ብስእልታት እንስሳ ዘገዳም ተዛነዩ

ምንጪ ስእሊ, GIOVANNI QUERZANI
ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳምን፡ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳን ዓለምለኻዊ ውድድራት እዮም።
በቶም ኣዝዮም ዘገርሙ ስእልታት እንስሳ ኣቢሎም ድማ ኣገዳስነት ዕቃበ እንስሳታት ንምጕላሕ የገልግሉ።
ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ምኽርታት’ውን ብምቕራብ ኣወንታዊ ለውጢ ካብ ምትብባዕ ሓሊፉ ለገስቲ ትካላት ረድኤት ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ’ውን ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም።
ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም ስዒቦም ይቐርቡ። ተዛነዩ. . .

ምንጪ ስእሊ, GEERT WEGGEN
እዛ ምጹጽላይ፡ ሚዛን ናይ ምሕላው ክእለታ ዘደንጹ’ዶ ኣይኰነን? ጊርት ወገን ኣብ ሽወደን ዝሰኣላ እያ።

ምንጪ ስእሊ, TIBOR KERCZ
ኵላትና ንወድቀሉ መዓልታት ኣሎ፤ እሞ መሓዙትና የልዑሉና ድዮም? ይስሕቑ’ዶ ወይስ ከም ዘይረኣዩ ናብ ካልእ ይጥምቱ? መልሱ ንዓኹም!
ቲቦር ኬርች በዛ ካብ ጨንፈር ትወድቕ ዘላ ምስኪን ንእሽቶ ጉንጓ ሽልማት ረኺቡ’ዩ። ኣብ ኦፑስታዘር ሃንጋሪ ድማ ስኢልዋ።

ምንጪ ስእሊ, OLIVIER COLLE
‘ሌባ ሌባ ተበሉዋስ፡ ሉዋ ሉዋ ዝበሉዋ ይመስላ’ ድዩ ዝበሃል?
እዛ ኦሊቨር ኮል ኣብ ፍላንደርስ ቤልጅየም ዝሰኣላ ስእሊ ኣዝያ ናእዳ ረኺባ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, GIOVANNI QUERZANI
እዚ ኣንበሳ ብሰሓቕ ተንፈርፊሩ ከመውት’ዩ! ክንድዚ ካብ ዘይንስሕቕ ክንደይ ገይርና ንኸውን? ኲናት ሕድሕድ፡ ግጭት፡ ፖለቲካ፡ ዝቕባበ ዋጋ፡ ወሰኽ ዋጋ መነባብሮ…ከመይ ኢልና ኢና'ሞ ክንስሕቕ!
ሰኣላይ፡ ጆቫኒ ኲርዛኒ፡ እቲ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ሰሬንጌቲ ታንዛንያ ዝሰኣሎ ኣንበሳ፡ “ብስእሊ ክእለተይ ዝስሕቕ ዘሎ ይመስል” ኢሉ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Siddhant Agrawal
"ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ጂም ኮርቤት ንስድራቤት ፓሮ ዝተባህለት ነብሪ ንነዊሕ ዓመታት ክከታተል ጸኒሐ። እዛ ኣብዛ ስእሊ ዘላ ጓል ፓሮ እያ፡ ዕንጸይቲ ኣብ መንኵባ ዝተሰከመት ትመስል” ይብል ሲድሃንት ኣግራዋል።
እንተዀነ በቲ ዕንጸይቲ ገጻ ክትሓክኽ እያ ትጽዕር ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, ELAINE KRUER
ኣልስቴር ማርሽ ኣብ ሆላንድ ዝሰኣላ እያ።

ምንጪ ስእሊ, TOM MANGELSON
እዚ ኣንታርክቲክ ሲልን (ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ባሕሪ) ፐንጒንን ዘርእይዎ ዘለዉ ምጕርፋጥ ኣፍልቢ፡ መላእ ዓለም ቅንዕና ዝመልኦ ርክብ እንተዝህልዎ ዘብል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, ELAINE KRUER
እዛ ስእሊ ኣካል ናይቲ ብፖርትፎልዮ ዝተዓወተ ተኸታታሊ ምስልታት እያ። እዘን ሰለስተ ስእልታት (እተን ክልተ ቀጺለን ኣለዋ) ፍቕራዊ ህይወት ምጹጽላይ የንጸባርቓ።
'መጀመርታ ፍቕሪ ይመጽእ... ደሓር ሓዳር' ዝብል ስያመ እዩ ተዋሂቡወን፤ ንምንታይ እንተይልኩም፡ እስኪ ርኣይወን. . .

ምንጪ ስእሊ, ELAINE KRUER
እዞም ምጹጽላያት ተራኺቦም ናይ መጀመርታ ሳዕስዒት ምስ ዝስዕስዑ፡ ፍቕሮም ሰማይ ይትንክፍ።

ምንጪ ስእሊ, ELAINE KRUER
እወ፡ ብድሕሪኡ’ሞ ፍሉጥ'ዩ ሓዳር ይምስረት። ‘እንኳዕ ደስ በለኩም! ቃል ኪዳንኩም የጽንዓዮ።’




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







