‘ስእልኹም ሰልክዩና’ - መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

ህይወት፡ ሕማም፣ ጥሜትን ዓፀባን ጥራይ ኣይኰነትን።

ኣብ ህይወት ጥዕና፡ ፅጋብን ተድላን’ውን ኣሎ። ሕማቕ ኣሎ፡ ጽቡቕ’ውን ኣሎ።

ኮታስ ከም ፍቕርን ፅልእን፡ ሃብትን ስእነትን፡ ልምዓትን ጥፍኣትን፡ ሰላምን ኲናትን ዝኣመሰሉ ኣንጻራዊ ስምዒታትን ኵነታትን ከጋጥመና ንቡር እዩ።

ንሰርሕ፡ ንደክም፡ ንስሕቕ፡ ንበክይ።

ሓጎስን ሓዘንን የጋጥም’ዩ።

ሓድሓደ ግዜ ክምስ ዘብል ነገር ንዕዘብ፡ ካልእ ግዜ ድማ ቁጥዐ ዝፈጥር ነገር የጋጥመና።

ፍሽኽታ ብዙሕ ጻዕሪ ስለዘይሓትት ግን ንሎሚ ፍሽክ እንተበልናኸ?

እነሆ 10 ስእልታት ካባና፡ ፍሽኽ ካባኹም።

ኣብ ማሕረስ ውዒሉ ኣብ ሩባ ክሕጸብ ዝደለየ ሓረስታይ እንተርኢኹም፡ በጃም እልይ በልሉ።

እዛ ናይ ኤሪክ ፊሸር ስእሊ፡ ኣብ 2020 ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

እዛ ዑፍ ገለ ቅኒት ጭራ ዋጣ ተስተኻኽል ዘላ ትመስል። ወይስ ጽፍራ እያ ተመዓራርይ ዘላ?

ብዝዀነ ዳኒኤል ዲ ኤርሞ ኣብ ፍሎሪዳ ዝሰኣለታ’ያ፤ ኣብ 2020 ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ ካብ ዝበጽሑ ሓንቲ ነይራ።

ብሪክ ኤሊሰን ዝተሰኣለ እዚ ድቢ ብ‘ቅኒት ጭራ ዋጣ’ የላግጽ ኣሎ።

እዚ ብዘይ ገለ ስክፍታ ሕቘኡ ክሓክኽ ዝረአ ህበይ ኣብ ቦትስዋና ብማርቲን ግሬስ ዝተሰኣለ እዩ።

በቲ ዝባኑ ዝሓክኽ ዘሎ ህበይ’ዶ ይዀን ዝስሕቕ ዘሎ? ኬን ክሮሳን፡ ነዚ ነሲል (ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ባሕሪ) ኣብ ስኮትላንድ ከም ዝሰኣሎ ይዛረብ።

ኣብ 2020 ንዝተሰኣለት እዛ ራዛ ባሕሪ ‘ጸጉሪ ኮቪድ’ ብዝብል ዝሰመያ ጌይል ባይሰን፡ ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዕጽዋ ዝነበርና መብዝሓትና ሰባት ከም እትመስል ይገልጽ።

ዌ ፒንግ ፔንግ ኣብ ጃፓን ዝሰኣላ’ያ፤ ኣብ 2020 ድማ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

ፓትሪክ ደርላም፡ ነዛ ዑፍ ካብ ሓደ ጨንፈር ናብ ካልእ ጨንፈር ክትዘልል ከላ ንኣስታት 15 ደቓይቕ ከም ዝተኸታተላ ይገልጽ።

ሽዑ “ከም ዝከታተላ ፈሊጣ ይመስለኒ፤ በቃ ሃንደበት፡ ደው ኢላ ንኣስታት 3 ካልኢት ኣተኲራ ጠሚታትኒ!”

እዞም ገለ ተንኮል ክፍጽሙ ዝደልዩ ድብታት ግሪዝሊ፡ ብኬይ ኮትዚያን ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ግራንድ ቴቶን፡ ዋዮሚንግ ዝተሳእሉ እዮም።