‘ሰሓቕ መድሓኒት እዩ’ - ኣዛነይቲ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም ናይዚ ሰሙን

‘ውጥረት ወይ ጸቕጢ’፡ ኣብ ህይወትና ጭንቀት ወይ ሓደጋ ክህሉ ከም ዝኽእል ክስማዓና ከሎ ዝፍጠር ኵነታት እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ "ኩሉ ሰብ ሓድሓደ ግዜ ጸቕጢ የጋጥሞ’ዩ፤ ቁሩብ ጸቕጢ ድማ ጸገም የብሉን" ይብል።

ኣዝዩ ልዑል እንተዀይኑ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ንኣካላትናን ጥዕናናን ይጸሉ'ዩ። ጸቕጢ ዝተፈላለዩ ስነ-ህይወታዊ ምላሽ የበግስ፤ ሆርሞናት መጽቀጥቲ ይፍኑ፡ ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ሽኮር ይውስኽ፡ ጸቕጢ ደም ይልዕልን ህርመት ልቢ ይቕልጥፍን።

ብሰንኪ'ዚ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ክሳድ፡ ቃንዛ ኣብራኽ፡ ቃንዛ ሕቖ፡ ቁጥዐ ጨጎራን ካልኦት ሕማማትን ከስዕብ ይኽእል።

ልዑል መጽቀጥቲ ዘጋጠሞም ሰባት መብዛሕትኦም ከተኩሩ ኣይክእሉን፡ ሸውሃቶም ይቕየር፡ ብቐሊሉ ይሓርቑ፡ ክድቅሱ ይጽገሙ፡ ጓሂ ወይ ናይ ገበን ስምዒት ይስምዖም፡ ስርሖም ብዝግባእ ክሰርሑ ይጽገሙ ንኻልኦት ይወቕሱ፡ ብዛዕባኦምን ብዛዕባ ካልኦትን ሕማቕ ይፈርዱ፡ ይካትዑ፡ ይሓርቁን ይበኣሱን። ወይ ድማ ካብ ዘፍቅርዎም ሰባት ክርሕቑ ይኽእሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሰባት ውጥረት ወይ ጸቕጢ ከስዕቡ ዝኽእሉ ኣዝዮም ብዙሓት ጠንቂታትን ብድሆታትን ኣለዉ።

ምስ ስድራቤት ዘይምርድዳእ፡ ስድራቤታዊ ዓመጽ፡ ሕማም፡ ክፍሊት ገዛ ክራይ፡ ናህሪ ዋጋታት ኣስቤዛ፡ ክፍሊት ቤት ትምህርቲ፡ ፖለቲካ፡ ጭውያ፡ ግጭት፡ ኲናት፡ ምዝንባል፡ ጥሜት፡ ዘይርጉጽነት ብዛዕባ መጻኢ ህይወት፡ ለውጢ ክሊማ ዘስዕቦም ጸገማት . . . ኮታስ ዘርዚርካ ዝውድኡ ኣይኰኑን።

እዚኦምን ካልኦት ብድሆታትን ነባሪ ፍታሕ ከም ዘድልዮም ዘካትዕ ኣይኰነን።

እንተዀነ ግን ነቲ ዝስምዓና ጭንቀትን ጸቕጢን ግዜያዊ ፍታሕ ክንረኽበሉ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ከም ዘለዉ ክኢላታት ይገልጹ።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ እዞም ጭንቀትን ጸቕጢን ዘቕልሉ ኣማራጺታት ኣብ ጥዕናና ከይተረፈ እወታዊ ጽልዋ ኣለዎም።

ንኣብነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ደቂ ሰባት ባህታ ከም ዝፈጥር ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታት ይሕብሩ። ብፍላይ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ብእግሮም ነዊሕ መንገዲ እንተተጓዒዞም፡ ጭንቀቶም እንተዘይተናገፈ’ኳ ፍኹስ ክብል ይኽእል’ዩ።

ምስዕሳዕ፡ መግቢ ምድላው፡ ንነብስኻ ምድራዝ ወይ ምምዛው፡ ነብስኻ ምሕጻብ፡ መጻሕፍቲ ምንባብ፡ ኣብ ገለ ወለንታዊ ምንቅስቓሳት ምስታፍ፡ ምስ ቤተሰብን ኣዝማድን ምዝታይ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት’ውን መጽቀጥቲ ንምንካይ ክሕግዙ ይኽእሉ።

ካልእ እወታዊ ጽልዋ ዘሕድር ድማ ሰሓቕ’ዩ።

ሰሓቕ ንብዙሕ ሕማማት መድሓኒት ስለዝዀነ ካብ ዘጨንቑ ትሕዝቶታት ውጽእ ኢልና ዘስሕቑ ወይ ድማ ፍሽኽ ክንብል ዝገብሩ ዛንታታት ምንባብ ከምኡ’ውን ፊልምታት ወይ እውን ስእልታት ምርኣይ ረብሕኡ ዝነዓቕ ኣይኰነን።

ስለዚ ክትስሕቑ እንተወሓደ ፍሽኽ ክትብሉ ዝሕግዙ 10 ስእልታት እንስሳ ዘገዳም መሪጽናልኩም ኣለና።

ተዓደሙ!

