መስሓቕ ስእሊታት እንስሳ ዘገዳም

ምንጪ ስእሊ, CHRISTIAN ZIEGLER
እዚ ቦንቦ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ህበይ ነታ ሞንጉዝ (ምጹጽላይ እትመስል እንስሳ) እንታይ ክገብር እዩ ሓቚፍዋ? ድራር ክገብራ እንተይልኩም፡ ተጋጊኹም። ሓሓሊፉ እንተዘይኰይኑ እዞም ኣህባይ ብቐንዱ ፍረታት እዮም ዝምገቡ።
እዛ መሳጢ ኵነታት እተርኢ ስእሊ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብክርስቲያን ዚግለር ዝተሳእለት ኰይና ኣብ መበል 58 ውድድር ብሉጽ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ናእዳ ረኺባ እያ።
ክርስቲያን፡ "ነታ ሞንጉዝ ከመይ ጌሩ ብኸምዚ ዝበለ ጥንቃቐ ከም ዝሓቖፋ ምስ ረኣኹ ኣዝየ ገሪሙኒ። ብኡ ንብኡ ክከታተሎ ጀሚረ" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።
እቲ ህበይ ነታ ንእሽቶ ሞንጉዝ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ከም ዝደራረዛ’ውን ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Krisztina Scheef
እዞም ገፊሕ ዝኣፎም ናይ ባሕሪ ኣዕዋፍ ኣትላንቲክ፡ ፖፊን ይበሃሉ። ብዓሳ ናይ ምግፋፍ ክእለቶም ከኣ ይፍለጡ።
ሓደ ሓደ ግዜ ግን - ከምቲ ኣብቲ ስእሊ ዝርአ - ዘይቐንዖም ኣለዉ። ‘ዋላ ሓንቲ ሓባ እንዶ ኣጥምና?’ ዝብል ዘሎ ይመስል።

ምንጪ ስእሊ, Bob Carter / Comedy Wildlife Photo Awards 2019
ቦብ ካርተር፡ ነዛ ሳሕቲ እተጋጥም ህሞት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ስኢልዋ።

ምንጪ ስእሊ, Martina Gebert / Comedy Wildlife Photo Awards 2019
ማርማት እውን ከም ሞንጉዝ ንምጹጽላይ እትመስል እንስሳ እያ።
እዛ ኦስትርያዊ ማርሞት ግን ካብ ምጹጽላይ ንላዕሊ ‘ራፕ’ ትስዕስዕ ዘላ ትመስል።

ምንጪ ስእሊ, Weng Kong Liew/Bird Photographer of the Year
እዛ ብእንግሊዝኛ ሮድቢል እትበሃል ዑፍ፡ መጻምድቲ ንምስሓብ ኣብ ዝግበር ፈተነ፡ ምሉእ ብምሉእ ዕግርግር ትፈጥር እያ ዘላ። እዞም ኣዕዋፍ ምስ መጻምዲ ዘለዎም ርክብ ብዙሕ ጫውጫው ዝመልኦ ድምጽን ኣቓልቦ ዝጠልብ ምዝርጋሕ ክንፊ የጠቓልል።

ምንጪ ስእሊ, Andrés Luis Dominguez Blanco/Wildlife Photographer of the Year 2020
ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ናይቲ ዓመት ዝተዓወተት ስእሊ እያ።
እቲ ዝገርም እዛ ሰእሊ ኣብ መደብ ትሕቲ 10 ዓመት ዝቀረበት ነይራ፤ ሰኣሊኣ ስጳኛዊ ኣንድሬስ ሉዊስ ዶሚንጎዝ ብላንኮ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Petri Pietiläinen
ብፊንላዳዊ ፔትሪ ፔቲላይነን ተሳኢላ ኣብ ውድድር ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ዝቐረበት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Torie Hilley/Comedy Wildlife Photography Awards 2022
ብኣሜሪካዊት ቶሪ ሃይሊ ተሳኢላ ኣብ 2022 ካብ ዝቐረቡ ብሉጻት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም ክትከውን ክኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Ryan Jefferds / Comedy Wildlife Photo Awards 2019
እዚ ደፋር ቺምፓንዚ ኣብ ኢንስታግራም ዝርከቡ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ዶ ኣይመስልን?

ምንጪ ስእሊ, Ahmed Alahmed/Comedy Wildlife Photography Awards 2022
እዛ ኣሕመድ ኣላህመድ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝሰኣላ ህበይ ክንድዚ እትስሕቕ ዘላ በቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ደፋር ቺምፓንዚ ኣይኰነን። እንተዝዀን ግን . . .




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







