ብመስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ

ንብዙሕ ዓመታት፡ እንስሳታት ስምዒት ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ከም መናፍቓዊ ዋዛ ክቝጸር ጸኒሑ’ዩ።

ቈልዑ ከለና ኣብ ሰፈርና ክልተ ኣኽላብ ነይሮምና - ሉሲን ታርዛንን ኢልና ክጽውዖም እዝክር።

ሉሲ ኣዝያ ኣሪጋ ነይራ። ሓደ ንግሆ ኣብ ሓደ ጸግዒ ሞይታ ረኺብናያ። ኵላትና ደቂ ገዛውቲ ኣመና ሓዚንና - ግቡእ ስርዓተ-ቀብሪ ክንፍጽመላ ድማ ወሲንና።

ናብ በረኻ ወሲድና ከም ዓቕምና ጉድጓድ ኲዒትና ቀቢርናያ። መቓብራ ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ኣእማን ኣቐሚጥናሉ፤ ካብ እንጨይቲ ዝተሰርሐ መስቀል’ውን ገይርናሉ። እዚ ዅሉ ክንገብር ከለና፡ እቲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ዝገብር ታርዛን ኣብ መንጐና ሕልኽልኽ እናበለ ክዕዘብ እዝክር።

ሓደ ክልተ ሰሙን ምስ ሓለፈ ምስ ዝተወሰኑ ደቂ በቲ ሉሲ ዝተቐበረትሉ ቦታ እናሓለፈና ከለና ታርዛን ዘይንቡር ድምጺ ኣስሚዑ ቀዲሙና ጎይዩ።

ብዙሕ ከይረሓቐ ግን ረኺብናዮ፤ ኣብ ጥቓ መቓብር ሉሲ ዕምጽጽ ኢሉ ኮፍ ኢሉ ነይሩ። ኣዛብእ፡ መቓብራ ፍሒሮምዎ ገለ ኣዕጽምታ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መቓብር ረኺብናዮ።

እቲ ዝገርም ታርዛን፡ ኣዕጽምቲ ሉሲ ርእሲ ኣብ ማእከል ኣእጋሩ ቀርቂሩ ብገጹ እናደራረዘ ዳርጋ ከም ሰብ ናይ ብኽያት ድምጺ የስምዕ ነበረ።

እዚ ጽውጽዋይ ኣይኰነን፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንስሳታት ስምዒት ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ሃልወሳ ዘይምዃኑ መረጋገጺ እዩ።

ብሓቂ እንስሳታት ስምዒት ከም ዘለዎም መርትዖታት እናተደራረበ ይመጽእ ኣሎ።

ንኣብነት ኣእምሮኣዊ በሰላ፡ ከም ወዲ ሰብ ንሓደጋ፡ መጕዳእትን ወይ ድማ ንሞት ናይ ዝፈትዎም ሰባት ዝህቦ ልሙድ ምላሽ ተገይሩ ክሕሰብ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ነሓሰ 2018 ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ቫንኮቨር ሓንቲ ንእሽቶ ሓርማዝ ሞይታ። ኣደኣ፡ ሬሳ ጓላ ን17 መዓልታት ብተኸታታሊ ኣብ ጥቓኣ ገይራ ክትሕልዎ ጸኒሓ’ያ። ምስልታት ናይዚ ፍጻመ ኣብ መላእ ዓለም ዜና ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዛምብያ ኣብ ዝርከብ ትካል ዘኽታማት እንስሳ ዘገዳም፡ ቺምፓንዚ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቺምፓንዚ፡ ናይ ዝሞተ ወዳ ኣስናን ከተጽርዮ ፈቲና። እዚ ብብዙሓት “ስርዓት መቓብር” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍጻመ’ዩ።

