ብመስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ

ፍቕሪ ድዩ ወይስ ኩራ? (ብሳይመን ራንቲንግ ተሳኢላ ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ዋይልድኣርት ፎቶ ዝቐረበት’ያ)

ምንጪ ስእሊ, Simon Runting

መግለጺ ስእሊ, ፍቕሪ ድዩ ወይስ ኩራ? (ብሳይመን ራንቲን ተሳኢላ ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ዋይልድኣርት ፎቶ ዝቐረበት’ያ)

ንብዙሕ ዓመታት፡ እንስሳታት ስምዒት ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ከም መናፍቓዊ ዋዛ ክቝጸር ጸኒሑ’ዩ።

ቈልዑ ከለና ኣብ ሰፈርና ክልተ ኣኽላብ ነይሮምና - ሉሲን ታርዛንን ኢልና ክጽውዖም እዝክር።

ሉሲ ኣዝያ ኣሪጋ ነይራ። ሓደ ንግሆ ኣብ ሓደ ጸግዒ ሞይታ ረኺብናያ። ኵላትና ደቂ ገዛውቲ ኣመና ሓዚንና - ግቡእ ስርዓተ-ቀብሪ ክንፍጽመላ ድማ ወሲንና።

ናብ በረኻ ወሲድና ከም ዓቕምና ጉድጓድ ኲዒትና ቀቢርናያ። መቓብራ ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ኣእማን ኣቐሚጥናሉ፤ ካብ እንጨይቲ ዝተሰርሐ መስቀል’ውን ገይርናሉ። እዚ ዅሉ ክንገብር ከለና፡ እቲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ዝገብር ታርዛን ኣብ መንጐና ሕልኽልኽ እናበለ ክዕዘብ እዝክር።

ሓደ ክልተ ሰሙን ምስ ሓለፈ ምስ ዝተወሰኑ ደቂ በቲ ሉሲ ዝተቐበረትሉ ቦታ እናሓለፈና ከለና ታርዛን ዘይንቡር ድምጺ ኣስሚዑ ቀዲሙና ጎይዩ።

ብዙሕ ከይረሓቐ ግን ረኺብናዮ፤ ኣብ ጥቓ መቓብር ሉሲ ዕምጽጽ ኢሉ ኮፍ ኢሉ ነይሩ። ኣዛብእ፡ መቓብራ ፍሒሮምዎ ገለ ኣዕጽምታ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መቓብር ረኺብናዮ።

እቲ ዝገርም ታርዛን፡ ኣዕጽምቲ ሉሲ ርእሲ ኣብ ማእከል ኣእጋሩ ቀርቂሩ ብገጹ እናደራረዘ ዳርጋ ከም ሰብ ናይ ብኽያት ድምጺ የስምዕ ነበረ።

እዚ ጽውጽዋይ ኣይኰነን፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንስሳታት ስምዒት ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ሃልወሳ ዘይምዃኑ መረጋገጺ እዩ።

ብሓቂ እንስሳታት ስምዒት ከም ዘለዎም መርትዖታት እናተደራረበ ይመጽእ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንኣብነት ኣእምሮኣዊ በሰላ፡ ከም ወዲ ሰብ ንሓደጋ፡ መጕዳእትን ወይ ድማ ንሞት ናይ ዝፈትዎም ሰባት ዝህቦ ልሙድ ምላሽ ተገይሩ ክሕሰብ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ነሓሰ 2018 ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ቫንኮቨር ሓንቲ ንእሽቶ ሓርማዝ ሞይታ። ኣደኣ፡ ሬሳ ጓላ ን17 መዓልታት ብተኸታታሊ ኣብ ጥቓኣ ገይራ ክትሕልዎ ጸኒሓ’ያ። ምስልታት ናይዚ ፍጻመ ኣብ መላእ ዓለም ዜና ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዛምብያ ኣብ ዝርከብ ትካል ዘኽታማት እንስሳ ዘገዳም፡ ቺምፓንዚ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቺምፓንዚ፡ ናይ ዝሞተ ወዳ ኣስናን ከተጽርዮ ፈቲና። እዚ ብብዙሓት “ስርዓት መቓብር” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍጻመ’ዩ።