ኣርተር ቴል ቴማን፡ እዞም ኣብዛ ስእሊ ዝረኣዩ ዓሌት ዓሳ “ዋላ እኳ መስሓቕ እንተመሰሉ፡ ግን ኣዝዮም ኣጥቃዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንዓይ ክነኽሱኒ ኣይፈተኑን፡ ካሜራይ ግን ፋሕጢሮምዋ እዮም” ይብል።

እዚ ኦስካን ኦዝማን ዝሰኣሉ ህበይ ኣብዚ ሰሙን ዝውረ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ኣተሓሳሲብዎ’ዶ ይዀን?

ፓል ማርችሃርት፡ "ኣብ ፊንላንድ ኣብ ቁሸት ማርቲንሰልኮነን ዝተሳእለት’ያ" ይብል። እዚ ንእሽቶ ድቢ ኰርዩ ገለ ነገር ዝተሓሰመ ቆልዓ ይመስል።

እዛ ስእሊ ኣብ ካናዳ ከተማ ኦንታርዮ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ዋሳጋ ኣብ 2010 ዝተሰኣለት እያ። ብክልተ ምዕጉርቲ ምብላዕ ነውሪ’ዶ ኣይነበረን?

“ንእተወሰነ እዋን ንሓንቲ ጕጅለ ንእሽቶ ዓዓት እናሰኣልኩ ከለኹ፡ እታ ሓንቲ ካብቲ ዕስለ ተፈልያ። ብድሕሪ እግሪ ገረብ ተሓቢኣ ንገለ ካልኢታት ምስ ጸንሐት ሰላም ክትብል ተቐልቂላ” ይብል ሰኣሊኣ ቻርሊ ፔጅ።

እዛ ዘይተለምደት ስእሊ ናይ ማይ ዝጸምኣ ህበይ ዝሰኣላ ካርሎስ ፔረዝ ኔቫል እዩ።

ጽባቐን ሞገስ ምርካብን ኢንዶርፊን ዝተበሃለ ሆርሞን ከም ዘነቓቕሕ ይፍለጥ። እዚ ሆርሞን ድማ ስምዒት ምዝ’ንጋዕ ወይ እፎይታ ይፈጥር።

እዛ ካብ ሳይንስ ፎቶ ላይብረሪ ዝረኸብናያ ስእሊ፡ ልክዕ ከም ደቂ ሰባት፡ ኣህባይ’ውን ጽባቐን ሞገስ ምርካብን ንማሕበራዊ ደረጃኦም ኣገዳሲ ምዃኑ እተመልክት እያ።

እዚኣ ኣብ ሽልማት ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ብሪጣንያ 2023 ተወዳዲራ ኣብ መዳይ ባህሪ እንስሳ ዝተዓወተት ስእሊ እያ።

"ሓርጃማት ናብቲ ዝፈርዩሉ ቦታ ክግዕዙ ምርኣይ ዘደንቕ'ዩ" ይብል ጀምስ ሮዲ።

"እተን ዓበይቲ ኣንስቲ ናብቲ ማይ ዝርከበሉ ቦታ ክኸዳ እንከለዋ፡ እቶም ንኣሽቱ ደቂ ተባዕትዮ 'ተሓንጊጦም' ክኸዱ ይፍትኑ። ውጽኢቱ ድማ ዘስሕቕ ባህርያት ከስዕብ ይኽእል'ዩ፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ሓርጃማት (እንቁርዕብ) መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣንስተይቲ ክስቀሉ ይፍትኑ።”

ጄምስ፡ እዛ ምስሊ ሓደ ሓርጃም ነቲ ካልእ ደፊኡ ከውርድ ክፍትን ከሎ ከም ዝሰኣላ ይገልጽ። ብዘገርም ቅልጣፈ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ኵነታት ንምስኣል ኣዝዩ ከም ዘጸግም’ውን ይዛረብ።

ቺምፓንዚታት (ዓሌት ህበይ)፡ ቁማል ዝቘምሉ ንጽሬት ጥራይ ኣይኰኑን። እዚ ብእንግሊዝኛ “ኣሎግሩሚንግ” ዝበሃል ተግባር “ንካልእ ምጽባቕ” ማለት እዩ። እንተዀነ ግን ካብ ምጽባቕ ሓሊፉ ኣዝዩ ልዑል ትርጉም ኣለዎ።

ኣሎግሩሚንግ፡ ደቂ ሰባትን ተመሳሳሊ ዓሌት ዘለዎም እንስሳታትን ዝፍጽምዎ ኣካላዊ ክንክን ኰይኑ፡ ብተለምዶ ሓደ እንስሳ ኣእዳዉ፡ ኣፉ ወይ ካልእ ክፋል ኣካላቱ ተጠቒሙ ንኻልእ እንስሳ ዝትንክፈሉ ኣገባብ እዩ።

እቲ ተግባር ከም ምሕኻኽ፡ ምልቃም፡ ምህራምን ምድራዝን ኣብ ገለ እንስሳታት ድማ ምልሓስን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት የጠቓልል።