መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም፡ ፖለቲካ ዓለም
ሰሓቕ ኣካላውን ኣዕምሮኣውን ረብሓ ኣለዎ።
ኩላትና ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንተሰሓቕና ይምረጽ፤ እንተወሓደ ፍሽኽ ምባል ኣገዳሲ’ዩ።
ንሎሚ ዝመረጽናዮም ስእልታት ድማ መንፈስ ዘብርሁን ንገለ ገጽ ህልዊ ኩነታት ዓለም ዘንጸባርቑ'ዮም- ዋዛ ምስ ቁምነር. . . ።
ምንጪታትና ዝተፈላለዩ ውድድር ሰኣልቲን ስእልታትን ምዃኖም ድማ ክንሕብር ደስ ይብለና።

ምንጪ ስእሊ, Pablo Daniel Fernandez / Comedy Wildlife Photo Awards 2019
ብፓብሎ ዳኒኤል ፌርናንዴዝ ኣብ ጃፓን ኣብ ፓርክ ኣህባይ ጂጎጁዳኒ ተሳኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Adwait Aphale / Comedy Wildlife Photo Awards 2019
ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ናብ መወዳእታ ዙር ካብ ዝበጽሑ ስእልታት ሓንቲ እዛ ብ ኣዳወይት ኣፌል ዝተሰኣለት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Susan Knowler / Comedy Wildlife Photo Awards 2019
እዛ ስእሊ ኣብ ኣርጀንቲና ብሱዛን ኖውለር ዝተሰኣለት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Matthew Maran
እዛ ሓንቲ ወኻርያ፡ ሓዋ ክምንጥላ ከም ዝሓሰበ ተረዲኣ ንግዳያ ኣጽኒዓ ክትሕዝ እተርኢ ስእሊ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2020 ዝቐረበት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Baozhu Wang/Bird Photographer of the Year
ሽላን ወኻርያን ኣብ ከምዚ ሳዕሪ ዝበዝሖ ከባቢ ሓያላት ሃደንቲ እዮም፤ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ እዋን ሃድን ተቐናቐንቲ ኰይኖም ነንሕድሕዶም ክበኣሱ ይድረኹ - ከምዚ ኣብዛ ኣብ ሞንጎሊያ ዝተሰኣለት ስእሊ ዝርአ።

ምንጪ ስእሊ, Arnaud Badiane
ኣብ 2018 ኣብ ውድድር ስእሊ ስነ-ህይወት ባዮሜድ ሴንትራል ካብ ዝቐረቡ ስእልታት ሓንቲ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, Daniël Nelson/Wildlife Photographer of the Year
ዳኒኤል ምስ እዚ ጎሪላ ኣብ ዱር ሃገራዊ ሕዛእቲ ኦድዛላ፡ ሪፓብሊክ ኮንጎ እዮም ተራኺቦም። እዛ ስእሊ ኣብ 2017 ዓቢ ዋንጫ ሆላንድን ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2017 ኣብ ምድብ ካብ 15-17 ዓመት ተዓዊታ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, Marion Vollborn / Comedy Wildlife Photo Awards 2019
ብማርዮን ቮልቦርን ተሳኢላ ኣብ መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም 2019 ቀሪባ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Arnaud Badiane
ኣብ 2018 ኣብ ውድድር ስእሊ ስነ-ህይወት ባዮሜድ ሴንትራል ካብ ዝቐረቡ ስእልታት ሓንቲ፡ እዛ ብፈረንሳዊ ኣርኖድ ባዲያን ዝተሰኣለት ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Ashleigh Scully/Wildlife Photographer of the Year
ኣሽሊ ስከሊ፡ በዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2017 ኣብ ምድብ ካብ 11-14 ዓመት ተዓዋታ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







