእዮም ንቑሓት መሲሎም ክረኣዩ ይገብሮም።
ምንጪ ስእሊ, PA Media
መግለጺ ስእሊ, ‘ዳጣዓመኒ’ዶ!’ - እዚ ሱማትራ ነብሪ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ መካነ እንስሳታት ዝተወሃቦ ናይ ፋሲካ መግቢ የስተማቕር።
ምንጪ ስእሊ, MARWELL ZOO
መግለጺ ስእሊ, ‘ወለድኻ እንከለዉ ጒየ፡ ጸሓይ ከላ ዕየ’መካነ እንስሳታት ማርዌል፡ እዛ ሚላ እትበሃል "ኣዝያ እትፍቶ" ነብሪ፡ መስከረም 2020 መከላኸሊ ጥንሲ ንክግበረላ ኣብ ትሕቲ ሓፈሻዊ መደንዘዚ እንከላ ምትንፋስ ከም ዘቋረጸት ይገልጽ። እዛ ኣደ፡ ማካሪ፡ ባይላን ዚማን ዝተበሃሉ ኣብ ግንቦት 2016 ዝወለደቶም ሰለስተ ጥዑያት ኰራኹር ገዲፋ እያ ኣብ መበል 11 ዓመታ ካብዛ ዓለም ተፈልያ።