እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም፡ ፖለቲካ ዓለም
ሰሓቕ ኣካላውን ኣዕምሮኣውን ረብሓ ኣለዎ።
ኩላትና ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንተሰሓቕና ይምረጽ፤ እንተወሓደ ፍሽኽ ምባል ኣገዳሲ’ዩ።
ንሎሚ ዝመረጽናዮም ስእልታት ድማ መንፈስ ዘብርሁን ንገለ ገጽ ህልዊ ኩነታት ዓለም ዘንጸባርቑ'ዮም- ዋዛ ምስ ቁምነር. . . ።
ምንጪታትና ዝተፈላለዩ ውድድር ሰኣልቲን ስእልታትን ምዃኖም ድማ ክንሕብር ደስ ይብለና።
ብፓብሎ ዳኒኤል ፌርናንዴዝ ኣብ ጃፓን ኣብ ፓርክ ኣህባይ ጂጎጁዳኒ ተሳኢላ።
ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ናብ መወዳእታ ዙር ካብ ዝበጽሑ ስእልታት ሓንቲ እዛ ብ ኣዳወይት ኣፌል ዝተሰኣለት እያ።
እዛ ስእሊ ኣብ ኣርጀንቲና ብሱዛን ኖውለር ዝተሰኣለት እያ።
እዛ ሓንቲ ወኻርያ፡ ሓዋ ክምንጥላ ከም ዝሓሰበ ተረዲኣ ንግዳያ ኣጽኒዓ ክትሕዝ እተርኢ ስእሊ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2020 ዝቐረበት እያ።
ሽላን ወኻርያን ኣብ ከምዚ ሳዕሪ ዝበዝሖ ከባቢ ሓያላት ሃደንቲ እዮም፤ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ እዋን ሃድን ተቐናቐንቲ ኰይኖም ነንሕድሕዶም ክበኣሱ ይድረኹ - ከምዚ ኣብዛ ኣብ ሞንጎሊያ ዝተሰኣለት ስእሊ ዝርአ።
ኣብ 2018 ኣብ ውድድር ስእሊ ስነ-ህይወት ባዮሜድ ሴንትራል ካብ ዝቐረቡ ስእልታት ሓንቲ’ያ።
ዳኒኤል ምስ እዚ ጎሪላ ኣብ ዱር ሃገራዊ ሕዛእቲ ኦድዛላ፡ ሪፓብሊክ ኮንጎ እዮም ተራኺቦም። እዛ ስእሊ ኣብ 2017 ዓቢ ዋንጫ ሆላንድን ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2017 ኣብ ምድብ ካብ 15-17 ዓመት ተዓዊታ’ያ።
ብማርዮን ቮልቦርን ተሳኢላ ኣብ መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም 2019 ቀሪባ ነይራ።
ኣብ 2018 ኣብ ውድድር ስእሊ ስነ-ህይወት ባዮሜድ ሴንትራል ካብ ዝቐረቡ ስእልታት ሓንቲ፡ እዛ ብፈረንሳዊ ኣርኖድ ባዲያን ዝተሰኣለት ነይራ።
ኣሽሊ ስከሊ፡ በዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2017 ኣብ ምድብ ካብ 11-14 ዓመት ተዓዋታ እያ።