‘ፈጣሪ ካብ ፈተውተይ ሓልወኒ...' - መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘቤት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘቤት፡ ናብ መወዳእታ ዙር ውድድር ዓመተ 2023 ዝበጽሓ 25 ብሉጻት ስእልታት ኣግሂዱ ነይሩ።

እዚ ውድድር ብፖል ጆይንሰን-ሂክስን ቶም ሱላምን ዝተመስረተ እዩ፤ ዕላምኡ ድማ እንስሳ ዘቤት ኣብ ህይወትና ዘለዎም እወታዊን ኣገዳስን ተራ ምጽንባልን ድሕነት እንስሳታት ምትብባዕን እዩ።

"ሎሚ ዓመት'ውን ኣብቲ ውድድር ናይ ኣማኢት መስሓቕ ድሙታትን ኣኽላባትን ናይ ብሓቂ ዘስሕቑ ስእልታት ተዓዚብና ኣለና" ክብል ሓባራዊ መስራቲ ቶም ሱላም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።

"ቴክኒካዊ ብሉጽነት ምስ ዝያዳ ዘስሕቕ ትሕዝቶን መግለጺ ጽሑፍን ዘወሃህደ" ሰኣሊ ሓፈሻዊ ተዓዋቲ ናይቲ ውድድር ክኸውን እዩ።

ብመሰረት ምዘና ዳያኑ ክኢላታትን ድምጺ ህዝቢን፡ ተዓወትቲ እዚ ውድድር ኣብ 11 ነሓሰ ክግለጹ እዮም።

ክሳዕ 6 ነሓሰ ድምጺ ምሃብ ዝከኣል ኰይኑ፡ ክትመርጹ ድሌት እንተሃልይኩም፡ እዚ መላገቢ ናብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ መርበብ ክመርሓኩም እዩ።

ንሎሚ ካብተን ብሉጻት መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘቤት 2023 እተን 13 መሪጽና ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

‘ውጥን ውዲት’

ምንጪ ስእሊ, KENICHI MORINAGA/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ውጥን ውዲት’

ብኬኒቺ ሞሪናጋ ዝተሰኣለት እያ። ‘ፍጹም ቅላዕ ኩዕሶ እግሪ’ ዝብል ኣርእስቲ ድማ'ዩ ሂብዋ።

ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብፍላይ ኣብ ምጽባይ ውጽኢት ፍጹም ቅላዕ ዝርአ ጸቕጢ ስለ ዘዘኻኸሮ ክኸውን ይኽእል።

ብሓቂ ግን እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ? ገለ ተንኰል ዝኣልሙ ዘለዉ’ዶ ኣይመስሉን?

‘ጎይታ ጽጋብ ደኣም!’

ምንጪ ስእሊ, KENICHI MORINAGA/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ጎይታ ጽጋብ ደኣም!’

ስም እዚ ድሙ ‘ቢግ ቦስ’ እዩ - ከም ዋና ጎይታ ወይ ቀንዲ ሓለቓ ማለት እዩ።

እዚኣ’ውን ብኬኒቺ ሞሪናጋ እያ ተሳኢላ፡ “ቢግ ቦስ ናይዚ ከባቢ ጎይታ እዩ። ግን ለዋህ፡ ሕያውነቱ’ውን ዓቢ እዩ” ብምባል ይገልጾ።

‘ሓላዊ ልዳት’

ምንጪ ስእሊ, FELIX LARCHER/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ሓላዊ ልዳት’

እዚ ቢዱል ዝስሙ ድሙ ሓላዊ ልዳት ንምዃን ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዎ ይመስል!

‘ፈጣሪ ካብ ፈተውተይ ሓልወኒ ፀላእተይስ ባዕለይ አለኹዎም’

ምንጪ ስእሊ, MICHEL ZOGHZOGHI/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ፈጣሪ ካብ ፈተውተይ ሓልወኒ ፀላእተይስ ባዕለይ አለኹዎም’

'ህሞት መቐይሮ ህይወት' ተባሂላ ዝተሰመየት እዛ ስእሊ ብሊባኖሳዊ ሚሸል ዞግዞጊ ዝተሰኣለት እያ።

እቶም ደማሙ ድማ ኣሌክስን ማክስን ይበሃሉ።

“ኣሌክስ እቲ ሓፋር እዩ። ማክስ እቲ ተጻዋታይ እዩ። ካብቲ ኣብ እንስሳ ዘገዳም ንምስኣል ዝገበርክዎም ጕዕዞታት፡ ነዚኦም ብምስኣል ዝያዳ ተዘናጊዐ” ይብል ሚሸል።

‘ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት!'

ምንጪ ስእሊ, MASAYOSHI YAMAMOTO/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት!'

ሰኣሊኣ ጃፓናዊ ማሳዮሺ ያማሞቶ፡ እቲ “ልክዕ ከምታ ፍልጥቲ ስእሊ ኣንስታይን መልሓሱ ኣውጺኡለይ” ይብል።

‘ምግቢ ምስ ጠመኻ . . .’

ምንጪ ስእሊ, JONATHAN CASEY/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ምግቢ ምስ ጠመኻ . . .’

ኤድጋር ትበሃል እዛ ጎብየ - ትፈትዎ ምግቢ ድማ ቆጽሊ፡ ዕምባባታትን ዳንዴርን እዩ።

‘ንምዃኑ መን ትበሃሊ በይዛኺ?!’

