እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ስሓቕ’ዩ ዓለመይ'፡ ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ
ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳታት ዘገዳም (ኮሜዲ ዋይልድላይፍ ፎቶግራፊ ኣዋርድ) ፍኹስ ዝበለን ኣገዳሲን ውድድር እዩ።
ኣብ እንስሳታትን ተፈጥሮኣዊ ዓለምናን ለውጢ ከምጽእ ዝኽእልን ድማ እዩ።
ክንድቲ ባህግና ዝኣክል ብህይወት ዘለዉ እንስሳ ዘገዳም ንዘይንእይ ሰባት፡ ፍሽኽታ ዝሓወሰ ዕድል ይህበና።
ናይ ዝሳቐዩ እንስሳታት ዘገዳም ስእሊ ምርኣይ ዘጨንቕ እዩ። ሰባት ነዞም ዘጨንቑ ስእልታት ክርእዩ እንከለዉ ነቲ ጭንቀት ንምውጋድ ጠቕሊሎም ካብቲ ስእሊ ይርሕቁ። እዚ ድማ እቲ ዝተወጠነ ዘይኰነስ፡ ዘይተሓሰበ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል።
ኣብ ክንድኡስ፡ ኮሜዲ ዋይልድላይፍ፡ ዋዛ ከም መሳርሒ ተጠቒሙ፡ ተዓዘብቲ ንዘላቕነትን ዕቃበን እንስሳ ዘገዳም ትኹረት ክህቡ ይገብር።
“ምስ ተወዳደርትና ብምትእስሳር፡ ወይ ስእልታትኩምን ቪድዮታትኩምን ናብቲ ውድድር ክጽንበር ብምግባር፡ ፍርያትና ብምግዛእ ወይ ድማ ትሕዝቶና ብኢንተርነት ብምክፋል፡ ኩላትና ንዘላቕነት እጃምና ክንገብር ንኽእል ኢና” ይብል መርበብ ሓበሬታ ኮሜዲ ዋይልድላይፍ።
ብተወሳኺ፡ ብሓባር ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ ግንዛበ ከሕድሩ ምግባር ከም ዝከኣል ይገልጽ።
“ብሓገዝ ፕረስን ጋዜጠኛታትን ውድድርና ዓለምለኻዊ ተዓዛቢ ስሒቡ - ስለዚ የቐንየልና! መልእኽቲ ዕቃበና ኣብ ርሑቕን ቀረባን ክንዝርግሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ብሳላኹም ድማ ኣብ ዕላማና ንበጽሕ ኣለና።”
ብኣና ወገን ነዚ ሰሙን ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ ስእልታት እቶም 10 መሪጽናልኩም ኣለና። ተዛነዩ. . .
ብማይክ ሌሰል ዝተሰኣለ 'ኣሜሪካን ሮዝፊንች' ዝተባህለ ዑፍ ስቕ ክትብሉ የጠንቅቐኩም ኣሎ። ኣይፋል እንተይልኩም ኣብኣ ትረኽብዋ!
ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ህበይን ዘራፍን ፍጹም ዓይኒ ዘታልል ምርኢተ-ጥበብ ኣቕሪቦም። እዚ ኣህባይ ነቲ ዘራፍ ይጋልቦ ድዩ ዘሎ? ሰኣሊኣ እንታይ ይብል?
ደርክ-ጃን ስቲሃውወር፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጨናፍር ኣግራብ ላዕልን ታሕትን እናበሉ ዝጻወቱ ኣህባይ ረኺቡ።
"ክትዕዘቦ ደስ ዘብል'ዩ ነይሩ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ሓደ ዘራፍ ካብ የማን ክመጽእ ርእየ። እቲ ዘራፍ ብትሕቲ እታ ጨንፈር ኣብ ዝሓለፈሉ ህሞት፡ ሓደ ካብቶም ኣህባይ ዝጋልቦ ዘሎ ይመስል" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ቅድሚ እዚ ዝሓረቐ ዑፍ መን ደፊሩ ደው ይብል?!