ሓራምዝ፡ ዝሞቱ ኣባላት ስድራቤቶም ይበጽሑ እዮም፤ ኣካላት ወይ ኣዕጽምቲ ናይቶም ዝሞቱ ድማ ብምድርራዝ ይፍለጡ።

ኣብ 1972 ድማ ካልእ ዝያዳ ድራማዊ ዝዀነ ፍጻመ ኣጋጢሙ ነይሩ። ፍሊንት ዝብል ስም ዝተወሃቦ መንእሰይ ቺምፓንዚ፡ ኣደኡ ምስ ሞተት ንሱ ባዕሉ ድሕሪ ወርሒ ሞይቱ። ፍሊንት፡ ድሕሪ ሞት ኣደኡ ኣዝዩ ተስፋ ስለዝቘረጸ ምብላዕ፡ ምስታይ ወይ ማሕበራዊ ርክብ ኣቋሪጹ ነይሩ፤ ብሰንኪ’ዚ ድማ ብህይወት ክተርፍ ኣይከኣለን።

“ፍቕሪ ወይ ሓዘን ንሕና ደቂ ሰባት ጥራይ ንውንኖም [ስምዒታት] ኣይኰኑን – እዞም ስምዒታት’ዚኦም ኣብ ካልኦት እንስሳታት’ውን ዝተዘርግሑ እዮም” ትብል ዶክተር ባርባራ ጄ ኪንግ። ንሳ፡ ኣብ ኮለጅ ዊልያምን ሜሪን ፕሮፌሰር ኣንትሮፖሎጂን ከምኡ’ውን ደራሲት ‘ሃው ኣኒማልስ ግሪቭ’ (እንስሳታት ብኸመይ ሓዘኖም ይገልጹ) እትብል መጽሓፍን እያ።

እዚ ካብ በልና ናብ ናይ ሎሚ ርእሰ ጉዳይና ክንኣቱ . . . መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም።

ንሎሚ፡ ቅንያት በዓል ምኽንያት ገይርና ካብቲ ልሙድ ብርክት ዝበሉ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና።

እቶም ዓሰርተ፡ ኣብ እንስሳታት ዘሎ ስምዒት ፍቕሪ ዘመልክቱ ይመስሉ። እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ድማ ካብ ፍቕሪ ብዙሕ’ኳ እንተዘይረሓቝ ግን ገለ ኩራ ዝተሓወሶ ስምዒት ዘንጸባርቝ ይመስሉ።

እዞም ኣሳእል ካብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ስእሊ እንስሳታት ዝረኸብናዮም እዮም። እንሆ ድማ ተዛነዩ . . .

ብሩኽ በዓለ ፋሲካ ንምነየልኩም!

ኩራ፡ ባእሲ. . .ሓውሲ ፍቕሪ

ኮ ግሪፍት ‘ኢንዲሰንት ፕሮፖዛል’ ዝብል ስም ዝሃባ እዛ ስእሊ ኣብ 2019 ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳታት ዘገዳም ቀሪባ ነይራ።

ኣብ 2017 ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ ዝተሳተፉሉ ውድድር ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ዝተዓወተት እያ።

ሰኣሊታ ኢካትሪና ቢ ገና ጓል 4 ዓመት እንከላ እያ ካሜራ ክትሕዝ ጀሚራ።

እዞም ዩራዥያን ስፑንቢል ዝበሃሉ ዓይነት ኣዕዋፍ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ሆርቶቤጊ፡ ሃንጋሪ ዝተሰኣሉ እዮም።

እዞም ካራካራ ዝተበሃሉ መጻምድቲ ኣብ ቴክሳስ፡ ኣሜሪካ እዮም ተሳኢሎም። እዚ መስርሕ ምርባሕ ዝጅምሩሉ ልሙድ ኣገባብ’ኳ እንተዀነ፡ ሕድሕዶም ዝተፈራርሑ ወይ ሓደኦም ዝዀረየ ይመስሉ።

እዞም ኣዕዋፍ ኣብ ፊንማርክ፡ ኖርወይ ኣብ ባእሲ እንከለዉ ብ አርለንድ ሃርበርግ ተሳኢሎም።

እዞም ተርትል ዶቭ እውን ይበኣሱ እዮም ዘለዉ። ዳቪድ ቲፕሊን ኣብ ኖርፎልክ፡ ብሪጣንያ ስኢልዎም።

እዛ ስእሊ፡ ኣብ 2022 ኣብ ውድድር ክሎዝ-ኣፕ ስእሊ ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

