ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ

ኣንበሳ

ምንጪ ስእሊ, GIOVANNI QUERZANI

ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳምን፡ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳን ዓለምለኻዊ ውድድራት እዮም።

በቶም ኣዝዮም ዘገርሙ ስእልታት እንስሳ ኣቢሎም ድማ ኣገዳስነት ዕቃበ እንስሳታት ንምጕላሕ የገልግሉ።

ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ምኽርታት’ውን ብምቕራብ ኣወንታዊ ለውጢ ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ ለገስቲ ትካላት ረድኤት ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ’ውን ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም።

ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም ስዒቦም ይቐርቡ። ተዛነዩ. . .

‘ኦፔራ ድዩ ከንገ ፉ?’

ምንጪ ስእሊ, GEERT WEGGEN

መግለጺ ስእሊ, ‘ኦፔራ ድዩ ከንገ ፉ?’

እዛ ምጹጽላይ፡ ሚዛን ናይ ምሕላው ክእለታ ዘደንጹ’ዶ ኣይኰነን? ጊርት ወገን ኣብ ሽወደን ዝሰኣላ እያ።

‘ኣታ ክንደይ ትኸፍኡ? ዘይትሕግዙና!’

ምንጪ ስእሊ, TIBOR KERCZ

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣታ ክንደይ ትኸፍኡ? ዘይትሕግዙና!’

ኵላትና ንወድቀሉ መዓልታት ኣሎ፤ እሞ መሓዙትና የልዑሉና ድዮም? ይስሕቑ’ዶ ወይስ ከም ዘይረኣዩ ናብ ካልእ ይጥምቱ? መልሱ ንዓኹም!

ቲቦር ኬርች በዛ ካብ ጨንፈር ትወድቕ ዘላ ምስኪን ንእሽቶ ጉንጓ ሽልማት ረኺቡ’ዩ። ኣብ ኦፑስታዘር ሃንጋሪ ድማ ስኢልዋ።

‘እንታይ በሊዐ ድየ?’

ምንጪ ስእሊ, OLIVIER COLLE

መግለጺ ስእሊ, ‘እንታይ በሊዐ ድየ?’

‘ሌባ ሌባ ተበሉዋስ፡ ሉዋ ሉዋ ዝበሉዋ ይመስላ’ ድዩ ዝበሃል?

እዛ ኦሊቨር ኮል ኣብ ፍላንደርስ ቤልጅየም ዝሰኣላ ስእሊ ኣዝያ ናእዳ ረኺባ’ያ።

‘ኣታ ከብድና ቆሲልና! ዘይትገድፉና!’

ምንጪ ስእሊ, GIOVANNI QUERZANI

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣታ ከብድና ቆሲልና! ዘይትገድፉና!’

እዚ ኣንበሳ ብሰሓቕ ተንፈርፊሩ ከመውት’ዩ! ክንድዚ ካብ ዘይንስሕቕ ክንደይ ገይርና ንኸውን? ኲናት ሕድሕድ፡ ግጭት፡ ፖለቲካ፡ ዝቕባበ ዋጋ፡ ወሰኽ ዋጋ መነባብሮ…ከመይ ኢልና ኢና'ሞ ክንስሕቕ!

ሰኣላይ፡ ጆቫኒ ኲርዛኒ፡ እቲ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ሰሬንጌቲ ታንዛንያ ዝሰኣሎ ኣንበሳ፡ “ብስእሊ ክእለተይ ዝስሕቕ ዘሎ ይመስል” ኢሉ ነይሩ።

‘ጠቢሰ ክድረር’

ምንጪ ስእሊ, Siddhant Agrawal

መግለጺ ስእሊ, ‘ጠቢሰ ክድረር’

"ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ጂም ኮርቤት ንስድራቤት ፓሮ ዝተባህለት ነብሪ ንነዊሕ ዓመታት ክከታተል ጸኒሐ። እዛ ኣብዛ ስእሊ ዘላ ጓል ፓሮ እያ፡ ዕንጸይቲ ኣብ መንኵባ ዝተሰከመት ትመስል” ይብል ሲድሃንት ኣግራዋል።

እንተዀነ በቲ ዕንጸይቲ ገጻ ክትሓክኽ እያ ትጽዕር ዘላ።

‘ኣብ ሳዕስዒት ቫልስ ጌጋ ምስ ዝፍጠር. . .’

ምንጪ ስእሊ, ELAINE KRUER

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣብ ሳዕስዒት ቫልስ ጌጋ ምስ ዝፍጠር. . .’

ኣልስቴር ማርሽ ኣብ ሆላንድ ዝሰኣላ እያ።

‘ብራቮ!’

ምንጪ ስእሊ, TOM MANGELSON

መግለጺ ስእሊ, ‘ብራቮ!’

እዚ ኣንታርክቲክ ሲልን (ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ባሕሪ) ፐንጒንን ዘርእይዎ ዘለዉ ምጕርፋጥ ኣፍልቢ፡ መላእ ዓለም ቅንዕና ዝመልኦ ርክብ እንተዝህልዎ ዘብል’ዩ።

‘መጀመርያ ፍቕሪ ይመጽእ...ደሓር ሓዳር’

ምንጪ ስእሊ, ELAINE KRUER

መግለጺ ስእሊ, ‘መጀመርያ ፍቕሪ ይመጽእ...ደሓር ሓዳር’

እዛ ስእሊ ኣካል ናይቲ ብፖርትፎልዮ ዝተዓወተ ተኸታታሊ ምስልታት እያ። እዘን ሰለስተ ስእልታት (እተን ክልተ ቀጺለን ኣለዋ) ፍቕራዊ ህይወት ምጹጽላይ የንጸባርቓ።

'መጀመርታ ፍቕሪ ይመጽእ... ደሓር ሓዳር' ዝብል ስያመ እዩ ተዋሂቡወን፤ ንምንታይ እንተይልኩም፡ እስኪ ርኣይወን. . .

‘ድሕረ ሳዕስዒት፡ ምስዕዓም ይመጽእ’

ምንጪ ስእሊ, ELAINE KRUER

መግለጺ ስእሊ, ‘ድሕረ ሳዕስዒት፡ ምስዕዓም ይመጽእ’

እዞም ምጹጽላያት ተራኺቦም ናይ መጀመርታ ሳዕስዒት ምስ ዝስዕስዑ፡ ፍቕሮም ሰማይ ይትንክፍ።

‘ድሕሪ ምስዕዓም፡ ሓዳር ይመጽእ’

ምንጪ ስእሊ, ELAINE KRUER

መግለጺ ስእሊ, ‘ድሕሪ ምስዕዓም፡ ናብ ሓዳር’

እወ፡ ብድሕሪኡ’ሞ ፍሉጥ'ዩ ሓዳር ይምስረት። ‘እንኳዕ ደስ በለኩም! ቃል ኪዳንኩም የጽንዓዮ።’