“እዛ ስእሊ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ሕዛእቲ ተፈጥሮ ሪትቭለይ ኣብ ገረብ እየ ስኢለያ” ይብል ኣንድሩ ሜይስ።
መብዛሕትኡ ናይ ሰኑይ ንግሆ መንፈሰይ ኣጸቢቓ’ያ እትገልጽ”።
ኩላትና ኣብ ንእስነትና ከምዚ ዝበለ ዓርኪ ነይሩና ይኸውን'ዩ።
ያሪን ክላይን ነዞም ቡናዊ ድብታት ኣብ ኩሪል ሌክ፡ ካምቻትካ፡ ሩስያ እዩ ስኢልዎም።፡
ሞንጉስ ምጹጽላይ ዝመስል እንስሳ እዩ።
እዞም ኣርባዕተ ድንኪ ሞንጎስ ኩሎም ኣብ ሌክ ቦጎርያ፡ ኬንያ እዮም ተሳኢሎም - ብኣሳፍ ሴረት።
ገለ ነገር ርእዮም ዝፈርሑ ወይ ምእማን ኣብይዎም ከም ሓወልቲ ደሪቖም ዝቐረዩ ይመስሉ። ኣሳፍ’ውን ‘ሰርፕራይዝ ስማይልስ’ (‘Surprise Smiles’) ዝብል ኣርእስቲ'ዩ ሂብዋ።
"ክልተ ፐንጒን ካብቲ ማዕበል ምስ ወጹ እናተዛተዩ” ከም ዝረኸበቶም ኬሮል ታይለር ትገልጽ።
‘ዳይሬክቲንግ ፔንግዊን’ ('Directing penguin') እያ ኣርእስታ። እቲ ሓደ ኣንፈት ዝሕብር ዘሎ ይመስል ብምባል።
ዘይምቹእ ህሞት ዘጋጠሞ እዚ ብዕራይ በረኻ፡ ብቶም ስታብልስ ኣብ ሜሩ ሃገራዊ ፓርክ፡ ኬንያ ተሳኢሉ።
እቲ ዑፍ ግን ዝዓጠጦ ኣይመስልን፡ ተረጋጊኡ'ዩ ዘምጽኦ ዝሰርሕ ዘሎ።
ሳዕስዒት ኣይኮነ፡ ጸወታ ኣይኮነ! እዚ ሓያል ባእሲ ካንጋሩታት እዩ።
እቲ ብየማን ዘሎ ንከብዲ መባእስቱ በክልተ እግሩ ክረግሕ ፈቲኑ፤ ግን ኣይሰመረሉን።
ኣብ ፔርዝ፡ ኣውስትራልያ ብሊ ስካዳን ዝተሰኣለት’ያ።
እዚ ሓደ ካብ ዓሌታት ኣህባይ እዩ፤ ዘርኡ ማካኲ ብዝብል ይፍለጡ። ኣብ መላእ ኤስያ፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ድማ ይርከቡ።
እዞም ቅልጽሞምን እግሮምን ኣስታት ሓደ ዓይነት ንውሓት ዘለዎም ድልዱላት ኣህባይ ካብቶም ዝማዕበለ ኣእምሮ ዘለዎም 'ፕራይመይት' ዝብሃሉ እንስሳታት እዮም። ማካክ ምስ ካልኦት መጥበውቲ ክነጻጸር እንከሎ ካብቶም ዝሓሸ ሓፈሻዊ ብልሒ ዘለዎም እንስሳታት ይምደቡ።
ደቂ ሰባት ጥራይ እዮም ጽቡቕ ወረ ዋላ ሕሜታ ዝፈትዉ ዝበለ መን እዩ? እዞም ኣብ ምድረበዳ ካላሃሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሰኣሉ ኣናብስ መርኣያ እዮም።
በርንሃርድ ኤስተረር፡ ሕሜታ ኣብ እንስሳታት ዘገዳም ከመይ ከም ዝመስል በዛ ስእሊ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።