እዛ ብኖኤል ቤኔት ዝተሳእለት ስእሊ’ውን ኣብ 2022 ኣብ ውድድር ክሎዝ-ኣፕ ስእሊ ናብ ፍጻመ በጺሓ ነይራ።

እዞም ኣዕዋፍ ኣብ ኒውዚላንድ ጥራይ ይርከቡ።

ብማርቲን ግሬስ ተሳኢላ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2022 ካብ ዝቐረቡ ምሩጻት ሓንቲ እያ።

ሚርካት፡ ሓደ ዓይነት ሞንጉስ ወይ ምጹጽላይ ዝመስል እንስሳ እዮም።

ኢማኑኤል ዶ ሊን ሳን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ካላሃሪ ትሬልስ ጌም ሪዘርቭ ከም ዝሰኣሎም ይዛረብ።

ፍቕሪ ምስ ኵሉ. . .

እዛ 'ሂፕ ሃፕ' ዘርእስታ ድማ ብፊሊፕ ማራዚ ዝተሰኣለት እያ፤ ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2019 ቀሪባ ነይራ።

እዚኦም ዓይነት ኣዕዋፍ ኣዝዮም ሓፋራትን ካብ ካሜራ ዝሃድሙን እዮም፤ እዚ ድማ ነዛ ስእሊ ፍልይቲ ይገብራ። ኣብ ውድድር ስእሊ ኣዕዋፍ ነሓስ ተዓዊታ እያ።

እዚኣ ድማ ኣብ ውድድር ስእሊ ኣዕዋፍ ብሩር ዝተዓወት ኰይና፡ ብራድ ጄምስ ኣብ ኒውፋውንድላንድ፡ ካናዳ ዝሰኣላ እያ።

ብሊ ዳንግ ተሳኢላ ኣብ ውድድር ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ዝቐረበት እያ።

እዚኦም ምጹጽላያት ኣብ ቪየና፡ ኦስትርያ ብኣሌክስ ፓንሲየር ተሳኢሎም። ስእሎም ኣብ ውድድር ክሎዝ-ኣፕ ስእሊ ቀሪባ ተዓዊታ’ያ።

ኣብ ደስ ዝብል ተርእዮ ዝርከቡ እዞም ማናቲለ ብኣንዲ ፓርኪንሰን ተሳኢሎም፡ እታ ስእሊ ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ዋይልድኣርት ፎቶ ቀሪባ ነሓስ ዝተዓወተት’ያ።

ቶማስ ሂንሽ፡ ነዛ ስእሊ ኣብ ደሴት ሄልጎላንድ፡ ሰሜን ባሕሪ ስኢልዋ። ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ዋይልድኣርት ፎቶ ካብ ዝቐረቡ ብሉጻት ድማ ሓንቲ ክትከውን ክኢላ።

ኣብቲ ብበረድ ዝተሸፈነ መልክዓ ምድሪ ኖርዝ ሾር ኣብ ደሴት ፕሪንስ ኤድዋርድ ካናዳ፡ እዞም ቀያሕቲ ወኻርያ ነሓድሕዶም ሰላምታ ይለዋወጡ።

ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2022 ዝቐረቡ እዞም ኣሞራታት፡ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ክሩገር፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እዮም ተሳኢሎም።

ጀሲካ ሮበርትስ፡ እዞም ጎፍጓፋት ጫቓዊት ደርሆ ማይ፡ ንሓድሕዶም እናተጸናንዑ እንከለዉ ስኢላቶም። ፔትሲቨርስ ዝበሃል ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል፡ ኣብ 2015 ናይቲ ዓመት ምሩጻት ካብ ዝበሎም ኣሳእል ሓንቲ፡ እዛ ስእሊ ነይራ።