መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

ክርስቲና፡ ጸሓይ ኣብ እትበርቐሉ እዋን ዓሳ ክገፍፉ ናብ ገምገም ባሕሪ ዝኸዱ ጉጅለ ፐንጉን ረኺባ።

ሓደ ካብኣቶም ብዝዀነ ምኽንያት ሃንደበት ደው ኢሉ ከምልስ ከሎ ንኽትስእሎም ግዜ ኣይወሰደትን።

______________________________________________

ኩላትና ናይ’ዚ ሰሙን ስራሕ ወዲእና ኣብ ዝደኸምናሉ እዋን መንፈስና ዘዛንይ ወይ ፍሽኽ ዘብለና ነገር እንተረኸብና ኣይንጸልእን።

ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ብዓቢኡ ንዕቃበ እንስሳ ዘገዳምን መነባብሮኦምን ንምድንፋዕ፡ ብዋዛን ፍኹስ ዝበለ ምስልታት እወታዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ ውድድር እዩ።

ከምቲ ልሙድ ድማ ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ ስእልታት እቶም 10 መሪጽና ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ተዛንዩ፡ እንስሳታት ብሓቂ ክሳብ ክንደይ መስሓቕቲ ምዃኖም ከምኡ'ውን ሓዘን፡ በደል፡ ቁጥዐ፡ ሓጎስ ከም ዝስምዖም ድማ ተመልክቱ።

ዓይነት እዞም ጻጸ ብኣዝዩ ዘሕምም መንከስቲ ይፍለጡ፡ ከምዚ "እናሳዕስዑ” ኣብ ባታ፡ ኢንዶነዥያ ተሳኢሎም።

ጃክን ሮዝን ኣብ ጫፍ መርከብ ታይታኒክ ደው ኢሎም ኣእዳዎም ክዝርግሑ ትዝክሩ'ዶ?

ባርኒ ኮዛልካ ነዛ ስእሊ ‘ዘይእሩም!’ ዝብል ኣርእስቲ ሂብዋ፤ ኣብ ዮሚንግ፡ ኣመሪካ እዩ ስኢልዋ።

እዚ ሙስ (ዓይነት ጠለበዱ) ንመሓዝኡ መልሓሱ’ኳ እንተውጽአሉ ንሱ ግን ዝዓጀቦ’ኳ ኣይመስል!

ጆን ትረልፋል፡ ብዛ ‘Sonic quack’ (ድምጻዊ ቋቝታ) ብዝብል ዝተሰመየት ስእሉ ኣብ ምድብ ኣብ ኣየር ዝርከቡ እንስታት ተዓዊቱላ’ዩ።

ኣብ ፕሪስተን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ስኢልዋ።

እታ ሓንቲ ደርሆ ማይ ኣዝያ ቻርጅ ድያ ተገይራ ወይስ ብጎና ዝተሓብአት ጀት ኣላ?

እዚ ኣብ ናሚብያ እዩ፡ እዚ ንእሽቶ ኣፍሪቃዊ ሓርማዝ ብገጹ ዲፍ እንተበለ’ኳ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይተፈጥረ ተላዒሉ ጉዕዞ ቀጺሉ።

እቲ ንእሽቶ ሓርማዝ ኣዲኡ ጉዕዞ ከም ዝጀመረት ክስተብህል ከም ዝደንጎየ ሰኣሊ ቲም ሄርን ይዛረብ።

ሽዑ፡ “ተሃዊኹ ከርክባ ምስ ፈተነ ተዓንቂፉ ብገጹ ተተኺሉ።” ኣዲኡ ክትሕግዞ’ኳ እንተተመለሰት፡ ንሱ ግን “ብድግ ኢሉ “መንገዱ ቀጺሉ።”

ኣብ እዋን ብጽሕና ወለዱ ኣብ ቅድሚ መማህርቱ ክስዕምዎ ዝፈቱ ኣሎ ድዩ? እዚ ኦተር ፍጹም ኣይፈቱን፤ ኣዝዩ ዝሓፈረን ዝኾነ ዝረኣዮ ከም ዘየለ ከረጋግጽ ዝደለየን ይመስል።

ብማክስ ቶ ኣብ ሲንጋፖር ዝተሳእለት እያ።

‘Vitelline masked weaver’ ዝተበሃሉ ዓይነት ኣዕዋፍ ኣብ ምዕራብ፡ ማእኸላይን ምብራቓዊን ኣፍሪካ ይርከቡ።

ምድቦም ምስ ዑፍ መስቀል ኰይኑ ብፕሎሲየስ ቪተሊነስ ዝብል ሳይንሳዊ መጸውዒ’ውን ይፍለጡ።

ነዚ ተባዕታይ ዑፍ ኣብ እዋን ምርባሕ ኣብ ጨናፍር ኣግራብ ተንጠልጢሉ ሻፎ ሳዕሪ እናኣለመ ሰፈር ክሃንጽ ዝሰኣሎ ዳኒኤል ሮዘንግረን’ዩ።

ዘርኢ እዞም ተሓቛቚቝፎም ዝድንሱ ዝመስሉ ክልተ ጠበቓት ቤንጋል ሞኒተር ይበሃል።

ኣዝዮም ግዝኣታዊ ስለዝኾኑ እቲ ምሕዝነታዊ ዝመስል ሕቑፊ ቀልጢፉ ናብ ባእሲ ክቕየር ልሙድ’ዩ።

እዚኦም'ውን ብኡ ንብኡ ቃልሲ ከም ዝጀመሩ ዘርእዩ ካልኦት ስእልታት ኣለዉ።

ኣብ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ዊልፓቱ ሲሪላንካ ብሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ሰርጌይ ሳቪ እዮም ተሳኢሎም።

ኣኒታ ሮስ፡ "ንኣሽቱ ጉንጓ ክትዕዘቦም ኣዝዮም ዘስሕቑ እዮም" ትብል።

"እዚ ጉንጓ ትኹረተይ ስሒቡኒ፡ ምኽንያቱ ሃንግኦቨር ዝሓዞ’ዩ ዝመስል።"

ማሪዮ ጉስታቮ ፊዮሩቺ፡ ነዞም ጉንጓታት ኣብ ሳንታ ሮዛ ኣርጀንቲና ብቐጥታ ናብ ዓይኒ ካሜራኡ እናጠመቱ ረኺብዎም - ሓደ ካብኣቶም ግን ብቕዓት እቲ ሰኣላይ ዝተኣማመነ ኣይመስልን።