ሓራምዝ፡ ዝሞቱ ኣባላት ስድራቤቶም ይበጽሑ እዮም፤ ኣካላት ወይ ኣዕጽምቲ ናይቶም ዝሞቱ ድማ ብምድርራዝ ይፍለጡ።

ኣብ 1972 ድማ ካልእ ዝያዳ ድራማዊ ዝዀነ ፍጻመ ኣጋጢሙ ነይሩ። ፍሊንት ዝብል ስም ዝተወሃቦ መንእሰይ ቺምፓንዚ፡ ኣደኡ ምስ ሞተት ንሱ ባዕሉ ድሕሪ ወርሒ ሞይቱ። ፍሊንት፡ ድሕሪ ሞት ኣደኡ ኣዝዩ ተስፋ ስለዝቘረጸ ምብላዕ፡ ምስታይ ወይ ማሕበራዊ ርክብ ኣቋሪጹ ነይሩ፤ ብሰንኪ’ዚ ድማ ብህይወት ክተርፍ ኣይከኣለን።

“ፍቕሪ ወይ ሓዘን ንሕና ደቂ ሰባት ጥራይ ንውንኖም [ስምዒታት] ኣይኰኑን – እዞም ስምዒታት’ዚኦም ኣብ ካልኦት እንስሳታት’ውን ዝተዘርግሑ እዮም” ትብል ዶክተር ባርባራ ጄ ኪንግ። ንሳ፡ ኣብ ኮለጅ ዊልያምን ሜሪን ፕሮፌሰር ኣንትሮፖሎጂን ከምኡ’ውን ደራሲት ‘ሃው ኣኒማልስ ግሪቭ’ (እንስሳታት ብኸመይ ሓዘኖም ይገልጹ) እትብል መጽሓፍን እያ።

እዚ ካብ በልና ናብ ናይ ሎሚ ርእሰ ጉዳይና ክንኣቱ . . . መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም።

ንሎሚ፡ ቅንያት በዓል ምኽንያት ገይርና ካብቲ ልሙድ ብርክት ዝበሉ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና።

እቶም ዓሰርተ፡ ኣብ እንስሳታት ዘሎ ስምዒት ፍቕሪ ዘመልክቱ ይመስሉ። እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ድማ ካብ ፍቕሪ ብዙሕ’ኳ እንተዘይረሓቝ ግን ገለ ኩራ ዝተሓወሶ ስምዒት ዘንጸባርቝ ይመስሉ።

እዞም ኣሳእል ካብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ስእሊ እንስሳታት ዝረኸብናዮም እዮም። እንሆ ድማ ተዛነዩ . . .

ብሩኽ በዓለ ፋሲካ ንምነየልኩም!

ኩራ፡ ባእሲ. . .ሓውሲ ፍቕሪ

‘ብሕሶት ነዲደ!’

ምንጪ ስእሊ, Co Grift / Comedy Wildlife Photo Awards 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ብሕሶት ነዲደ!’

ኮ ግሪፍት ‘ኢንዲሰንት ፕሮፖዛል’ ዝብል ስም ዝሃባ እዛ ስእሊ ኣብ 2019 ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳታት ዘገዳም ቀሪባ ነይራ።

‘ግደፍና እንዶ!’

ምንጪ ስእሊ, Ekaterina Bee/Wildlife Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ግደፍና እንዶ!’

ኣብ 2017 ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ ዝተሳተፉሉ ውድድር ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ዝተዓወተት እያ።

ሰኣሊታ ኢካትሪና ቢ ገና ጓል 4 ዓመት እንከላ እያ ካሜራ ክትሕዝ ጀሚራ።

‘ምሉእ ኲናት!’

ምንጪ ስእሊ, Gabor Baross/Bird Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ምሉእ ኲናት!’

