መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም፡ ፖለቲካ ዓለም

ሰሓቕ ኣካላውን ኣዕምሮኣውን ረብሓ ኣለዎ።

ኩላትና ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንተሰሓቕና ይምረጽ፤ እንተወሓደ ፍሽኽ ምባል ኣገዳሲ’ዩ።

ንሎሚ ዝመረጽናዮም ስእልታት ድማ መንፈስ ዘብርሁን ንገለ ገጽ ህልዊ ኩነታት ዓለም ዘንጸባርቑ'ዮም- ዋዛ ምስ ቁምነር. . . ።

ምንጪታትና ዝተፈላለዩ ውድድር ሰኣልቲን ስእልታትን ምዃኖም ድማ ክንሕብር ደስ ይብለና።

‘ሓያላን ከኣ፥ ኣብ መንጎኦም ኲናት ይኹን፡ በሉ። ኲናት ድማ ዀነ።’

ምንጪ ስእሊ, Pablo Daniel Fernandez / Comedy Wildlife Photo Awards 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ሓያላን ከኣ፥ ኣብ መንጎኦም ኲናት ይኹን፡ በሉ። ኲናት ድማ ዀነ።’

ብፓብሎ ዳኒኤል ፌርናንዴዝ ኣብ ጃፓን ኣብ ፓርክ ኣህባይ ጂጎጁዳኒ ተሳኢላ።

‘ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሓፍቲ ግጭት ይፈጥር’

ምንጪ ስእሊ, Adwait Aphale / Comedy Wildlife Photo Awards 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ስስዐ ዘንቀሎ ግጭት ጉኑፋት’

ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ናብ መወዳእታ ዙር ካብ ዝበጽሑ ስእልታት ሓንቲ እዛ ብ ኣዳወይት ኣፌል ዝተሰኣለት እያ።

‘ተዓዘብቲ መንጎኛታት ድማ፡ ተጻባዕቲ ወገናት ግጭት ደው ኣቢሎም ክዛተዩ ይጽውዑ’

ምንጪ ስእሊ, Susan Knowler / Comedy Wildlife Photo Awards 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ለባማት ተዓዘብቲ ድማ፡ ተጻባዕቲ ወገናት ግጭት ደው ኣቢሎም ክዛተዩ ይምሕጸኑ’

እዛ ስእሊ ኣብ ኣርጀንቲና ብሱዛን ኖውለር ዝተሰኣለት እያ።

‘ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሓፍቲ ግጭት ይጋደድ’

ምንጪ ስእሊ, Matthew Maran

መግለጺ ስእሊ, ‘ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ግጭት የጋድድ’

እዛ ሓንቲ ወኻርያ፡ ሓዋ ክምንጥላ ከም ዝሓሰበ ተረዲኣ ንግዳያ ኣጽኒዓ ክትሕዝ እተርኢ ስእሊ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2020 ዝቐረበት እያ።

‘ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሓፍቲ ዝፈጠሮ ግጭት ናብ ጎረባብቲ ይልሕኽ’

ምንጪ ስእሊ, Baozhu Wang/Bird Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘እቲ ግጭት ናብ ጎረባብቲ ይልሕኽ- ሓደገኛ ጸወታ ድምር ባዶ እኩብ’

ሽላን ወኻርያን ኣብ ከምዚ ሳዕሪ ዝበዝሖ ከባቢ ሓያላት ሃደንቲ እዮም፤ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ እዋን ሃድን ተቐናቐንቲ ኰይኖም ነንሕድሕዶም ክበኣሱ ይድረኹ - ከምዚ ኣብዛ ኣብ ሞንጎሊያ ዝተሰኣለት ስእሊ ዝርአ።

‘ገለ ወገናት እቲ ግጭት ብኸመይ ንረብሓኦም ከም ዘውዕልዎ ይሓስቡ’

ምንጪ ስእሊ, Arnaud Badiane

መግለጺ ስእሊ, ‘ገለ ወገናት እቲ ግጭት ብኸመይ ንረብሓኦም ከም ዘውዕልዎ ይሓስቡ. . .’

ኣብ 2018 ኣብ ውድድር ስእሊ ስነ-ህይወት ባዮሜድ ሴንትራል ካብ ዝቐረቡ ስእልታት ሓንቲ’ያ።

‘ሓፍተይ ኣይተተንከፈ፥ ሓመድ ድፋጭኦም ይስተዩ ግዲ!’

ምንጪ ስእሊ, Daniël Nelson/Wildlife Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ሃፍተይ ኣይተተንከፈ፥ ሓመድ ድፋጭኦም ይሳተዩ ግዲ!’

ዳኒኤል ምስ እዚ ጎሪላ ኣብ ዱር ሃገራዊ ሕዛእቲ ኦድዛላ፡ ሪፓብሊክ ኮንጎ እዮም ተራኺቦም። እዛ ስእሊ ኣብ 2017 ዓቢ ዋንጫ ሆላንድን ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2017 ኣብ ምድብ ካብ 15-17 ዓመት ተዓዊታ’ያ።

‘ነዚ ዘይምርኣይ ይሓይሽ!’

ምንጪ ስእሊ, Marion Vollborn / Comedy Wildlife Photo Awards 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ሕማቕ ዘበን ኣርኪብና. . . ዘይምርኣይ ይሓይሽ!’

ብማርዮን ቮልቦርን ተሳኢላ ኣብ መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም 2019 ቀሪባ ነይራ።

‘ኣንታ ፈጣሪ፡ ስለምንታይ ክንዋዳእ ትፈቅድ?!’

ምንጪ ስእሊ, Arnaud Badiane

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣንታ ፈጣሪ፡ ስለምንታይ ክንዋዳእ ትገድፈና?!. . .’

ኣብ 2018 ኣብ ውድድር ስእሊ ስነ-ህይወት ባዮሜድ ሴንትራል ካብ ዝቐረቡ ስእልታት ሓንቲ፡ እዛ ብፈረንሳዊ ኣርኖድ ባዲያን ዝተሰኣለት ነይራ።

‘ዋይ ወሪዱኒ! ባዕላ መቲራቶ ተሓንቀት፡ ባዕላ ሰትያቶ ተሰርነቐት ዲኹም ትብሉ?!’

ምንጪ ስእሊ, Ashleigh Scully/Wildlife Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ሱስዓት ዘይርኣይዎ ጸጋ ድኣ ከነናዲ. . .ጽዒርካ ብላዕ'ዩ . . .ባዕላ መቲራቶ ተሓንቀት፡ ባዕላ ሰትያቶ ተሰርነቐት ዲኹም ትብሉ?!’

ኣሽሊ ስከሊ፡ በዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ሰኣሊ ዓመተ 2017 ኣብ ምድብ ካብ 11-14 ዓመት ተዓዋታ እያ።