ምንጪ ስእሊ, UDO KRAUSS/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ንምዃኑ መን ትበሃሊ በይዛኺ?!’

ድፍረት ናይዛ ኣንጭዋ’ዶ ደንጽይዋ ይኸውን? ይብል ሰኣሊኣ ኡዶ ክራውስ።

ነዛ ስእሊ ኣብ ዝሰኣለሉ እዋን “ሊሊ እትበሃል ድሙና ምስ’ዛ ኣንጭዋ ክትጻወት ከላ፡ ነታ ኣንጭዋ ኣድሒንናያ፡ ከልብና ኤሚ ድማ በታ ኣንጭዋ ተመሲጣ” ከም ዝነበረት ይዛረብ።

‘ንፕሮፋይለይ’

ምንጪ ስእሊ, KERSTIN LEICHTENMÜLLER/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ንፕሮፋይለይ’

ብቆጽሊታት ምጽዋት ክንድዚ የሐጉስ ድዩ?

“ኣብ ቀውዒ ንሚሎ ክንስእሎ ፈቲንና - ንሱ ግን ኣብ ክንዲ ቁሩብ ብጎድኑ ዝድቅስ ከም ዕቡድ ተጠውዩ። እዛ ስእሊ ስብእናኡ ስለ እተርኢ ስድርኡ ካብ ዝዀነ ስእሊ ንላዕሊ ነዚኣ ይፈትው” ትብል ሰኣሊት ክርስቲን።

‘ጃኪ ቻን’ዶ ወይስ ዞሮ?’

ምንጪ ስእሊ, CHRIS PORSZ/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ጃኪ ቻን’ዶ ወይስ ዞሮ?’

እዚ ከልቢ እዚ እንታይ ርእዩ ክሳብ ክንድዚ ከም ዝተሓጎሰ ክትግምቱ ትኽእሉ’ዶ?

“ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ ዩኒየን ስኩዌር ኒውዮርክ ኮፍ ኢለ ከለኹ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ከልባ ኩዕሶ ክትድርቢ ርእየያ። ድሕሪኡ እቲ ከልቢ [ነታ ኩዕሶ ክሕዝ] ዘሊሉ ኣብ ኣየር ከሎ ስኢለዮ!” ይብል ክሪስ።

ክሪስ ነታ ወናኒት እቲ ከልቢን ነታ ብጸጋም ተገሪማ እትርኢ ዘላ ሰበይቲን ቅዳሕ እዛ ስእሊ ክሰደለን፡ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ኒውዮርክ ክረኽበን ፈቲኑ ከም ዘይሰመረሉ ይዛረብ።

“ስለዚ እዚ ውድድር መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘቤት፡ ንክረኽበን ክሕግዘኒ ተስፋ እገብር። እንታይ ይፍለጥ!”

‘ነዲኣ ገዲፋስ፡ ሓትናኣ ትናፍቕ’

ምንጪ ስእሊ, KIM HORSTMANSHOF/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ነዲኣ ገዲፋስ፡ ሓትናኣ ትናፍቕ’

እዛ ሚስቲ እትበሃል ከልቢ ዘጻውታ ደልያ ነይራ፤ ኣበይሞ? ዘይትዀን መሓዛ እንዶ መሪጻ፤ እታ ድሙ ፍጹም ኣይተመሰጠትን።

“ሚስቲ ምስ ናላ ክትጻወት ኣዝያ ደልያ ነይራ። ናላ ግን ክሳብ ክንድ’ቲ ኣይተበረሃን፡ ሚስቲ ድማ ኣብ ጸወታ ጭርጭር ዓበደ ቅሩብ ንፍዕቲ ኣይኰነትን” ይብል ሰኣሊኣ ኪም።

‘ብቕዓት ኦስካር’

ምንጪ ስእሊ, LANA POLYAKOVA/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ብቕዓት ኦስካር’

ብቕዓት እዚ ሞዴል ዝመስል ከልቢ ሽልማት ኦስካር ዝግብኦ ኣይመስለኩምን?

“እወ፡ ስሙ ኦስካር ይበሃል። ኣፍጋኒስታናዊ ከልቢ ሃድን እዩ፡ ብነብሱ ድማ ኣዝዩ ሕጉስ እዩ” ትብል ላና።

‘ፍላይ ማንታ’

ምንጪ ስእሊ, LANA POLYAKOVA/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘ፍላይ ማንታ’

ቆልዑ ንወለዶም ይመስሉ እዮም፤ እንስሳ ዘቤት ንዋናታቶም ክመስሉ ግን ልሙድ ኣይኰነን።

እዚኣ ሓንቲ ካብተን ናብ መወዳእታ ዙር ዝሓለፋ ክልተ ስእልታት ላና ፖሊኮቫ እያ። መበል ካልአይቲ ስእላ እያ።

‘መን ምዃንካ ክነግረካ፡ ምስ መን ከም እትድቅስ ንገረኒ’

ምንጪ ስእሊ, KATIA PILLONEL/COMEDY PETS

መግለጺ ስእሊ, ‘መን ምዃንካ ክነግረካ፡ ምስ መን ከም እትድቅስ ንገረኒ’

እዚ ምስ መጻወቲ ጎሪላ ዝደቀሰ ከልቢ ብካትያ ፒሎኔል ዝተሳእለ እዩ።