‘ስእልኹም ሰልክዩና’ - መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

‘ስእልኹም ሰልክዩና!’

ምንጪ ስእሊ, Clemence Guinard

መግለጺ ስእሊ, ‘ስእልኹም ሰልክዩና!’

ህይወት፡ ሕማም፣ ጥሜትን ዓፀባን ጥራይ ኣይኰነትን።

ኣብ ህይወት ጥዕና፡ ፅጋብን ተድላን’ውን ኣሎ። ሕማቕ ኣሎ፡ ጽቡቕ’ውን ኣሎ።

ኮታስ ከም ፍቕርን ፅልእን፡ ሃብትን ስእነትን፡ ልምዓትን ጥፍኣትን፡ ሰላምን ኲናትን ዝኣመሰሉ ኣንጻራዊ ስምዒታትን ኵነታትን ከጋጥመና ንቡር እዩ።

ንሰርሕ፡ ንደክም፡ ንስሕቕ፡ ንበክይ።

ሓጎስን ሓዘንን የጋጥም’ዩ።

ሓድሓደ ግዜ ክምስ ዘብል ነገር ንዕዘብ፡ ካልእ ግዜ ድማ ቁጥዐ ዝፈጥር ነገር የጋጥመና።

ፍሽኽታ ብዙሕ ጻዕሪ ስለዘይሓትት ግን ንሎሚ ፍሽክ እንተበልናኸ?

እነሆ 10 ስእልታት ካባና፡ ፍሽኽ ካባኹም።

‘ኢሂ ደኣ ደቂ ዓዲ! ክንሕጸብ ደሊና ነይርና!’

ምንጪ ስእሊ, ERIC FISHER

መግለጺ ስእሊ, ‘ኢሂ ደኣ ደቂ ዓዲ! ክንሕጸብ ደሊና ነይርና!’

ኣብ ማሕረስ ውዒሉ ኣብ ሩባ ክሕጸብ ዝደለየ ሓረስታይ እንተርኢኹም፡ በጃም እልይ በልሉ።

እዛ ናይ ኤሪክ ፊሸር ስእሊ፡ ኣብ 2020 ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

‘ቅኒት ጭራ ዋጣ’

ምንጪ ስእሊ, DANIELE D'ERMO

መግለጺ ስእሊ, ‘ቅኒት ጭራ ዋጣ’

እዛ ዑፍ ገለ ቅኒት ጭራ ዋጣ ተስተኻኽል ዘላ ትመስል። ወይስ ጽፍራ እያ ተመዓራርይ ዘላ?

ብዝዀነ ዳኒኤል ዲ ኤርሞ ኣብ ፍሎሪዳ ዝሰኣለታ’ያ፤ ኣብ 2020 ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ ካብ ዝበጽሑ ሓንቲ ነይራ።

‘ኣብ ርእሲ ዋጣ ዘውጠጢ፡ ኣይክዋጥን እንትርፎ ከውጠጢ’

ምንጪ ስእሊ, Rick Elieson

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣብ ርእሲ ዋጣ ዘውጠጢ፡ ኣይክዋጥን እንትርፎ ከውጠጢ’

ብሪክ ኤሊሰን ዝተሰኣለ እዚ ድቢ ብ‘ቅኒት ጭራ ዋጣ’ የላግጽ ኣሎ።

‘ሓደ ቁማል ስረ የፍትሕ . . .’

ምንጪ ስእሊ, MARTIN GRACE

መግለጺ ስእሊ, ‘ሓደ ቁማል ስረ የፍትሕ . . .’

እዚ ብዘይ ገለ ስክፍታ ሕቘኡ ክሓክኽ ዝረአ ህበይ ኣብ ቦትስዋና ብማርቲን ግሬስ ዝተሰኣለ እዩ።

‘ኣይላጸን ዝበለ ቁማል ይብላዕዮ!’

ምንጪ ስእሊ, Ken Crossan

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣይላጸን ዝበለ ቁማል ይብላዕዮ!’

በቲ ዝባኑ ዝሓክኽ ዘሎ ህበይ’ዶ ይዀን ዝስሕቕ ዘሎ? ኬን ክሮሳን፡ ነዚ ነሲል (ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ባሕሪ) ኣብ ስኮትላንድ ከም ዝሰኣሎ ይዛረብ።

‘እዋን ለበዳ ኮቪድ!’

ምንጪ ስእሊ, GAIL BISSON

መግለጺ ስእሊ, ‘እዋን ለበዳ ኮቪድ!’

ኣብ 2020 ንዝተሰኣለት እዛ ራዛ ባሕሪ ‘ጸጉሪ ኮቪድ’ ብዝብል ዝሰመያ ጌይል ባይሰን፡ ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዕጽዋ ዝነበርና መብዝሓትና ሰባት ከም እትመስል ይገልጽ።

‘ኣብ ውዑይ ማይ ዝኣተወት ደርሆ ኣይግበርኩም’

ምንጪ ስእሊ, WEI PING PENG

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣብ ዝፈልሐ ማይ ዝኣተወት ደርሆ ኣይግበርኩም’

ዌ ፒንግ ፔንግ ኣብ ጃፓን ዝሰኣላ’ያ፤ ኣብ 2020 ድማ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

‘ዋላ ንከርሽ! ‘ታይ ኣእተወኩም!’

ምንጪ ስእሊ, Patrick Dirlam / Comedy wildlife photo

መግለጺ ስእሊ, ‘ዋላ ንከርሽ! ‘ታይ ኣእተወኩም!’

ፓትሪክ ደርላም፡ ነዛ ዑፍ ካብ ሓደ ጨንፈር ናብ ካልእ ጨንፈር ክትዘልል ከላ ንኣስታት 15 ደቓይቕ ከም ዝተኸታተላ ይገልጽ።

ሽዑ “ከም ዝከታተላ ፈሊጣ ይመስለኒ፤ በቃ ሃንደበት፡ ደው ኢላ ንኣስታት 3 ካልኢት ኣተኲራ ጠሚታትኒ!”

‘ሰብ ከይመጽእ ጥራይ ሓሉ . . .’

ምንጪ ስእሊ, Kay Kotzian

መግለጺ ስእሊ, ‘ሰብ ከይመጽእ ጥራይ ሓሉ . . .’

እዞም ገለ ተንኮል ክፍጽሙ ዝደልዩ ድብታት ግሪዝሊ፡ ብኬይ ኮትዚያን ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ግራንድ ቴቶን፡ ዋዮሚንግ ዝተሳእሉ እዮም።