እዞም ዩራዥያን ስፑንቢል ዝበሃሉ ዓይነት ኣዕዋፍ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ሆርቶቤጊ፡ ሃንጋሪ ዝተሰኣሉ እዮም።

‘ከመይ ኢለ ክጸውያ?!’

ምንጪ ስእሊ, Marti Phillips/Bird Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ከመይ ኢለ ክጸውያ?!’

እዞም ካራካራ ዝተበሃሉ መጻምድቲ ኣብ ቴክሳስ፡ ኣሜሪካ እዮም ተሳኢሎም። እዚ መስርሕ ምርባሕ ዝጅምሩሉ ልሙድ ኣገባብ’ኳ እንተዀነ፡ ሕድሕዶም ዝተፈራርሑ ወይ ሓደኦም ዝዀረየ ይመስሉ።

‘በርቃዊ መጥቃዕቲ’

ምንጪ ስእሊ, Erlend Haarberg/Bird Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘በርቃዊ መጥቃዕቲ’

እዞም ኣዕዋፍ ኣብ ፊንማርክ፡ ኖርወይ ኣብ ባእሲ እንከለዉ ብ አርለንድ ሃርበርግ ተሳኢሎም።

‘በርቃዊ መጥቃዕቲ 2.0’

ምንጪ ስእሊ, David Tipling

መግለጺ ስእሊ, ‘በርቃዊ መጥቃዕቲ 2.0’

እዞም ተርትል ዶቭ እውን ይበኣሱ እዮም ዘለዉ። ዳቪድ ቲፕሊን ኣብ ኖርፎልክ፡ ብሪጣንያ ስኢልዎም።

‘እስኪ ተጸጋዕ!’

ምንጪ ስእሊ, Roelof de Hoog

መግለጺ ስእሊ, ‘እስኪ ተጸጋዕ!’

እዛ ስእሊ፡ ኣብ 2022 ኣብ ውድድር ክሎዝ-ኣፕ ስእሊ ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

‘እታ ማዕጾ መን ይዕጸዋ?’

ምንጪ ስእሊ, Noelle Bennett

መግለጺ ስእሊ, ‘እታ ማዕጾ መን ይዕጸዋ?’

እዛ ብኖኤል ቤኔት ዝተሳእለት ስእሊ’ውን ኣብ 2022 ኣብ ውድድር ክሎዝ-ኣፕ ስእሊ ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

እዞም ኣዕዋፍ ኣብ ኒውዚላንድ ጥራይ ይርከቡ።

‘ተባዕቶት ዝሓስብሉ ርእሲ የብሎምን ዝበሃል ሓቂ ድዩ?’

ምንጪ ስእሊ, Martin Grace/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ተባዕቶት ዝሓስብሉ ርእሲ የብሎምን ዝበሃል ሓቂ ድዩ?’

ብማርቲን ግሬስ ተሳኢላ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2022 ካብ ዝቐረቡ ምሩጻት ሓንቲ እያ።

‘ኣታ ተማርር ኣለኻ!’

ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Do Linh San/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣታ ተማርር ኣለኻ!’

ሚርካት፡ ሓደ ዓይነት ሞንጉስ ወይ ምጹጽላይ ዝመስል እንስሳ እዮም።

ኢማኑኤል ዶ ሊን ሳን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ካላሃሪ ትሬልስ ጌም ሪዘርቭ ከም ዝሰኣሎም ይዛረብ።

ፍቕሪ ምስ ኵሉ. . .

‘ፍቕሪ ብሳዕስዒት’

ምንጪ ስእሊ, Philip Marazzi / Comedy Wildlife Photo Awards 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ፍቕሪ ብሳዕስዒት’

እዛ 'ሂፕ ሃፕ' ዘርእስታ ድማ ብፊሊፕ ማራዚ ዝተሰኣለት እያ፤ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2019 ቀሪባ ነይራ።

‘ክንኮላለስ ሰኣለና’

ምንጪ ስእሊ, Richard Flack/BPOTY

መግለጺ ስእሊ, ‘እናተዀላለስና ሰኣለና’

እዚኦም ዓይነት ኣዕዋፍ ኣዝዮም ሓፋራትን ካብ ካሜራ ዝሃድሙን እዮም፤ እዚ ድማ ነዛ ስእሊ ፍልይቲ ይገብራ። ኣብ ውድድር ስእሊ ኣዕዋፍ ነሓስ ተዓዊታ እያ።

‘ክወግሕ’ዩ!’

