‘ስእልኹም ሰልክዩና’ - መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

ምንጪ ስእሊ, Clemence Guinard
ህይወት፡ ሕማም፣ ጥሜትን ዓፀባን ጥራይ ኣይኰነትን።
ኣብ ህይወት ጥዕና፡ ፅጋብን ተድላን’ውን ኣሎ። ሕማቕ ኣሎ፡ ጽቡቕ’ውን ኣሎ።
ኮታስ ከም ፍቕርን ፅልእን፡ ሃብትን ስእነትን፡ ልምዓትን ጥፍኣትን፡ ሰላምን ኲናትን ዝኣመሰሉ ኣንጻራዊ ስምዒታትን ኵነታትን ከጋጥመና ንቡር እዩ።
ንሰርሕ፡ ንደክም፡ ንስሕቕ፡ ንበክይ።
ሓጎስን ሓዘንን የጋጥም’ዩ።
ሓድሓደ ግዜ ክምስ ዘብል ነገር ንዕዘብ፡ ካልእ ግዜ ድማ ቁጥዐ ዝፈጥር ነገር የጋጥመና።
ፍሽኽታ ብዙሕ ጻዕሪ ስለዘይሓትት ግን ንሎሚ ፍሽክ እንተበልናኸ?
እነሆ 10 ስእልታት ካባና፡ ፍሽኽ ካባኹም።

ምንጪ ስእሊ, ERIC FISHER
ኣብ ማሕረስ ውዒሉ ኣብ ሩባ ክሕጸብ ዝደለየ ሓረስታይ እንተርኢኹም፡ በጃም እልይ በልሉ።
እዛ ናይ ኤሪክ ፊሸር ስእሊ፡ ኣብ 2020 ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, DANIELE D'ERMO
እዛ ዑፍ ገለ ቅኒት ጭራ ዋጣ ተስተኻኽል ዘላ ትመስል። ወይስ ጽፍራ እያ ተመዓራርይ ዘላ?
ብዝዀነ ዳኒኤል ዲ ኤርሞ ኣብ ፍሎሪዳ ዝሰኣለታ’ያ፤ ኣብ 2020 ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ ካብ ዝበጽሑ ሓንቲ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Rick Elieson
ብሪክ ኤሊሰን ዝተሰኣለ እዚ ድቢ ብ‘ቅኒት ጭራ ዋጣ’ የላግጽ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, MARTIN GRACE
እዚ ብዘይ ገለ ስክፍታ ሕቘኡ ክሓክኽ ዝረአ ህበይ ኣብ ቦትስዋና ብማርቲን ግሬስ ዝተሰኣለ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Ken Crossan
በቲ ዝባኑ ዝሓክኽ ዘሎ ህበይ’ዶ ይዀን ዝስሕቕ ዘሎ? ኬን ክሮሳን፡ ነዚ ነሲል (ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ባሕሪ) ኣብ ስኮትላንድ ከም ዝሰኣሎ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, GAIL BISSON
ኣብ 2020 ንዝተሰኣለት እዛ ራዛ ባሕሪ ‘ጸጉሪ ኮቪድ’ ብዝብል ዝሰመያ ጌይል ባይሰን፡ ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዕጽዋ ዝነበርና መብዝሓትና ሰባት ከም እትመስል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, WEI PING PENG
ዌ ፒንግ ፔንግ ኣብ ጃፓን ዝሰኣላ’ያ፤ ኣብ 2020 ድማ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Patrick Dirlam / Comedy wildlife photo
ፓትሪክ ደርላም፡ ነዛ ዑፍ ካብ ሓደ ጨንፈር ናብ ካልእ ጨንፈር ክትዘልል ከላ ንኣስታት 15 ደቓይቕ ከም ዝተኸታተላ ይገልጽ።
ሽዑ “ከም ዝከታተላ ፈሊጣ ይመስለኒ፤ በቃ ሃንደበት፡ ደው ኢላ ንኣስታት 3 ካልኢት ኣተኲራ ጠሚታትኒ!”

ምንጪ ስእሊ, Kay Kotzian
እዞም ገለ ተንኮል ክፍጽሙ ዝደልዩ ድብታት ግሪዝሊ፡ ብኬይ ኮትዚያን ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ግራንድ ቴቶን፡ ዋዮሚንግ ዝተሳእሉ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







