እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ
ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳምን፡ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳን ዓለምለኻዊ ውድድራት እዮም።
በቶም ኣዝዮም ዘገርሙ ስእልታት እንስሳ ኣቢሎም ድማ ኣገዳስነት ዕቃበ እንስሳታት ንምጕላሕ የገልግሉ።
ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ምኽርታት’ውን ብምቕራብ ኣወንታዊ ለውጢ ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ ለገስቲ ትካላት ረድኤት ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ’ውን ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም።
ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም ስዒቦም ይቐርቡ። ተዛነዩ. . .
እዛ ምጹጽላይ፡ ሚዛን ናይ ምሕላው ክእለታ ዘደንጹ’ዶ ኣይኰነን? ጊርት ወገን ኣብ ሽወደን ዝሰኣላ እያ።
ኵላትና ንወድቀሉ መዓልታት ኣሎ፤ እሞ መሓዙትና የልዑሉና ድዮም? ይስሕቑ’ዶ ወይስ ከም ዘይረኣዩ ናብ ካልእ ይጥምቱ? መልሱ ንዓኹም!
ቲቦር ኬርች በዛ ካብ ጨንፈር ትወድቕ ዘላ ምስኪን ንእሽቶ ጉንጓ ሽልማት ረኺቡ’ዩ። ኣብ ኦፑስታዘር ሃንጋሪ ድማ ስኢልዋ።
‘ሌባ ሌባ ተበሉዋስ፡ ሉዋ ሉዋ ዝበሉዋ ይመስላ’ ድዩ ዝበሃል?
እዛ ኦሊቨር ኮል ኣብ ፍላንደርስ ቤልጅየም ዝሰኣላ ስእሊ ኣዝያ ናእዳ ረኺባ’ያ።
እዚ ኣንበሳ ብሰሓቕ ተንፈርፊሩ ከመውት’ዩ! ክንድዚ ካብ ዘይንስሕቕ ክንደይ ገይርና ንኸውን? ኲናት ሕድሕድ፡ ግጭት፡ ፖለቲካ፡ ዝቕባበ ዋጋ፡ ወሰኽ ዋጋ መነባብሮ…ከመይ ኢልና ኢና'ሞ ክንስሕቕ!
ሰኣላይ፡ ጆቫኒ ኲርዛኒ፡ እቲ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ሰሬንጌቲ ታንዛንያ ዝሰኣሎ ኣንበሳ፡ “ብስእሊ ክእለተይ ዝስሕቕ ዘሎ ይመስል” ኢሉ ነይሩ።
"ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ጂም ኮርቤት ንስድራቤት ፓሮ ዝተባህለት ነብሪ ንነዊሕ ዓመታት ክከታተል ጸኒሐ። እዛ ኣብዛ ስእሊ ዘላ ጓል ፓሮ እያ፡ ዕንጸይቲ ኣብ መንኵባ ዝተሰከመት ትመስል” ይብል ሲድሃንት ኣግራዋል።
እንተዀነ በቲ ዕንጸይቲ ገጻ ክትሓክኽ እያ ትጽዕር ዘላ።
ኣልስቴር ማርሽ ኣብ ሆላንድ ዝሰኣላ እያ።
እዚ ኣንታርክቲክ ሲልን (ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ባሕሪ) ፐንጒንን ዘርእይዎ ዘለዉ ምጕርፋጥ ኣፍልቢ፡ መላእ ዓለም ቅንዕና ዝመልኦ ርክብ እንተዝህልዎ ዘብል’ዩ።
እዛ ስእሊ ኣካል ናይቲ ብፖርትፎልዮ ዝተዓወተ ተኸታታሊ ምስልታት እያ። እዘን ሰለስተ ስእልታት (እተን ክልተ ቀጺለን ኣለዋ) ፍቕራዊ ህይወት ምጹጽላይ የንጸባርቓ።
'መጀመርታ ፍቕሪ ይመጽእ... ደሓር ሓዳር' ዝብል ስያመ እዩ ተዋሂቡወን፤ ንምንታይ እንተይልኩም፡ እስኪ ርኣይወን. . .
እዞም ምጹጽላያት ተራኺቦም ናይ መጀመርታ ሳዕስዒት ምስ ዝስዕስዑ፡ ፍቕሮም ሰማይ ይትንክፍ።
እወ፡ ብድሕሪኡ’ሞ ፍሉጥ'ዩ ሓዳር ይምስረት። ‘እንኳዕ ደስ በለኩም! ቃል ኪዳንኩም የጽንዓዮ።’