ምንጪ ስእሊ, Brad James/BPOTY

መግለጺ ስእሊ, ‘ክወግሕ’ዩ!’

እዚኣ ድማ ኣብ ውድድር ስእሊ ኣዕዋፍ ብሩር ዝተዓወት ኰይና፡ ብራድ ጄምስ ኣብ ኒውፋውንድላንድ፡ ካናዳ ዝሰኣላ እያ።

‘ቆልዑ ተደሪሮም’ዶ?’

ምንጪ ስእሊ, Ly Dang/Wildlife Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ቈልዑ ኸ ተደሪሮም’ዶ?’

ብሊ ዳንግ ተሳኢላ ኣብ ውድድር ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ዝቐረበት እያ።

‘ክደርፈልኪ’

ምንጪ ስእሊ, Alex Pansier

መግለጺ ስእሊ, ‘ክደርፈልኪ እየ’

እዚኦም ምጹጽላያት ኣብ ቪየና፡ ኦስትርያ ብኣሌክስ ፓንሲየር ተሳኢሎም። ስእሎም ኣብ ውድድር ክሎዝ-ኣፕ ስእሊ ቀሪባ ተዓዊታ’ያ።

‘ስዕመት ኣፍንጫ’

ምንጪ ስእሊ, Andy Parkinson

መግለጺ ስእሊ, ‘ስዕመት ኣፍንጫ’

ኣብ ደስ ዝብል ተርእዮ ዝርከቡ እዞም ማናቲለ ብኣንዲ ፓርኪንሰን ተሳኢሎም፡ እታ ስእሊ ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ዋይልድኣርት ፎቶ ቀሪባ ነሓስ ዝተዓወተት’ያ።

‘ሕኸኽለይ’

ምንጪ ስእሊ, Thomas Hinsche

መግለጺ ስእሊ, ‘ሕኸኽለይ 'ስከ!’

ቶማስ ሂንሽ፡ ነዛ ስእሊ ኣብ ደሴት ሄልጎላንድ፡ ሰሜን ባሕሪ ስኢልዋ። ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ዋይልድኣርት ፎቶ ካብ ዝቐረቡ ብሉጻት ድማ ሓንቲ ክትከውን ክኢላ።

‘ፍቕሪ ወኻርያ’

ምንጪ ስእሊ, Brittany Crossman/Wildlife Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ፍቕሪ ወኻርያ’

ኣብቲ ብበረድ ዝተሸፈነ መልክዓ ምድሪ ኖርዝ ሾር ኣብ ደሴት ፕሪንስ ኤድዋርድ ካናዳ፡ እዞም ቀያሕቲ ወኻርያ ነሓድሕዶም ሰላምታ ይለዋወጡ።

‘ንሕና’ውን ፍቕሪ ንፈልጠሉ ኢና!’

ምንጪ ስእሊ, Saverio Gatto/Comedy Wildlife Photography Awards 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ንሕና’ውን ፍቕሪ ንፈልጠሉ ኢና!’

ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2022 ዝቐረቡ እዞም ኣሞራታት፡ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ክሩገር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እዮም ተሳኢሎም።

‘ኣለኹ ኣጆኻ!’

ምንጪ ስእሊ, JESSICA ROBERTS

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣለኹ ኣጆኻ!’

ጀሲካ ሮበርትስ፡ እዞም ጎፍጓፋት ጫቓዊት ደርሆ ማይ፡ ንሓድሕዶም እናተጸናንዑ እንከለዉ ስኢላቶም። ፔትሲቨርስ ዝበሃል ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል፡ ኣብ 2015 ናይቲ ዓመት ምሩጻት ካብ ዝበሎም ኣሳእል ሓንቲ፡ እዛ ስእሊ ነይራ።